እስራኤል : ‘ሓማስ ናይ ምጥፋእ’ ዕላማኣ ብሓቂ ይሳኻዕ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ዕላማ እቲ ሃገሩ ኣብ ቓዛ ትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝምልከት እንክገልጽ፡ ሓማስ ንምጥፋእ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ’ዩ።
እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ውግእ፡ ኣስታት 30 ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ኣለው።
እስራኤል ግን፡ ርኡይ ምዕባለ ከም ዘመዝገበትን ናብ “ፍጹም ዓወት” ክትደፍእ ከም ዘለዋን ትገልጽ።
ሓማስ ግን ልዕሊ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ውዳበ ዘለዎ - ፖለቲካዊ፡ ስነ-ሓሳባውን ማሕበራውን ምንቅስቓስ'ውን እዩ።
ስለዚ፡ ንሓማስ ሙሉእ ንሙሉእ ንምጥፋእ ዝብል መደብ እስራኤል ክውንነታዊ ድዩ? ይክኣል ደኸ’ዩ?
ኣብ ባይታ እንታይ’ዩ ዝፍጸም ዘሎ?
እስራኤል ኣብ ቓዛ ካብ ዝርከባ 24 ቦጦሎኒታት ሓማስ እተን 18 ከም ዘዕነወትን፡ “ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ፡ ምፍራስ ወተሃደራዊ ቅርጺ ሓማስ ከም ዝዛዘመትን” ትገልጽ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣስታት 30 ሽሕ ተዋጋእቲ ከም ዝነበሩዎ፤ በዚ መጥቃዕቲ ድማ ኣስታት 1200 ሰባት ከም ዝቐተሉን ኣስታት 250 ድማ ጅሆ ከም ዝሓዙን ይገልጽ።
እቲ ሰራዊት ብተወሳኺ፡ 13 ሽሕ ተዋጋእቲ ሓማስ ከም ዝቐተለ ክገልጽ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታንያሁ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ሓይልታት እስራኤል “ልዕሊ 20 ሽሕ ኣሸበርቲ - ልዕሊ ፍርቂ ተዋጋኢ ሓይሊ ሓማስ - ቀቲሎም፡ ኣቑሲሎም ወይ ማሪዀም” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ቢቢሲ ነዚ ኣሃዛት ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን፤ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል’ውን ይኽተሎ ብዛዕባ ዘሎ ኣገባብ ብዝርዝር ንክገልጽ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
እቲ ካብ እስራኤልን ቓዛን ዝመጽእ ቁጽሪ ንሓድሕዱ ዘይሳነ ኰይኑ፡ ኣሃዛት ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ካብቶም ኣብ ቓዛ ዝሞቱ ኣስታት 9 ሽሕ ጥራይ’ዮም ሲቪላት ዝርከቡዎም ኣባጽሕ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ይሕብር።
ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ፡ ነቲ ብሸነኽ እስራኤል ዝቐርብ መግለጺታት ብምንጻግ፤ ወተሃደራዊ ክንፊ እቲ ጉጅለ ኣብ “ኩሉ ከባቢታት” ቓዛ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ እስራኤላዊት ጋዜጣ ሃሬትዝ ሓማስ ንገለ ቦጦሎኒታት ናብ ንቡር ምምላስ ጀሚሩ ከም ዘሎ ጸብጺባ።
ሓማስ “ኣዝዩ ብቐሊሉ ሓደስቲ ተቓለስቲ ክምልምል ይኽእል'ዩ” ይብል ኣሰናዳኢ ማዕከን ሓበሬታ ማእከላይ ምብራቕ ጄንስ ዲፈንስ ዊክሊ ዝዀነ ጀርሚ ቢኒ።
ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ትካል ጸረ-ሽበራ ዩኒቨርሲቲ ራይክማን እትሰርሕ ጡረተኛ እስራኤላዊት ኮሎኔል ሚሪ ኣይሲን፡ ሓይልታት እስራኤል “ኣዘዝቲ ቀቲሎም፤ መኽዘን ኣጽዋር" ድማ ረኺቦም’ዮም” ብምባል ንጋለሪያታት ሓማስ ብምጥቃስ “ነቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ትሕተ-ምድራዊ ስርዓት ራዕዲ ድማ የፍርሱዎ” ከም ዘለዉ ትዛረብ።
እቲ ኣብ ጋለሪያታት ዘሎ ስርዓት ግን “ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገመተ ኣዝዩ ዝዓበየ” ምዃኑ ብምግላጽ እስራኤላውያን ድማ ነዚ ንምዕናው “ነዊሕ ክኸዱ ከም ዘለዎም” ገሊጻ።
እንተዀነ፡ እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብኡ ክእሰሩ ይኽእሉ’ዮም ብዝብል ስግኣት ነዚ ከም ዘተዓናቐፎ ሓቢራ።
ብተወሳኺ እስራኤል ኣብ ሰሜን ቓዛ እስራኤል ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ “ግድን ምሉእ ንምሉእ ናይ ምእላይ ዘይኰነስ፡ ክፉት መስርሕ ቀጻሊ ምዕፋን” ዝመስል ጦብላሕታ ከም ዝፈጥር ትገልጽ።
እስራኤል፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ክስታት ምጽናት ዓሌት እንተቐረበላ፡ እስራኤል ግን ነዚ “ዝንቡዕ” ክሲ ብምባል እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ክቕጽልን ነተን ዝተረፋ ቦጦሎኒታት ሓማስ ክትምክተንን ኣለዋ ክብል ኔታንያሁ ተዛሪቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቲ ስነ-ሓሳብ ከተወግዶ ትኽእል ዲኻ?
መብዛሕትአን ሃገራት ምዕራብ፡ ሓማስ ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ እየን ዝርእይኦ።
ብዙሓት፡ መራሕቲ ሓማስ ንዕንወት እስራኤል ይጽውዑ’ዮም ክብሉ እንከለው፡ ኣብ ገለ ክፋል ዓረብ ዓለም ግን ምንቅስቓስ ተቓውሞ’ዩ ይብሉ።
ሓማስ፡ ኣብ 2006 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ድሕሪ ምዕዋቱን ንመነሓንሕቱ ፋታሕ ብዓመጽ ድሕሪ ምውጽኡን፡ ካብ 2007 ጀሚሩ ንወሽመጥ ቓዛ ከመሓድር ጸኒሑ ኣሎ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ወሽመጥ ቓዛ ብእስራኤልን ብውሑድ ደረጃ ብግብጽን ኣብ ክባ ጸኒሑ ኣሎ፤ እዚ ንድሕነት ብዝብል ከም ዝዀነ ክልቲአን ሃገራት ይገልጻ።
ጉጅለታት ፍልስጤም ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ካብ ቓዛ ናብ እስራኤል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሮኬታት ተኲሶም - ሓሓሊፉ ድማ ኣብቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ወይ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ምስ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ጐንጺ ክኣትው ተራእዮም።
“ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ጥራይ ኣይኰነን፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ጥራይ'ውን ኣይኰነን - ስነ-ሓሳብ'ዩ" ይብል ኣብ ካውንስል ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳ ላዕለዋይ ክኢላ ማእከላይ ምብራቕን ዝዀነ ሂዩ ሎቫት።
“እቲ ስነ-ሓሳብ ካብ ስሩ ተማሕዩ ክጠፍእ ኣይክእልን፤ ብርግጽ ብሓይሊ ኣጽዋር እስራኤል ኣይኸውንን” ኢሉ።
“በዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት፡ ፍልስጤማውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ንምፍጻም ፖለቲካዊ ኣድማስ ከም ዘየለ” ከም ዝስምዖም ብምግላጽ ብፍላይ ሕጂ እቲ ጉጅለ ኣንጻር እስራኤል ዕጥቃዊ ተቓውሞ ክድግፍ ከም ዝገብሮ የረድእ።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዓረብ ኣሜሪካ መምህር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዝዀነ ዶክተር ኣምጃድ ኣቡ ኤል ኢዝ፡ ብዙሓት ፍልስጤማውያን “መጻኢ ስለ ዘይርኣዮም’ዮም” ንሓማስ ዝድግፉ ይብል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁ ኣብ ዝበዝሕ ናይ ፖለቲካ ህይወቱ ምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ክቃወም ጸኒሑ እዩ።
ናይዚ ምኽንያት ስክፍታታት ጸጥታ ከም ዝዀኑ ከምኡ’ውን ሓማስ ንእስራኤል ኣፍልጦ ዘይምሃቡ ይጠቅስ።
እንተዀነ፡ ብዙሓት ኣብቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ሊኩድን ኣብ መሓውር መንግስቲ ዘለዉ ሕሉፍ የማናውያን መሻርኽቱን፡ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ወሽመጥ ቓዛን ንእስራኤል’ዩ ዝግብኣ ዝብል ኣረኣእያ’ዩ ዘለዎም።
መንግስቲ እስራኤል፡ ብዝሒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከቡ ሰፈራታት ዘጽደቘ ህንጸት ኣባይቲ ክብረወሰን ዝሓዘ ምንባሩ እስራኤላዊ ተሓላቒ መሰላት ‘ፒስ ናው’ ሓቢሩ።
ኣብ 2023 ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብውሕዱ 507 ፍልስጤማውያን ብውሕዱ 81 ህጻናት ዝርከብዎም ሰፋሮ እስራኤልን ብሓይልታት እስራኤልን ከም ዝተቐትሉን ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ይገልጽ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣብቲ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፍልስጤማውያን ሞት 36 እስራኤላውያን ሰኒዱ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብፋታሕ ዝዕብለልን ንገለ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዘመሓድርን በዓል መዚ ፍልስጤም ዝንጸባረቕ ዘይዕግበት ኣሎ።
ብዙሓት ፍልስጤማውያን እቲ ምምሕዳር ብልሽውን ድኹምን ገይሮም’ዮም ዝርእዩዎ።
ቅድሚ 7 ጥቅምቲ ኣብ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ዕጽዋ ዝነብሩ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን “ኣብ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ” ከም ዘለዉ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ዝትገልጽ ዶክተር ኣቡ ኤል ኢዝ፡ እቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝነበሩ ድማ ብመጥቃዕቲ ኣይሁዳውያን ሰፋሮ፣ ምጉባጥ መሬትን ሕጽረት ስራሕን ከም ዝተቖጥዑ ይዛረብ።
መብዛሕትኡ ክፋል ሕብረተሰብ ፍልስጤም መንእሰይ ከም ዝዀነን መስርሕ ሰላም ኣብ ዘይብሉ እዋን ድማ ካልኦት ውድባት “ንመንእሰያት ፍልስጤም ክህቡዎም ዝኽእሉ ነገር ከም ዘይብሎምን” ሓቢሩ።
“ጐበጣ ክሳብ ዝሃለወ፣ ግፍዒ ክሳብ ዝቐጸለ፣ ቅትለት ክሳብ ዝሃለወ፡ ብርግጽ ብዙሕ ሰብ ነቲ ሓማስ ዝብሎ ክስዕቦ’ዩ፤ ምኽንያቱ ተስፋ ስለ ዝደልዩ” ይብል።
ሓማስ ሓድሽ ድጋፍ ይረክብ ኣሎ ድዩ?
