ተቓውሞታት ኲናት ቓዛ፡ 'ኢንቲፋዳ' እንታይ’ዩ?

ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ቁጥዕኣ ትገልጽ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሓያሎ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ ኣንጻር እቲ ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሰልፊታት ተቓውሞ ክካየዱ ቀንዮም ኣለው።

እዚኦም ብርክት ዝበሉ ምሁራት እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተሳተፉሎም እዮም። ሰብ መዚ ክኣ ነዞም ተቓውሞታት ንምብርዓን ስጕምታት ክወስዱ ተራእዮም።

ብዛዕባ እዞም ተቓውሞታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጥቅዑ ዝነበሩ ልጣፋት፡ ብቐጻሊ ኢንቲፋዳ ዝብል ቃል ዓረብ ይጥቀሙ ነይሮም።

እዚ፡ ፍልስጤማውያን ኣንጻር እስራኤል ጽዑቕ ተቓውሞ ዘካይዱሉ ዝነበሩ እዋናት ዝተኣሳሰር እዩ።

ብዙሓት ጽሑፋት ከም ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሽ ‘ኢንቲፋዳ’ ክህሉ ድዩ ዝብል ሕቶታት የቕርቡ። ገሊኦም ድማ “ምሁራዊ ኢንቲፋዳ” ኢሎም ይጽውዕዎ።

ተምሃሮ፡ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ብምውጻእ ኣብቶም ቀጽሪታት መዓስከራት ብምቛም ኣንጻር ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹተስ ዝተኻየደ ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹተስ ዝተኻየደ ተቓውሞ

ሕጂ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ ቀጽሪታት ተኣሲሮም ኣለዉ።

እተን ዩኒቨርሲቲታት ኮሎምብያ ዩኒቨርሲቲ፡ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ፡ ኣብ በርክለይ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያን ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋንን ይርከብአን።

ኣብ ቦስተን ዝርከብ ኤመርሰን ኮሌጅን ታፍትስ ከምኡ’ውን ኣብ ጥቓ ኬምብሪጅ ዝርከብ ማሳቹሰትስ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ (MIT) እውን ሰልፊታት ተቓውሞ ተኻይዶም ኣለው።

ብዙሓት ተምሃሮ ካብ ኮሎምብያ ተኣጊዶም ምህላዎም ይግለጽ።

ኣብኡ ዝርከቡ ሓያሎ ኣይሁዳውያን ተምሃሮ ኣብ ቀጽሪ እተን ዩኒቨርሲቲታት ዘስግእ ሃዋህው ከም ዘሎ ስክፍታኦም ገሊጾም።

ካልኦት ሰልፈኛታት ግን ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ተምሃሮ ምግፋዕ ሳሕቲ ከም ዝተራእየ ተዛሪቦም።

እቶም ሰልፈኛታት፡ እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ “ካብ ምጽናት ዓሌት ክወጽኣን” ኣብ ምፍራይ ኣጽዋር ዝነጥፋ ኩባኒያታትን ካልኦት ንውግእ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝድግፉ ኢንዱስትሪታትን ደው ከብላን ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ኢንቲፋዳ እንታይ ማለት እዩ?

‘ኢንቲፋዳ’ ብቋንቋ ዓረብ “ናዕቢ” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። እዚ፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብርቱዕ ተቓውሞ ዘካየዱሎም እዋናት ንምግላጽ ተጠቒሞምሉ እዮም።

ቀዳማይ ኢንቲፋዳ ካብ 1987 ክሳብ 1993 ዝነበረ ኰይኑ፡ ካልኣይ ኢንቲፋዳ ካብ 2000 ክሳብ 2005 ነይሩ።

ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቓዛ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ኣንጻር እስራኤል ንክለዓሉ ዝጽውዑ ተቓወምቲ፡ “ኢንቲፋዳ ዓለምለኻዊ ይዅን” ዝብል ቃል ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርግሑ ነይሮም።

