ቐጠር፡ ስለ ምንታይ'ያ ኣብ ልዝብ ምቁራጽ ተዅሲ ቓዛ ተበዲለ ትብል ዘላ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቐጠር ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ንዝካየድ ዘሎ ልዝብ ዘለዋ እጃም መንጐኛነት ዳግመ ግምት ትገብረሉ ምህላዋ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ገሊጹ።
ቐጠር - ምስ ግብጽን ኣመሪካን - ብምዃን ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ተዅሲ ደው ንምባልን ጅሆ እስራኤላውያን ንምፍታሕን ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ጻዕሪ ልዑል እጃም ከም ዝነበራ ይፍለጥ።
ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብደልራሕማን ኣ'ታኒ ግን፡ ደውሓ ኣብዚ መስርሕ እዚ ተመዝሚዛን ተበዲላን ፖለቲካዊ ሸቶ ከቝጽሩ ብዝጽዕሩ ዘለው ሰባት ድማ ተዳኺማ ከም ዘላን ገሊጹ።
ብተወሳኺ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ኣብ “ተኣፋፊ ምዕራፍ” ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ተዅሲ ደው ምባል ንምርግጋጽ ዝተገብረ ፈተነታት ተነቃፊን ብዓቢኡ ዘይዕዉትን’ኳ እንተነበረ፡ ቐጠር ምስ ኵሎም ወገናት ዘለዋ ምትእስሳር - ምስ ሓማስ ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ሓዊሱ - ግን ዝዀነ ይዅን ስርሒት ንምዕዋት ወሳኒ ተገይሩ’ዩ ዝውሰድ።
መንጐኛታት ንሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበር ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
እዚ ድማ፡ ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው 40 ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ኣረጋውያን ወይ ሕሙማት ነጻ ከውጽእ ዝብል ይርከቦ።
እዚ ግን ሓማስ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብግልጺ ነጺግዎ’ዩ።
ቐጠር ሕጂ እቶም ዝርርባት ዝዕወትሉ ዕድል ኣብ ሕቶ ተእትዎ ከም ዘላን ኣብቲ ዘተ ዘለዋ ተራ መንጐኛነት ዳግመ ግምት ትገብረሉ ከም ዘላን ትገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሸኽ መሓመድ እቶም ጻዕርታታ ፖለቲካዊ ሸቶ ንምምዝጋብ ብዝደልዩ ፖለቲከኛታት ይዳኸሙ ከም ዘለው ገሊጹ።
“እቲ ዘሕዝን ግን፡ እዚ ሽምግልና ብዘይግቡእ ምጥቃምን ንጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታት ምውዓልን ከም ዝተራእየ ርኢና ኣለና። ነዚ ድማ መንግስቲ ቐጠር ንተራኡ ብሰፊሑ ክግምገም ጸዊዑ ኣሎ። ሕጂ ኣብዚ ደረጃ ኢና ዘለና፤ እቲ ሽምግልናን ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብኸመይ ይሳተፉ ኣለው ዝብልን ክንግምግሞ ኢና” ክብል ኣብ ደውሓ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።
መንነት ናይቶም ውልቀ ሰባት ኣይገለጸን፤ እንተዀነ ኣብ ውሽጢ ኮንግረስ ኣመሪካ ዘለው ገለ ኣባላት፡ ቐጠር፡ 'ሓማስ ሕድገታት ክገብር እኹል ጸቕጢ ኣይገበረትን' ክብሉ ይነቕፉ።
ሓማስ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝቐረበ ምቍራጽ ተጻብኦ ድሕሪ ምንጻጉ፡ ኣመሪካ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ “ማሕለኻ ምቍራጽ ተዅሲ” ኰይኑ’ዩ ክትብል ከሲሳ።
ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ናብ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ክዓቢ ይኽእል እዩ ዝብል ሓድሽ ስግኣት ከም ዘለዎ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር፡ እቲ ግጭት ከይሰፍሕ ኣጠንቂቑ፤ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ሓላፍነቱ ክወስድን እቲ ኲናት ደው ከብሎን ጸዊዑ።
ብኻልእ ወገን ሰራዊት እስራኤል ካብ መሬት ሊባኖስ ናብ ሓንቲ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል እትርከብ ቍሸት ገጹ ብዝተወንጨፉ ጸረ ታንክ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን 14 ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝቖሰሉን ካብኣቶም እቶም ሽዱሽተ ብኸቢድ ከም ዝተጎድኡን ተሓቢሩ።
ብኢራን ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሂዝቦላሕ ኣብ ቀረባ እዋን ብመጥቃዕቲታት እስራኤል ንዝተቐትሉ ኣዘዝቲ ሕዝቦላህን ካልኦት ተዋጋእትን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ከባቢ ዓረብ ኣል-ኣራምሸ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ዒላማ ከም ዝተኰሰ ገሊጹ።
ሕዝቦላህ ልክዕ ከም ሓማስ ብእስራኤል፡ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ዝተበየነ ኰይኑ፡ ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ኣትሑ ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ዶብ ሊባኖስ ምስ ሓይልታት እስራኤል ተኹሲ ክለዋወጥ ጸኒሑ ኣሎ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ተቐቲሎም፤ ካልኦት 253 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ከም ዝተወስዱ ይዝከር።
እስራኤል ሓማስ ንምጥፋእን ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍታሕን ብዝብል ኣብ ቓዛ ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ልዕሊ 33 ሽሕን 800 ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝዀኑን ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ይገልጽ።
ኣብ ሕዳር ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ተዅሲ ደው ምባል ምስ ተገብረ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝዀኑ 105 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ እንከለው፡ ኣስታት 240 ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝነበሩ ፍልስጤማውያን እሱራት ነጻ ምውጽኦም ይዝከር።
ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ ቓዛ 133 ሰባት ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ - ቅድሚ እቲ ኲናት ዝተማረኹ ኣርባዕተ ሰባት ሓዊሱ - ልዕሊ 30 ካብኣቶም ድማ ከም ዝሞቱ ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