ድሕሪ እቲ 7 ጥቅምቲ ዘጋጥሙ ዘለው ክስተታት፡ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ’ኳ እንተሃለው፡ ኣብ መወዳእታ 2023 ዝተገብረ ዳህሳስ ፍልስጤማውያን ንሓማስ ዝገብሩዎ ደገፍ ከም ዝወሰኸ ይሕብር።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ካብ ዝነበረ ደገፍ ሓማስ 12% ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ 42% ሓፍ ከም ዝበለ የመልክት።
ነቲ ዳህሳስ ዘካየደ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝመደበሩ ማእከል ምርምር ፖሊሲን ዳህሳስን ፍልስጤም ዶክተር ካሊል ሺካኪ፡ ንሓማስ ዝግበር ደገፍ ብተለምዶ ኣብ እዋን ውግእ ከም ዝውስኽን፡ እዚ ወሰኽ ግን “ሃንደበታዊ” ምንባሩን ይዛረብ።
እቲ ዳህሳስ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሞንጐ ሓማስን እስራኤልን ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦክካየድ እንከሎ፡ ፍልስጤማውያን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ከም ዝወጽኡ ሓቢሩ።
እዚ ድማ ፡ ገለ ሰባት ዕላማታት ፍልስጤም ኣብ ምዕዋት "ኣዝዩ ውጽኢታዊ” ምዃኑ ክርእዩ ከም ዝገበሮም ይዛረብ።
እቲ ብሰፈርቲ ዝፍጸም መጥቃዕትን በዓል መዚ ፍልስጤም ነቲ ኲናት ዝሃቦ ምላሽ ዝፈጠሮ ዘይዕግበትን፡ ሓማስ ዝረኽቦ ደገፍ ክውስኽ ከም ዝደረኸ ዶክተር ሺካኪ ወሲኹ የረድእ።
ኣብ ቓዘዛ ግንእተፈለየ ምስሊ ኣሎ፤ ኣብዚ ፍልስጤማውያን ንሓማስ ዘርኣዩዎ ደገፍ ንእሽቶ ወሰኽ’ዩ ኣርእዩ፤ ካብ 38% ናብ 42%።
ኣብ ቓዛ ውሑዳት ሰባት ሓማስ ነቲ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ቅኑዕ’ዩ ክብሉ እንከለው፡ 57% ሰባት እዮም ደጊፎምዎ፤ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ግን 82% ደገፍ ከም ዝገበረን ተገሊጹ።
“እቶም ብውሳነታት ሓማስ ስዒቡ በዚ ኲናት ዝሳቐዩ ዘለው ንሓማስ ኣዝዮም ይነቕፉ ነይሮም” ይብል ዶክተር ሺካኪ።
ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ካብ ቓዛ ዝጽብጽቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዘሎ ዘይዕግበትን ሕርቃንን እናዓበየ ዝኸይድ ምልክታት ኣስተብሂሎም’ዮም።
ገለ ዘዘራረብዎም ነበርቲ’ውን፡ ሞት ዝፈትውዎም ሰባት፡ ምዕናው ኣባይትን ጥምየትን ምኽንያት ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዘለዎም ቁጥዐ ምዃኖም ጠቒሶም።
መብዛሕትኡ ግዜ ቓዛውያን ንሓማስ ብወግዒ ንምንቃፍ ስክፍታ ከም ዘለዎም እውን ይሕብሩ።
ሓድሽ ወለዶ ተዋጋእቲ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕጂ፡ ኣብ ቓዛ ብዙሓት መንእሰያት “ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣንጻር እቲ ጎበጣን ጽልኢ” ሓዲሩዎም’ዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ዶክተር ኣቡ ኤል ኢዝ ገሊጹ።
“ቀጻሊ ወለዶታት ሕነ ንምፍዳይ ናብዞም ወተሃደራዊ ጉጅለታት ክጽንበሩ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ፤ ምኽንያቱ ስድራቤት ስኢኖም፡ ደቈም ስኢኖም፡ ኣዴታቶምን ኣሕዋቶምን ስኢኖም’ዮም” ይብል።
ኮሎኔል ኣይሲን ግን፡ ሓማስ ዝያዳ ደገፍ ከይረክብ ዝብል ስክፍታታት ነቲ ወተሃደራዊ ዕላማታት ከጉድሎ የብሉን ኢላ።
ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ” መጥቃዕቲ ብምጥቃስ፡ ድሮ ጥሩፋት ኰይኖም ኣለው ብምባል፡ “በዚ መንጽር ምላሽ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ነቲ ዓቕምታት ንምውጋድ ምፍታን እዩ። እቲ ስነ-ሓሳብ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ዝኸፍእ ኣይገብሮን'ዩ” ኢላ።
ይኹን’ምበር፡ ዶክተር ሺካኪ፡ “ሰላም ዘሰነዮ እንተዀይኑ፡ ዓቢ ኲናት መንእሰያት ናይ ግድን ብረት ከልዕሉ ኣይገብሮምን” ይብል።
ድሕሪኡ እንታይ’ዩ ክኸውን?
