በዓልቲ ቤት መራሒ ዳዕሽ ዝነበረ ኣቡ ባከር ኣል-ባቕዳዲ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቶም እንታይ ኢላ?

ኡም ሁዳይፋ፡ እቲ ቃለ መጠይቕ ክሳብ ዝዛዘም ርእሳ ኣየቕንዓትን
መግለጺ ስእሊ, ኡም ሁዳይፋ፡ እቲ ቃለ መጠይቕ ክሳብ ዝዛዘም ርእሳ ኣየቕንዓትን

ኡም ሁዳይፋ፡ ቀዳመይቲ ሰበይቲ መራሒ እስላማዊ ጉጅለ ዝነበረ ኣቡ ባከር ኣል-ባቕዳዲ እያ።

ንሳ፡ ንኣል-ባቕዳዲ ክትምርዓዎ እንከላ፡ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ሶርያን ዒራቕን ጭካነ ዝመልኦ ምስፍሕፋሕ እቲ ጉጅለ ይመርሕ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ግብረሽበራ ብዝተሓሓዙ ገበናት መርመራ ይግበረላ ኣሎ።

ብ2014፡ ኣብ ሶርያ ቀንዲ ግዝኣት ዳዕሽ ኣብ ዝነበረሉ ራቓ ዝተባህለ ከባቢ ምስ ሰብኣያ ትነብር ነይራ።

እቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝድለ ዝነበረ መራሒ ሕሉፍ-ጅሃዳዊ ጉጅለ ዝነበረ ኣቡ ባከር ኣል-ባቕዳዲ፡ ዝበዝሕ ግዚኡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ከሕልፎ እንከሎ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብሓለውቲ ኣቢሉ ንክልተ ደቁ ወሲዱዎም።

“ምሕንባስ ክመሃሩ ይወስዶም ከም ዘሎ ነጊሩኒ” ትብል።

ኣብ ገዝኣ፡ ብሕቡእ እትርእዮ ቴሌቪዥን ነይሩ። “ንሱ፡ ኣብ ገዛ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን እየ ዝኸፍቶ ነይረ” ብምባል ኣል-ባቕዳዲ እታ ቴሌቪዥን ኣይትሰርሕን ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ትዛረብ።

ካብ 2007 ዓ.ም (ኣ.ኤ) ኣትሒዙ፡ ቴሌቪዥን ክትርኢ ኰነ ከም ሞባይል ዝበሉ ካልኦት ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ከይትጥቀም ከም ዝኸልከላን ካብ ዓለም ክትርሕቕ ከም ዝገበራን ገሊጻ።

እቲ ሓላዊ ነቶም ቈልዑ ምስ ወሰዶም፡ ቴሌቪዥን ከፊታ ክትርኢ ምስ ጀመረት ናጤባ ኰይኑዋ።

ሰብኣያ፡ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ዓብዪ መስጂድ ኣል-ኑሪ መልእኽቲ ከሕልፍ ርእያቶ።

ሽዑ፡ መራሒ እስላማዊ ኻሊፌት ከም ዝዀነ ዝኣወጀሉን ንፈለማ እዋን ዝተርኣየሉን ህሞት ነበረ።

ኣብቲ ግዜ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ንሱ ዝመርሖም ዕጡቓት ነቲ ከባቢ ተቘጻጺረምዎ ነይሮም።

ንብዙሕ ዓመታት ንነብሱ ሓቢኡ ዝጸንሐ ኣል-ባቕዳዲ፡ ጭሕሙ ኣንዊሑ፣ ጸሊም ጀለቢያ ተኸዲኑ፣ ደገፍ እስላም ዝሓተሉ መልእኽቲ ንዓለም ሙሉእ ዘርጊሑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ድማ ነቲ ካብ ዒራቕን ሶርያን ዝድፋእ ዝነበረ ኣይኤስ ዓብዪ ዓወት ነበረ።

ኡም ሁዳይፋ፡ ኣብ ሩባ ኢፍራጠስ ምሕንባስ ክመሃሩ ተባሂሎም ዝተወስዱ ክልቲኦም ደቃ ኣብ ሞሱል ክትርእዮም እንከላ ከም ዝሰንበት ትዛረብ።

ንሳ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ኣዝዩ ዝተጨናነቐ ቤት ማእሰርቲ እያ ትርከብ።

ሰብ መዚ ዒራቕ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ጉጅለ ዳዕሽ ዝነበራ ተራን ምስቲ ጉጅለ ዝፈጸሞም ገበናት ዘለዋ ርክብን ይምርምሩ ኣለው።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝርከብ ቤተ ንባብ ኰይኖም ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ኣዘራሪቦምዋ።

