እስራኤል ብቕትለት ህጻናት ብገበን ኲናት ትኽሰስ

ኣብቲ ብእስራኤላውያን ዝተጎብጠ ምዕራባዊ ገማግም ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ኮተቴ ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ጎደናታት እዮም ዝዘናግዑ።
እንተዀነ ዓርቢ 29 ሕዳር 2023 ድሕሪ ቀትሪ፡ ወዲ 15 ዓመት ባሲልን ወዲ 8 ዓመት ኣዳምን ኣብቲ ጎደና እናተጻወቱ ካብ ወተሃደራት እስራኤል ብዝተተኰሰ ጥይት ተቐቲሎም።
ቢቢሲ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ዝርዝር መርመራ ኣካይዱ’ሎ።
እቲ ካብ ሞባይልን ናይ ጸጥታ ካሜራን ዝተረኽበ ቢቢሲ ዝመርመሮ ቪድዮታት ኰነ፡ ሓበሬታ ምንቅስቓስ ሰራዊት እስራኤልን መረዳእታ መሰኻኽርን ኩሉ፡ ኣብቲ ቦታ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ዘቃልዕ እዩ።
እቲ ዝርዝር ውጽኢት መርምራን ኰነ እቲ ነጻ ኣካላት ዝሃብዎም ርእይቶታትን ከኣ ኣብዚ ዛንታ ክትረኽብዎ ኢኹም።
እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?
ብ29 ሕዳር ዝተቐድሐ ቪድዮን ካልኦት ሓበሬታታትን ከምዘመልክትዎ ምዕባለ እቲ ፍጻመ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ጀኒን ዘይከም ቃዛ ብሓማስ ኣይትመሓደርን እያ።
ሰራዊት እስራኤል ናብቲ ከባቢ እንተመጽዮም ከኣ፡ ድኳናት ብቕልጡፍ እዮም ዝዕጸዉ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒን ናይ ዘካይዶ ዝነበረ ስርሒት፡ ድምጺ ቶኽሲ ክስማዕ ምጽንሑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ።
ወዲ 15 ዓመት ባሲል ድማ ኣብ ሓደ መጋረዲ ማዕጾኡ ዝተዓጸወ ድኳን ደው ኢሉ ነይሩ።
ዕቱብ ደጋፊ ኩዕሶ እግሪን ሓያል ኣድናቒ ሊዮነል ሜሲን ዝዀነ ወዲ 8 ዓመት ኣዳም ድማ ምስ ባሃ ዝተባህለ ወዲ 14 ዓመት ዓቢ ሓዉ ደው ኢሉ ይርአ። ኣብቲ ጽርግያ ብድምር ኣስታት ትሽዓተ ኣወዳት ነይሮም።
ብድሕሪኡ፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ኣጽዋር ዝዓጠቓ መካይን ሰራዊት እስራኤል ዝሓቖፈ ቃፍላይ፡ ናብቶም ኣወዳት ገጹ ክመጽእን እቶም ቆልዑ ድማ ቅሳነት ክስእኑን ብንጹር ይርአ።
ሓያሎ ካብቶም ኣወዳት ካብቲ ቦታ ከልግሱ ጀሚሮም።
ልክዕ ኣብዚ ህሞት እዚኣ፡ ቅድሚት ማዕጾ ናይታ ሓንቲ መኪና ከምዝተኸፍተ ብሞባይል ዝተቐድሐ ቪድዮ የመልክት።
ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ዝነበረ ወተሃደር ነቶም ኣወዳት ብቐጥታ ይርእዮም ነይሩ።
ባሲል ናብ ማእከል እቲ መንገዲ ክጽጋዕ እንከሎ፡ ኣዳም ድማ ካብቶም ወተሃደራት 12 ሜትሮ ርሒቑ ይሃድም ነይሩ።
ድሕሪኡ እንተወሓደ 11 ድምጺ ቶኽሲ ጠያይት ተሰሚዑ።
መርመራ ቢቢሲ፡ እተን ጠያይት ንብዙሕ ቦታታት ከም ዝሃረማ የመልክት።
ኣርባዕተ ጥይት ንናይ ሓጺን ዓንዲ፡ ክልተ ንመሸጎሪ ናይቲ ድኳን ክሃርማ እንከለዋ፡ እተን ክልተ ድማ ንመኽፈቲ ማዕጾ ናይ ሓንቲ ደው ኢላ ዝነበረት መኪና ሃሪመን።