ኔታንያሁ፡ ድሕሪ ኲናት ዝህሉ ውጥን ዝምልከት ተዛሪቡ’ዩ።
በዚ መሰረት፡ እስራኤል ንዘይተወሰነ እዋን ጸጥታዊ ኩነታት ቓዛ ክትቆጻጸር ምዃና፡ ምስ ንእስራኤል ዝጻብኡ ጉጅለታት ርክብ ዘይብሎም ፍልስጤማውያን ድማ ነቲ ግዝኣት ከመሓድሩዎ ክትገብር ምዃና ኣአንፊቱ።
ኮሎኔል ኣይሲን ግን፡ ንሓማስ ዝያዳ ደገፍ ምፍጣር ዝብል ስክፍታታት ካብ ወተሃደራዊ ዕላማታት ከጉድል የብሉን ይብል።
ኮሎኔል ኣይሲን፡ ሓማስ “ወትሩ ገለ ነገር ከርኢ'ዩ”ከ እስራኤል ግን "እቲ ዝበዝሐ ስግኣት” ከተወግዶ እያ ኢላ ትኣምን።
“ብሓቂ ሓማስ ክግለልን ከዳኽምን እንተተደልዩ፡ እቲ እንኰ መንገዲ ተግባራዊ ዝኸውን ፖለቲካዊ መስመር ምፍጣር'ዩ” ይብል ሎቫት።
ተስፋ፡ እቲ ክልተ ሃገራት ምቕባል ናብ ዝብል ፍታሕ ዝወስድ መገዲ ግን ሕጂ’ውን ንጹር ኣይኰነን።
ኔታንያሁ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኤክስ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “እስራኤል ኣብ ልዕሊ ምሉእ ከባቢ ምዕራብ ዮርዳኖስ ዘለዋ ምሉእ ጸጥታዊ ምቁጽጻር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘይኣቱ” ክገልጽ እንከሎ እዚ ድማ ምስ ምፍጣር ሃገረ ፍልስጤም ዝጻረር'ዩ ኢሉ።
እዚ ምስቲ ቀንዲ መሓዛ እስራኤል ዝዀነት ኣሜሪካ ተቕርቦ ዘላ መፍትሒ ሓሳብ ዝጋጮ ኰይኑ፡ ነባሪ ፍታሕ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን “ናብ ፍልስጤማዊት ሃገር ዝወስድ መገዲ ዘጠቓለለ ዞባዊ ኣገባብ ጥራይ እዩ ክመጽእ ዝኽእል” ትብል።
ምምሕዳር ባይደን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ንዘይተወሰነ ግዜ መግዛእቲ ክትቅጽል ከም ዘይብላ ኣስሚሩሉ’ዩ።
ቢኒ ብወገኑ፡ “በቃ እስራኤላውያን ዝዕወትሉ መዓልቲ ኣይርኣየንን። ንሓማስ ብሰፊሑ ከሕስሩዎም ይኽእሉ እዮም፤ እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ድሕሪኡ ሓማስ ዳግማይ ከየንሳዕርር ብኸመይ ትከላኸሎ?” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