ኡም፡ ካብ ቀይዲ ሰብኣያ ክትሃድም እትፍትን ዝነበረት ግዳይ ከም ዝዀነት ብምግላጽ፡ ምስ ዘስካሕክሑ ተግባራት እቲ ጉጅለ ዝዀነ ዓይነት ዝምድና ከም ዘይብላን ትዛረብ።

ብኣባላት ዳዕሽ ዝተጨወዩን ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሖን ኣባላት ማሕበረሰብ ያዚዲ ግን፡ ንጾታዊ ባርነት ኣብ ዝተጨውያ ደቂ ኣንስትዮ ተሓባባሪት ነይራ ክብሉ ይኸሱዋ።

ኣብ እዋን እቲ ቃለ መጠይቕ፡ ርእሳ ምስ ኣድነነት ዋላ ሓደ ግዜ ቅንዕ ኣይበለትን።

ኡም ሁዳይፋ፡ ብ1976 ዓ.ም ካብ ኣዝዮም 'ሕሉፋት' ዝዀኑ ስድራቤት ተወሊዳ።

ብ1999 ድማ፡ ነቲ ኣቡ ባከር ኣል-ባቕዳድ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ኣዋድ ኣል-ባድር ተመርዒያ።

ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባቕዳድ እስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ከም ዝተማህረን፡ ኣብቲ ግዜ “ሃይማኖታዊ እምበር ሕሉፍ ከም ዘይነበረ . . . ሕሉፍ ግን ድማ ንኹሉ ክፉት ኣእምሮ ዘለዎ እዩ ነይሩ" ትብል።

ብ2004 - ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ድሕሪ ዝፈጸመቶ ወራር ድሕሪ ሓደ ዓመት- ወተሃደራት ኣመሪካ ንኣል-ባቕዳዲ ድሓር ላዕለዎት ሓለፍቲ ዳዕሽን ካልኦት ጅሃዳውያን ጉጅለታት ምስ ዝዀኑ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ንሓደ ዓመት ኣብ ደቡብ ዒራቕ ኣሲሮምዎ።

ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ግን ተቐይሩ ትብል።

“ሓራቕ ኰይኑ”።

ካልኦት ዝፈልጡዎ ሰባት፡ ቅድሚ ማእሰርቱ ምስ ኣል-ቃዒዳ ርክብ ነይሩዎ ይብሉ።

“ብስነ-ልቦናዊ ጸገማት ክሳቐ ጀሚሩ” እትብል ኡም ሁዳይፋ፡ "እንታይ ኰይንኻ?" ኢላ ክትሓቶ እንከላ “ ‘ክርድኣኪ ንዘይኽእል’ ነገር ተቓሊዐ’የ” ይብላ ከም ዝነበረ ትዛረብ።

ኣግሂዱ እንተዘይተዛረቦ’ውን “ተኣሲሩ እንከሎ ጾታዊ ዓመፃት ይፍፀሞ ነይሩ’ዩ” ኢላ ትኣምን።

ኣል ባቕዳዲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2014 ኣብ ሞሱል ዓብዪ መስጂድ ኣል-ኑሪ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣል ባቕዳዲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2014 ኣብ ሞሱል ዓብዪ መስጂድ ኣል-ኑሪ

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ዒራቕ ኣቡ ግህራይብ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ፡ እሱራት ጾታዊን ንነብስኻ ዘሕስሩን ተግባራት ከርእዩ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ዘርእዩ ምስሊታት ወጺኦም ነይሮም።

ክሲ ኡም ሁዳይፋ፡ ዝምልከት ንቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን እኳ እንተኣቕረብናዮ መልሲ ግን ኣይረኸብናን።

ሰብኣያ፡ ምስ ዝዀነ ዕጡቕ ጉጅለ ርክብ ኣለዎ ድዩ የብሉን ዝብል ክትፈልጥ ጻዕሪ ከም ዝገበረት ትዛረብ።

“ናብ ገዛ ክመጽእ እንከሎ፡ ነብሱ ክሕጸብ እንከሎ ወይ ምስ ደቀሰ ክዳውንቱ ይፍትሾም ነይረ። ሰብነቱ በሰላ ወይ መውጋእቲ እንተሃለዎ ኢለ ይፍትሾ . . . ይድንጽወኒ ስለ ዝነበረ። ግን ድማ ዋላ ሓደ ነገር ኣይረኸብኩን” ትብል።