እተን ክልተ ጥይት ድማ ኣብ ኣፍልቢ ባሲል ከም ዝዓለባ ቢቢሲ ዝረኸቦም ሕክምናዊ ጸብጻባት የመልክቱ።
ካልእ ጥይት ድማ ነቲ ዝሃድም ዝነበረ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኣዳም ብድሕሪት ርእሱ ሃሪማቶ።
ዓቢ ሓዉ ባሃ፡ ኣምቡላንስ ክረክብ እናጨደረ ንኣዳም እናጎተተ ናብ ውሑስ ቦታ ክወስዶ ይፍትን።
እንተዀነ ግን እቲ ቅልጡፍ ረዲኤት ስለዘይተረኽበ፡ ባሃ፡ ኣዳምን ዓርኩ ባሲልን ኣብ ቅድሚኡ ከምዝሞቱ ይገልጽ።
“ኣብ ስንባደ እየ ነይረ፤ ብዛዕባ ነብሰይ’ውን ኣይሓስብን’የ ነይረ። ከዛርቦ ፈቲነ። ‘ኣዳም፡ ኣዳም!’ ኢለዮ፡ ነፍሱ ግን ካብ ስጋኡ ትፍለ ስለ ዝነበረት መልሲ ኣይሃበንን” ክብል እናነብዐ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ባሲል ብጥይት ከይተሃረመ እንከሎ ኣብ ኢዱ ገለ ነገር ሒዙ ይርአ። እንታይ ምዃኑ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ድሒሩ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ቦታ ዝተሳእለ ስእሊ ብምዝርጋሕ እቲ ባሲል ሒዝዎ ዝነበረ ነገር ነታጒ ዘርኢ እዩ ኢሉ።
ካልኦት ኣካላት ብዛዕባ ውጽኢት መርመራ ቢቢሲ እንታይ ይብሉ?
ቢቢሲ ካብቲ ዘካየዶ መርመራ ዝረኸቦም መርትዖታት፡ ጠበቓታት ሰብኣዊ መሰላት፡ መርማሪ ገበናት ኲናትን ክኢላ ጸረ-ሽበራን ከምኡ’ውን ኣባላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዘይሻራዊ ኣካላትን ንዝርከብዎም ነጻ ክኢላታት ኣካፊሉ። ገለ ካብዚኦም ስሞም ከይገለጹ ትንታነኦም ሂቦም ኣለዉ።
ፍሉይ ጸብጻቢ ሰብኣዊ መሰላትን ጸረ-ሽበራን ሕቡራት ሃገራት ቤን ሳውል፡ ሞት ኣዳም "ገበን ኲናት" ይመስል ኢሉ።
ኣብ ጉዳይ ባሲል ድማ፡ እቲ ቘልዓ ዝሓዞ ነገር ነታጒ እንተዀነ’ውን፡ ብሕጋዊ መንገዲ ቀታሊ ሓይሊ ምጥቃም ይካኣል ነይሩ ድዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ከምዝኽእል ገሊጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ሓባራዊ ዳይረክተር ማእከል ዓለምለኻዊ ሕጊ ዶክተር ሎረንስ ሂል-ካውቶርን ድማ፡ "እቶም ወተሃደራት ኣብ ዕጥቃዊ መካይን እዮም ነይሮም። ዋላ ስግኣት እንተሃለወ እውን፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስን ዘይፈላሊ ዝመስልን ቀታሊ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ምጥቃም፡ መኪናኦም ዘዊሮም ክኸዱን ኣብ ቀይዲ ከውዕሉ ክውጥኑን ነይርዎም” ክብል ርእይቶኡ ኣስፊሩ።
ብሓፈሻ እቶም ክኢላታት፡ እቲ ፍጻመ ክምርመር ከም ዘለዎ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ካብዚ ሓሊፎም ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝረአ ዘሎ ይመስል ኢሎም።
ሰራዊት እስራኤል’ከ እንታይ ይብል?
