ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትሉ ደቂ መራሒ ሓማስ ኣብ ፖለቲካ ይነጥፉ ነይሮም ድዮም?

እስማዒል ሃኒያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰለስተ ደቂ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ብረቡዕ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ተቐቲሎም እዮም።

ሓዘም፡ ኣሚርን መሓመድን ዝተበሃሉ ሰለስተ ደቁ ምስ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ደቆም ምዝዛም ሮሞዳን ንምጽንባል፡ ኣብ ምዕራብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣልሻቲ ንዝርከቡ ኣዝማዶም ክበጽሑ ብመኪና እናኸዱ እንከለዉ እዮም ተቐቲሎም።

ደቂ ደቂ እስማዒል ሃኒያ ሰለስተ ኣዋልድን ሓደ ወድን ኰይኖም፡ ሞና፡ ኣማል፡ ኻልድን ራዛንን ከምዝበሃሉ ሓማስ ገሊጹ እዩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል "ኣብ ማእከላይ ምድረበዳ ቓዛ ዝርከቡ ሰለስተ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ከም ዘወገዱን" ንሳቶም እውን ኣባላት ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ዝዀኑ ደቂ ሃኒያ ምዃኖምን ገሊጹ።

እስማዒል ሃኒያ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ዝሰምዐ፡ ናብታ እቲ መራሒ ሓማስ ዝነብረላ ርእሰ ከተማ ቐጠር ደውሓ ንሕክምና ዝተወሰዱ ውጉኣት ፍልስጤማውያን ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ምዃኑ ይገልጽ።

ድሒሩ ድማ እቲ ቅትለት ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝግበር ዘተ ምቍራጽ ተዅሲ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ንዘቕርቦም ጠለባት ከምዘይጸልዎ ሓቢሩ’ዩ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 60 ኣባላት ስድራኡ ከምዝተቐትሉ’ውን ጠቒሱ።

ምንጭታት ሓማስ ከም ዝሕብርዎ፡ ሃኒያ 13 ኣወዳት ከም ዘለዎ ይግመት። ገለ ካብኣቶም ኣብ ደውሓ ዝነብሩ እዮም።

ደቂ ሃኒያ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ይሳተፉ ነይሮም ድዮም?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኵሎም ኣብ ባይታ ዘለዉ መርትዖታትን ምልክታትን ከም ዝሕብርዎ፡ ካብ ደቂ እስማዒል ሃኒያ ብቐጥታ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዝተሳተፈ ኣይነበረን።

ገለ ካብኣቶም ኣብ መዓስከራት ብርጌዳት ዕዝ ኣል-ዲን ኣል-ቓሳም (ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ) ስልጠና ክወስዱ እንከለዉ፡ ኣብ ወግዓዊ ወተሃደራዊ ዕማማት ብንጥፈት ኣይተዋፈሩን ወይ ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ልዑል ጽፍሒታት ኣይነበሮምን። ሃኒያ ብሓሙስ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ደቁ ተጋደልቲ ሓማስ ምዃኖም ነጺጉ’ዩ።

ኣብ ቓዛ ዝመደበሩ ተንታኒ ፖለቲካን ክኢላ ጉዳያት ሓማስን ያሰር ኣቡ ሃይን ከም ዝበሎ፡ እቶም ሰለስተ ደቁ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት እንተዝነጥፉ ክንድዚ ብነጻነት ኣይምተዘዋወሩን።

የግዳስ፡ ከምቲ መራሕቲ እቲ ትካል ዝገብርዎ፡ ብሕቡእ ምተንቀሳቐሱ ነይሮም። ብተወሳኺ ዒድ ኣል-ፈጥር ንምኽባር ኣብ ሲቪላዊት መኪና ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ምስ ንኣሽቱ ደቆም ከምዝነበሩ ምፍላጥ ኣገዳሲ ነይሩ።

ቅትለት ደቂን ደቂ ደቂን እስማዒል ሃኒያ፡ እስራኤል ትደናገር ምህላዋን ወተሃደራዊ ዒላማታት ኣብ ምዕዋት ዘይምኽኣላን መርትዖ ምዃኑ ኣቡ ሃይን ይዛረብ።

ምናልባት እስራኤል ከም ቀንዲ መራሕቲ ሓማስ ምርካብ ወይ ኣብ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ዝተማረኹ ጅሆ ነጻ ምውጻእ ዝኣመሰሉ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎም ዕላማታት ክትበጽሕ ስለ ዘይከኣለት ወተሃደራዊ ኣገዳስነት ዘይብሎም ዒላማታት ክትሃርም ትፍትን እያ ዘላ።