ኡም ሁዳይፋ ምስ ኣል-ባቕዳዲ ኣብ ዝነበራ ህይወት፡ ብተደጋጋሚ ገዛ ይቕይሩ ከም ዝነበሩ፡ ሕቡእ መንነት ከም ዝነበሮም ካልአይቲ ሰበይቲ ከም ዝተመርዓወን ገሊጻ።

ድሕሪኡ ፍትሕ ሓቲታ፤ እንተዀነ 'ቈልዑ ክወስዶም እየ' ስለ ዝበላ ክትጸንሕ ከም ዝተገደደት ሓቢራ።

ካብ 2006 ክሳብ 2008 ዒራቕ ናብ ደማዊ ኲናት ምስ ኣተወት፡ ምስ ጅሃዳዊ ጉጅለታት ሱኒ ከም ዝተጸንበረ ኣይጠራጠርን ትብል።

ኣብ 2010 ድማ፡ መራሒ እስላማዊ ጉጅለ ዒራቕ ኰይኑ ፤ እዚ ብ2006 ዝተመስረተ ኣካል እቶም ጅሃዳዊ ጉጅለታት ዒራቕ’ዩ።

“ኣብ ወርሒ ጥሪ 2012፡ ናብ ገጠር ሶርያ ኢድሊብ ከይድና፤ ሽዑ ኤሚር (መራሒ) ከም ዝዀነ ብግልጺ ተረዲኡኒ”።

እስላማዊ ጉጅለ ዒራቕ፡ ብሕጊ ሸሪዓ እትመሓደር እስላማዊት ሃገር ንምፍጣር ናብ ኣዝዩ ሰፊሕ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ካብ መንጐ ዝተጸንበሩ ጉጅለታት ሓደ’ዩ።

ኣብቲ ግዜ፡ ዓለባ ኣፍጋኒስታን ክኽደን፡ ጭሕሙ ከንውሕን ብረት ክዕጠቕን ከም ዝጀመረ ትዛረብ።

ሶርያ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዳ ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር ዝነበረ ኩነታት ጸጥታ እናሓመቐ ምስ ከደ፡ ናብ ከተማ ራቓ ከይዶም።

እታ ከተማ ድማ፡ ዘይእውጅቲ ርእሰ ከተማ “ኻሊፌት” ኣይኤስ ኰይና።

ሰብኣያ ብቴሌቪዥን ክትርእዮ እንከላ፡ ኡም ኣብዛ ከተማ ትነብር ነይራ።

እቲ ኣይኤስ ዝብል ጉጅለ ንምፍጣር ናብ ሓደ ዝመጽአ ሓይሊ ዝፍጽሞም ዝነበሩ ግፍዒታት ዝፍለጡ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ 2014ን 2015 ግን እቶም ግፍዒታት ኣዝዮም ዘስካሕክሑን ብብዝሒ ዝፍጸሙን ኰይኖም ተራእዮም።

ጉጅለ መርመራ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣይኤስ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ብሄር ያዚዲ ምጽናት ዓሌትን ቅትለት፡ ስቅያት፡ ጭውያን ጊላነትትነ ዝርከቦም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ከም ዝፈጸመ ገሊጹ።

ኣይኤስ፡ ምሕራድ ጅሆ ዝሓዞም ሰባትን ምቅጻል ኣብራሪ ዮርዳኖስን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍጽሞም ዝነበረ ግፍዒታት ብማሕበራዊ ሚዲያ ብቐጥታ ይፍኑዎም’ዩ።

ገለ ምስ ኣይኤስ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ምንታይ ይኣትዋ ከም ዝነበራ ከም ዘይፈልጣ ይዛረባ።

ኡም ሁዳይፋ፡ ንገለ ስእሊታት ክትርኢ እኳ እንተሓተትናያ፡ “ዘሰንብድን ኢሰብኣውን” እዩ ካብ ምባል ወጻእ ክትርእዮም ፍቓደኛ ኣይኰነትን።

ኢድካ፡ “ብደም ንጹሃት ሰባት ይመራሳሕ እዩ ዘሎ” ብምባል ከም ዝሞገተቶ እትገልጽ ኡም፡ “ብመሰረት እስላማዊ ሕጊ ከም ሰባት ክጥዓሱ ይኽእሉ'ዮም” ይብሎ ነይረ ትብል።