ሰራዊት እስራኤል፡ እቶም ጥርጡራት ናብ ሓይልታቱ ገጽ ነታጒ ክድርብዩ ቀሪቦም ስለ ዝነበሩ ሓይልታቱ ኣብ ሃንደበታዊ ሓደጋ ወዲቖም ከምዝነበሩ’ዩ ዝገልጽ።
ከም ውጽኢቱ ድማ "እቶም ሰራዊት ብተኹሲ ምላሽ ሂቦም፡ ክህረሙ ዘለዎም ድማ ተለልዮም" ይብል።
ቢቢሲ ኣብቲ ቪድዮ ዘካየዶ መርመራን ሓበሬታ መሰኻኽርን ግን ኣዳም ዕጡቕ ኣይመስልን፤ ክሃድም እንከሎ’ዩ ብድሕሪት ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ።
ሰራዊት እስራኤል፡ እቲ ሞት ባሲልን ኣዳምን ዘስዓበ ፍጻመ "ኣብ መርመራ" ከምዘሎን እዚ ድማ ሰራዊቱ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዘካይዶ ንጥፈት ንዘጋጠም ነፍሲ ወከፍ ሞት ህጻን ብስሩዕ ዝገብሮ ነገር ከምዝዀነን ገሊጹ።
መርትዖታት ቢቢሲ ዝረኣዩ ሓያሎ ወተሃደራት እስራኤል ነበር ግን፡ ሕጋዊ ስርዓት እስራኤል ምኽኑይ ድዩ ኣይኰነን ብዘየገድስ፡ ሓይሊ ንዝጥቀሙን ንዝቐትሉን ወተሃደራት ዝከላኸል’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ሓደ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዘገልገለ ዝነበረ ሳጅን፡ "ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ኣብ ቀረባ ርሕቀት ፍልስጤማዊ እንተቐቲሉ’ዩ ኣብ እስራኤል ከም ቅትለት ዝውሰድ" ይብል። ብመሰረቱ ኣብ ከም ናይ ኣዳም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣንጻር ወተሃደር "ገበናዊ መስርሕ ንኽካየድ ዘሎ ተኽእሎ 0 ሚእታዊት" ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣሃዛት እንታይ የመልክቱ?
ካብ የሽ ዲን ዝተበሃለ እስራኤላዊ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት እስራኤል ካብ ዝቐርቡ ጥርዓናት፡ እቶም ናብ ክሲ ዘምርሑ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ጥራይ እዮም።
ኣስታት 1200 ሰባት ዝተቐትሉሉን 253 ጅሆ ዝተታሕዙሉን ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ሓማስ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ዘርኢ ቪድዮ ንህዝቢ እስራኤል ኣቖጢዑን ንዓለም ኣሰንቢዱን እዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣቓልቦ ዓለም ኣብቲ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣተኲሩ ኣሎ። ከሳብ ሕጂ ከኣ ልዕሊ 34 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቃዛ ይገልጽ።
ማዕረ ማዕሪኡ፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ኣብቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እውን ልዑል ብምዃኑ፡ ዝሓለፈ ዓመት ልዑል ቁጽሪ ቅትለት ህጻናት ተመዝጊቡ።
ኣብ 2023 ብድምር 124 ህጻናት ከምዝተቐትሉ ካብዚኦም ድማ እቶም 85 ድሕሪ 7 ጥቅምቲ ከምዝዀነን ዩኒሴፍ ይገልጽ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ 2024 ድማ 36 ፍልስጤማውያን ህጻናት ብእስራኤላውያን ሰፋሮ ወይ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ተቐቲሎም ኣለዉ።
ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ከም ዞባ ኲናት ስለ ዘይምደብ፡ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ዝያዳ ክድረት ከምዘለዎ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ይጠቅስ።