እዚኦም፡ “ኤሌክትሮኒካዊ ኢንቲፋዳ”፣ “ምሁራዊ ኢንቲፋዳ” ዝብሉ ካልኦት ቃላት’ውን ክጥቀሙ እንከለው፡ ንፍርያት እስራኤል ንምእጋድ ዝቐርቡ ጻውዒታት (ምንቅስቓስ "ምእዳም፡ ምውጋድ፡ እገዳ") ዝብሉ’ውን ተራእዮም።

ስለዚ ብዛዕባ ቀዳሞት ፍልስጤማውያን ‘ኢንቲፋዳታት’ እንታይ ንፈልጥ?

ቀዳማይ ኢንቲፋዳ፡ ካብ ታሕሳስ 1987 ክሳብ መስከረም 1993

ቀዳማይ ኢንቲፋዳ ፍልስጤም፡ ሓንቲ ታንኪ መጓዓዝያ ጽዕነት ሰራዊት እስራኤል ምስ ፍልስጤማውያን ዝሓዛ መካይን ምስ ተጋጨወት፡ ብ8 ታሕሳስ 1987 (ኣ.ኣ) ኣብ ቓዛ እዩ ጀሚሩ።

በዚ፡ ኣርባዕተ ፍልስጤማውያን ሞይቶም።

መንነቱ ዝሓብእ ኣከዳድና ዝተኸድነ ፍልስጤማዊ ተቓላሳይ፡ ብሰነ 1989 ኣብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ዓዱ ክሕሉ ተራእዩ።

ኣብ ትሕቲ እታ ብመግዛእቲ እስራኤል እናሓረቑ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ዝርከብሉ ከባቢ ክኣ ን20 ዓመታት ዓብዩ።

ፍልስጤማውያን ብከቢድ ቍጠባዊ ጸገማት ኣብ ዝብድህሉን ምስ ሰራዊት እስራኤል ብዘጋጥሞም ተደጋጋሚ ረጽሚ ኣብ ዘሕልፉሉን ግዜ፡ እስራኤል ኣብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ወሽመጥ ቓዛን እትገብሮም ዘይሕጋዊ ሰፈራታት እናሰፍሑ ይመጽኡ ነይሮም።

ነቲ ሓደጋ መኪና ምላሽ ንምሃብ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ቓዛ ናዕቢ ተላዒሉ፤ ብዙሕ እንከይጸንሐ ኣብ መላእ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ወሽመጥ ቓዛን ተስፋሕፊሑ።

ፍልስጤማውያን መንእሰያት ምስ ወተሃደራት እስራኤል ብእምንን ነዳዲ ቦምባን ገጢሞም።

ፍልስጤማውያን ናዕበኛታት ብ21 ታሕሳስ 1987፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት እስራኤል እምኒ እናደርበዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፍልስጤማውያን ናዕበኛታት ብ21 ታሕሳስ 1987፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት እስራኤል እምኒ እናደርበዩ

ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም ጠያይት ብምትኳሶም ካብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ካብ ኣህጉራዊ ትካላት ነቐፌታ ኣስዒቡ።

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዝነበረ ብዝተፈላለየ መጠን ዝግለጽ ዓመጽ፡ ክሳብ 1993 ቀጺሉ።

እቲ ናዕቢ፡ ንእስራኤልን ኣብቲ እዋን ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ስደት ዝነበረ ያሲር ዓራፋት ዝመርሖ ውድብ ሓርነት ፍልስጤምን (PLO) ሓዊሱ ንብዙሓት ዘገረመ ኰነ።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ውጽኢት ቀዳማይ ኢንቲፋዳ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ብእስራኤል ዝተጐብጠ ከባቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ዘጋጠሞም ጸገም፡ ብፍላይ ድማ እስራኤላውያን ነቲ ናዕቢ ንምዕፋን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ተሪር ስጕምቲታት ኣቓልቦ ዓለም ክረክብ ምግባሩ እዩ።