እቲ ስርሒት፡ በራጊድ ኣልቓሳም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ካብ ካሃን ዩኒስ ንምብራቕ ኣብ እትርከብ ከተማ ዛና ኣብ ዘካየደቶ ስርሒት ሓያሎ ወተሃደራት እስራኤል ከምዝቐተሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምስሊ ሰራዊት እስራኤል ንምምላስ ዝተገብረ ፈተነ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቅትለት፡ ርኡይን ልክዕን ስለያዊ ጻዕርታት ከምኡ’ውን ምስጢራዊ ሓበሬታ ምእካብ ዝሓትት እዩ፤ እቲ ብረቡዕ ኣብ ዝተቓልዐት ሲቪላዊት መኪና ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣድላዪ ከምዘይነበረ ኣቡ ሃይን ይዛረብ።

እስራኤል ንሚስተር ሃኒያ ሓዊሱ ንዅሎም መራሕቲ ሓማስ ከም "ኣሸበርቲ" እያ ትቘጽሮም - ኣብ ቅትለት ምክትሉ ዝነበረ ሳልሕ ኣል ኣሩሪ ኢድ ከምዝነበራ እውን ብሰፊሑ ይእመን።

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዝኣተወት ስድራቤት

ሰራዊት እስራኤል ቅድሚ ሕጂ፡ ሞራል እስማዒል ሃኒያን ካልኦት ካብ ግዝኣታት ፍልስጤም ወጻኢ ዝነብሩ መራሕቲ ሓማስን ንምድኻም ዝዓለመ ፕሮፖጋንዳ ይጥቀም ነይሩ።

ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጸረ ሓማስ ፕሮፖጋንዳ ዝሓዘ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወረቓቕቲ ኣብ ምድረበዳ ቓዛ በቲነን ነይረን፤ ንፍልስጤማውያን "መራሕቲ ኣብ ቓዛ ክትመውት ገዲፎምኻ ኣብ ዓበይቲ ሆቴላት ምቾት ዝመልኦ ህይወት ይነብሩ" ክብሉ ገሊጾም። ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒማ እውን ንሓማስ ተጻባኢ ዝዀኑ ትሕዝቶ ዘርጊሓ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፖሊስ እስራኤል ንሓፍቲ እስማዒል ሃኒያ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዞባ ነገቭ ኣብ እትርከብ ከተማ ተልሸቫ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ነይሩ።

ፖሊስ ኣብ ገዛኣ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፡ ምስ "ንሃገረ እስራኤል ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ገበናት" ዘተኣሳስር መርትዖ ከምዝረኸበ ገሊጹ። እታ 57 ዓመት ዝዕድመኣ ሰባሕ ዓብዱልሰላም ሃኒያ፡ ኣብ ተልሸቫ ተታሒዛ ከምዘላን ብትካል ውሽጣዊ ጸጥታ ሺን መርመራ ይግበረላ ከምዘሎን እዩ ፖሊስ ገሊጹ።

ቦኽሪ ወዲ እስማዒል ሃኒያ፡ ዓብዱሰላም ኣልበከር፡ ኣብ ፖለቲካ ፍልስጤም ሓያሎ ትርጕም ዘለዎም ጽፍሕታት ኣለዎ፤ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መንእሰያትን ስፖርትን ፍልስጤም ከምኡ’ውን ምክትል መራሒ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ፍልስጤም እዩ።

ብተራኡ ኣቢሉ ኣብ መንጐ እቶም ክልተ ዓበይቲ ተቐናቐንቲ ውድባት ፖለቲካ ፍልስጤም ማለት ፋታሕን ሓማስን ኣረኣእያታት ክድልድል ፈቲኑ እዩ።

ንሱ፡ ስፖርት ብፍላይ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ኣካላት ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ኣበርክቶ ክገብር ከምዝኽእል ይኣምን።

እንተዀነ ኣብዚ ዓመት ኣብ ለካቲት ኣብ እዋን ዋንጫ ኤስያ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ቐጠርን ኢራንን ምቕራቡ ኣብ ነበርቲ ቓዛን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ቁጥዐን ጭንቀትን ፈጢሩ’ዩ። ብዙሓት ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዘይግቡእ ገይሮም እዮም ቈጺሮምዎ።

ብፍላይ ምስ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዝተኣሳሰሩ ሚድያታት፡ ነዚ ምስሊ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ብምዝርጋሕ ክምዝምዙ ፈቲኖም እዮም።

ሃኒያ ኣብ 2017 ዝለዓለ ደረጃ ናይቲ ምንቅስቓስ ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ቱርኪን ቐጠርን ይገይሽ’ዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ምቍራጽ ተዅሲ እውን ይመርሕ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ናብ ኢራንን ሩስያን ተጓዒዙ ነይሩ።