ሰብኣያ፡ ላፕቶፕ ገይሩ ምስ ካልኦት መራሕቲ ኣይኤስ ይዘራረብ ከም ዝነበረ’ውን ጠቒሳ።

እታ ኮምፒዩተር ኣብ ቦርሳኡ ይቑልፋ ነይሩ።

“እንታይ ይገበር ከም ዘሎ ንምፍላጥ ክኸፍቶ ፈቲነ ነይረ፤ ቴክኖሎጂ ስለ ዘይፈልጥን ሚስጢራዊ መሕለፊ ይሓተኒ ስለ ዝነበረን ግን ክኸፍቶ ኣይክኣልኩን”።

ክሃድም’ውን ፈቲነ ነይረ ትብል፤ ግን ዕጡቓት ናብ ገዝኣ ክትምለስ ገይሮም።

ሰብኣያ ግን፡ “ኣብ ባእሲ ወይ ውግእ ኣይኣቱን’ዩ” ብምባል፡ ኣይኤስ ንከተማ ሞሱል ክቈጻጸራ እንከሎ ኣብ ራቓ ከም ዝነበረን ድሕሪኡ ዘረባ ከስምዕ ናብ ሞሱል ከም ዝኸደን ትዛረብ።

ብዙሕ እንከይጸንሐ፡ ጓል 12 ዓመት ጓሎም ኡማይማ መንሱር ንዝተባህለ ጉዳያት እታ ስድራ ንዝከታተል ዝነበረ መሓዝኡ ክትምርዖ ገይሩ።

ኡም፡ ነዚ ከተትርፍ እኳ እንተፈተነት ከም ዘይሰመረላ እያ ትዛረብ።

ምንጪ ድሕነት ዒራቕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኡማይማ ቅድሚኡ’ውን ጓል ሸሞንተ ዓመት እንከላ ንወሃቢ ቃል ኣይኤስ ሶርያ ዝዀነ ተመርዒያ ከም ዝነበረት ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2014፡ ኡም ሁዳይፋ ጸገም ጥዕና ልቢ ዘለዋ ናሲባ ዝተባህለት ቈልዓ ወሊዳ።

ኣብቲ ግዜ፡ መንሱር ያዚዲ፡ ዕድሚአን ካብ 9 ክሳብ 30 ዓመት ዝዀነ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ሒዙ ናብቲ ገዛ መጺኡ።

እዚአን፡ ግዳያት ጊላነት ኣይኤስ ክዀና እንከለዋ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቐቲሎም’ዮም።

ኡም ሁዳይፋ፡ በዚ ከም ዝሰንበደትን “ከም ዝሓፈረት”ን ተዛሪባ።

ካብዚአን እተን ብዕድመ ዝንኣሳ ሳማርን ዜናን (ሽመን ዝተቐየረ)፡ ኣብ ገዝኣ ንሒደት መዓልቲታት ጥራይ እየን ጸኒሐን ትብል።

እቲ ስድራቤት ናብ ሞሱል ምስ ከደ ግን ሳማር ዳግም ናብቲ ገዛ ተመሊሳ ንክልተ ወርሒ ጸኒሓ።

ኣቦ ሳማር ሓሚድ ረኺብናዮ።

ንሱ፡ ክልተ ኣንስቲ ከም ዝነበርኦን፡ ምስ 26 ደቁ፡ ክልተ ኣሕዋቱን ስድራቤቶምን ኣብ ሲንጃር ካብ እትርከብ ከተማ ካንሱር ከም ዝተጨውዩ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከቡ እምባታት ድማ ሃዲሙ ከይዱ።

ሳማር እትርከቦም ሽዱሽተ ደቁ ግን ክሳብ ሕጂ ድሃዮም ኣይፍለጥን።

ገሊኦም፡ ገንዘብ ቤዛ ተኸፊሉዎም ክፍትሑ እንከለው፡ ገሊኦም ድማ እቶም ከባቢታት ካብ ኣይኤስ ናጻ ምስ ወጽኡ ካብቲ ተታሒዞምሉ ዝነበሩ ቦታታት ወጺኦም።

እታ ዜና ዝተባህለት ካልእ ግዳይ፡ ጓል ሓው’ያ። ሕጂ’ውን ኣብ ሰሜን ሶርያ ትህሉ’ያ ተባሂሉ ይግመት።

ሓፍታ ሶኣድ፡ ንኡም ሁዳይፋ እኳ እንተዘይረኸበታ ጊላ ኰይና፡ ተዓሚጻን ሸውዓተ ግዜ ተሸይጣን እያ።

ሓሚድ፡ ጓሉን ጓል ሓውን ካብተን ናብ ገዛ ኡም ሁዳይፋ ዝተወስዳ ደቂ ኣንስትዮ ያዚዲ ከም ዝዀና ገሊጹ
መግለጺ ስእሊ, ሓሚድ፡ ጓሉን ጓል ሓውን ካብተን ናብ ገዛ ኡም ሁዳይፋ ዝተወስዳ ደቂ ኣንስትዮ ያዚዲ ከም ዝዀና ገሊጹ