ኣብቲ እዋን ዝተቐልቀለት፣ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዝነበረ ይስሓቅ ራቢን ዝጥቀመላ ዝነበረት ሓረግ ኣዝያ ተዘራርብ ነይራ። ንሱ፡ “ኣዕጽምቲ (ሰልፈኛታት) ክስበር” ጸዊዑ።

ፖሊስ እስራኤል፡ ብ22 ጥሪ 1988 ኣብ ጎደናታት እየሩሳሌም ድሕሪ ጸሎት ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ፍእስጤም መንብዒ ትኪ ተኲሶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ እስራኤል፡ ብ22 ጥሪ 1988 ኣብ ጐደናታት እየሩሳሌም ድሕሪ ስግዳን ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ፍልስጤም መንብዒ ትኪ ተኲሶም

ራቢን፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ጥይት ምትኳስ እስራኤል ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ከጸልሞ’ዩ ዝብል እምነት ነይርዎ።

እዚ፡ ናብ ፍልስጤማውያን ምትኳስ ድንጋጸ ክረኽቡ ክሕግዞም’ዩ ካብ ዝብል ዝነቐለ እዩ።

ኢንቲፋዳ ሱር እናሰደደ ምስ ከደ፡ ፍልስጤማውያን ኣእማንን ብኢድ ዝተሰርሑ ተቐጻጸልቲ ነገራትን (ሞሎቶቭ ኮክቴል) ካብ ምድርባይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት እስራኤል ብሽጉጥ፡ ቦምባ ኢድን ነታጒን ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ናብ ምፍጻም ሰጊሮም።

ፍልስጤማውያን ኣብ ቀዳማይ ኢንቲፋዳ ልዕሊ 100 እስራኤላውያን ከም ዝቐተሉ፤ ሓይልታት እስራኤል ድማ ብውሕዱ 1000 ፍልስጤማውያን ከም ዝቐተሉ ይግመት።

እዚ ኢንቲፋዳ ብ13 መስከረም 1993 ተዛዚሙ፤ እስራኤልን ፒ.ኤል.ኦን ስምምዓት ኦስሎ ብምፍራም ሰላማዊ ዝርርባት ክጅመር እዩ ተባህለ።

እስራኤል ንፒኤልኦ ከም ወኪል ፍልስጤማውያን ተቐቢላቶ፤ ፒኤልኦ ድማ ዕጥቃዊ ተቓውሞታት ከይካየዱ ከልኪሉ።

ያሲር ዓራፋት (የማን) ምስ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እስራኤል ሺሞን ፔሬስ ስምምዕ ኦስሎ ምስ ፈረመ፤ ኣብቲ እዋን ፕሬዝደንት ኣመሪካ ቢል ክሊንተን ተረኺቡ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ያሲር ዓራፋት (የማን) ምስ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እስራኤል ሺሞን ፐሬዝ ስምምዕ ኦስሎ ምስ ፈረመ፤ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ቢል ክሊንተን ተረኺቡ ነይሩ

ካልኣይ ኢንቲፋዳ፡ መስከረም 2000 ክሳብ ለካቲት 2005

እቲ ካልኣይ ኢንቲፋዳ ድማ ኣል-ኣቕሳ ኢንቲፋዳ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።

መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ኣብ እስልምና ሳልሳይ ቅዱስ ቦታ ኰይኑ፡ መበገሲ እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ዓመጽ እዩ ነይሩ።

መራሕቲ ፍልስጤም እቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ ዓመጽ፡ ህዝባዊ ናዕቢ እምበር ከምቲ እስራኤል እትምጉቶ ብበዓል መዚ ፍልስጤም ዝተወደበ ተግባራት ዓመጽ ከም ዘይኰነ ንምምልኻት፡ ስም ናይቲ መስጊድ ተጠቒሞም።

ብ28 መስከረም 2000፡ እቲ ሽዑ ብወተሃደራትን ፖሊስን እስራኤል ብጽኑዕ ዝሕሎ ዝነበረ ተቓዋሚ መራሒ እስራኤል ኣሪያል ሻሮን፡ ናብ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ በጺሑ።

ሽዑ፡ ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝነበረ ሻሮን ካብ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ክወጽእ እንከሎ ብሓለውቲ ተኸቢቡ ነይሩ።

ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ተቓውሞ ሸውዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ድማ ቈሲሎም።

እቲ ውሑዳት ኣማኢት ፍልስጤማውያን ሰልፈኛታት ናብ ሓለውቲ ሻሮን ጫማን ኣእማንን ብምድርባይ ዝጀመርዎ ተቓውሞ፡ ኣብ መላእ ግዝኣታት ፍልስጤም ሰልፍታት ክለዓሉ ገይሩ።

ኣብ ቓዛ፡ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ተጣቢቑ ዝነበረ ፍልስጤማዊ ወዲ 12 ዓመት መሓመድ ኣል ዱራ ብጥይት ዝተቐትለሉ ኵነታት ዘርኢ ምስሊ ምስ ወጽአ ድማ ካልኣይ ናዕቢ ፍልስጤም ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ።

ብመስከረም 2000 ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤምን ጐንጺ ምስ ተላዕለ፡ ጀማል ኣል-ዱራ ንወዲ መሓመድ ክሓብኦ ይፍትን ነይሩ። ኣብቲ እዋን ብዝተገብረ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ግን እቲ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, France 2 / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብመስከረም 2000 ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤምን ጐንጺ ምስ ተላዕለ፡ ጀማል ኣል-ዱራ ንወዲ መሓመድ ክሓብኦ ይፍትን ነይሩ። ኣብቲ እዋን ብዝተገብረ ምልውዋጥ ተዅሲ ግን እቲ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ ሞይቱ

ብ2000 ዓ.ም፡ ወተሃደራት እስራኤል ነቲ ህጻን ብጥይት ብምቕታሎም ዝገልጽ ጸብጻብ ተሌቪዥን ፈረንሳ መሰረት ዘይብሉ ክብል መርመራ እስራኤል ነጺጉ።

ኣብ መንጐ እቲ ኣብ 80ታትን 2000ን ዝተኻየዱ ናዕቢታት ዘሎ ፍልልይ፡ ደረጃ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝነበረ ረጽምን ዓመጽን እዩ።

ካልኣይ ኢንቲፋዳ ካብቲ ቀዳማይ ብዝተፈለየ ዝያዳ ዓመጽ ዝመልኦ እዩ ነይሩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ መስከረም 2000 ካልኣይ ኢንቲፋዳ ካብ ዝጅምር ክሳብ መወዳእታ 2007 ልዕሊ 5,800 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።

ኣብ እዋን ኢንቲፋዳ፡ ኣሃዛት ብዝሒ ዝተቐትሉ ሰባት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም ተንተንቲ ግን ካብ እስራኤላውያን ንላዕሊ ፍልስጤማውያን ከም ዝሞቱ ይኣምኑ።

ፍልስጤማውያን ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ኣገባባት መጥቃዕቲ ምትኳስ ሮኬት ከምኡ’ውን ኣብ ህንጻታትን ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡሳትን ነብሰ ቅትለታዊ ቦምባታት ምፍንጃር ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ገለ እዋናት ኣብ ልዕሊ እስራኤል እትህቦም ምላሻት ኣህጉራዊ ነቐፌታታት ይቐርቡ'ኳ እንተነበረ፡ እስራኤላውያን ግን ንዝተወደበ ዕጥቃዊ መጥቃዕቲ ምላሽ ይህቡ ከም ዘለዉ ይምጕቱ ነይሮም።