ሓሚድን ሶኣድን፡ ኣብ ጭውያን ጊላነትን ደቂ ኣንስትዮ ያዚዲ ተሓባባሪት ብምዃን ዝብል ኣብ ልዕሊ ኡም ሁዳይፋ ክሲ መስሪቶም ኣለው።

ንሳ፡ 'ግዳይ ኣይኰነትን' ብምባል ብሞት ክትቕጻዕ ይጠልቡ።

“ብዅሉ ተሓታቲት’ያ፤ ትመርጽ ነይራ - እዚኣ ተገልግለኒ፡ እዚኣ ድማ ንሰብኣየይ ተገልግል ትብል ነይራ። ሓፍተይ ድማ ሓንቲ ካብኣተን እያ። በዓልቲ ቤት ገበነኛ ኣቡ ባከር ኣል-ባቕዳዲ እያ፤ ስለዚ ከምኡ ገበነኛ እያ” ትብል ሶኣድ።

ሶኣድ ዝበለቶ ንኡም ሁዳይፋ ኣስሚዕናያ።

“ሰብኣየይ ገበነኛ ከም ዝነበረ ኣይክሕድን፤ በቲ ኣብ ልዕሊአን ዝወረደ ይሓዝን” ብምባል ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐርብ ዘሎ ክሲታት ነጺጋቶ።

ኡም ሁዳይፋ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015፡ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝሞተት ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመሪካ ዝዀነት ኬይላ ሙለር ተጨውያ እንከላ ረኺባታ ከም ዝነበረት ተዛሪባ።

ኬይላ፡ ብኸመይ እያ ሞይታ ዝብል ሕጂ’ውን ግልጺ ኣይኰነን።

ኣብቲ ግዜ፡ ኣይኤስ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ዮርዳኖስ ከም ዝተቐትለት ገሊጹ ነይሩ።

ኣመሪካ ግን ነዚ ትነጽጐ፤ ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ ድማ ብኣይኤስ ከም ዝተቐትለት ንቢቢሲ ገሊጾም።

ብ2019፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣል-ባቕዳዲ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ምስ ገለ ኣባላት ስድራኡ ተሓቢእሉ ንዝነበረ ገዛ ከቢቦም።

ኣል-ባቕዳዲ ተሓቢእሉ ዝነበረ ጋሌሪያ ምስ ተኸበበ፡ ምስ ክልተ ቈልዑ ንነብሱ ቀቲሉ።

ካብተን ኣርባዕተ ኣንስቱ እተን ክልተ ድማ ተቐቲለን።

ኡም ሁዳይፋ ግን ኣብኡ ኣይነበረትን፤ ሽማ ቀይራ ኣብ ቱርኪ ትነብር ነይራ።

ብ2018 ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትያ፤ ኣብዚ ዓመት ናብ ዒራቕ ክተመሓላለፍ እንከላ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ምስ ኣይኤስ ዝነበራ ርክብ ምጽራይ ይግበረላ ኣሎ።

ሓደ ወዳ ኣብ ሶርያ ጥቓ ሆምስ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ሩስያ ክመውት እንከሎ፡ እቲ ካልእ ወዳ ምስ ኣቡኡ ኣብ ጋለሪያ ሞይቱ።

እቲ ብዕድመ ዝንኣሰ ድማ ኣብ መዕበዪ ህጻናት ኣሎ።

ጓላ ኡማይማ’ውን ምስኣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ’ያ ዘላ፤ ጓል 12 ዓመት ጓለ ፋጢማ ድማ ኣብ መዳጐኒ ማእከል መናእሰይ ትርከብ።

ኡም ሁዳይፋ፡ እቲ ቃለ መጠይቕ ምስ ተወድአ ርእሳ ኣቕኒዓ።

ሓለፍቲ ስለያ ናብቲ እትዓርፈሉ ቦታ ከፋንዩዋ እንከለው፡ ደሃይ ደቃ ትሓትት ነይራ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኰይና ግን፡ 'ብኽስታት ገበን ክፍረድ’ዶ ይኸውን? ዝብል ስግኣት ኣለዋ።