ቢቢሲ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ቃዛ ዝረኸቦም ሕክምናዊ ጸብጻባት፡ ኣብ መንጎ ጥሪ 2023ን፡ ጥሪ 2024ን ካብ ክልተ ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም 112 ህጻናት ብተኹሲ እስራኤል ከምዝተቐተሉ የመልክት። ሓቀኛ ኵነታት ናይቶም ፍጻመታት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። ገሊኦም ድማ ብሓቂ ኣብ ልዕሊ ህይወት ወተሃደራት እስራኤል ሓደጋ ዝነበሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ትንታነ ቢቢሲ ግን ኣስታት 98 ሚእታዊት ካብቶም ዝሞቱ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ኣካላት ዝተሃረሙ ምዃኖም ይሕብር፤ ንላዕለዋይ ኣካል ዝሃርም ተኹሲ ድማ ክቐትል ተኽእሎኡ ልዑል እዩ። እዚ ማለት ወተሃደራት እስራኤል ካብ ንምቑሳል ዝያዳ ንምቕታል ተኲሶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ የመልክት።
ባህሪ ሰራዊት እስራኤል
ቢቢሲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ንሓሙሽተ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ጽልዋ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሰራዊት እስራኤል መርመራ ኣካይዱ።
ብዛዕባ ባህሪ እቲ ሰራዊት ከበድቲ ሕቶታት ናይ ዘልዓሉ ሓያሎ ፍጻመታት መርትዖታት ርእዩ ኣሎ።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ቱልካርም ሓደ ህጻን ብካራ ካልኦት ድማ ብጠበንጃ ከም ዘፈራርሑን ዝገልጹ ጸብጻባት፡ ምጥሓስ ዓለም ለኻዊ ሕጊ'ውን ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሓደ ካብቲ መዓስከር ዘካየዶ ስርሒት፡ ወተሃደራዊ ነታጒ ሒዙ ክኸውን ይኽእል’ዩ ንዝተባህለ ሓደ ፍልስጤማዊ ተቓላሳይ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ኣብ ልዕሊ ሬስኡ ከምዝሸኑኑሉን ከምዝተሃርመን፡ ሬስኡ ናብ ጽርግያ ከምዝተጎተተ መሰኻኽር ይሕብሩ።
ቢቢሲ ነዞም መርትዖ ንነጻ ክኢላታት ኣካፊሉ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ጀነቫ ክኢላ ዓለምለኻዊ ሕጊ ፕሮፌሰር ማርኮ ሳሶሊ፡ “ኣካላት መዋቲ፡ ዋላ’ውን ብሕጋዊ መንገዲ እንተተቐትለ፡ ክኽበር ኣለዎ። እቲ ጸብጻብ፡ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዝጥሕስ፡ ገበን ኲናት ከይተረፈ ክኸውን ይኽእል እዩ” ኢሉ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ዝሞተ ተቓላሳይ ድሕሪ ምምርማሩ፡ ነታጒ ከም ዝተረኸበን፡ ኣባላት ቀይሕ ወርሒ ድማ ነቲ ሬሳ ምትንካፍ ከምዝኣበዩን ገሊጹ።
"በዚ ምኽንያት ድማ ወተሃደራት ሰራዊት እስራኤል ድሕነቶም ንምርግጋጽን ኣብ ትሕቲ እቲ ሬሳ ኣጽዋር እንተሃልዩ ንምርግጋጽን ኢዱን እግሩን ክኣስርዎ ነይርዎ።"
ገለ ካብቶም ቢቢሲ ዝረኸቦም መርትዖታት ዝገምገሙ ወተሃደራት እስራኤል ነበር፡ ባህሪ ስርሒታት እቲ ሰራዊት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ፍልስጤም ዝያዳ የለዓዕል ከይህሉ ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም።
ሓደ ካብኣቶም፡ "ሰባት ከምቲ ፍልስጤማውያን መዓልታዊ ዝገብርዎ ‘ምስ ሰራዊት ክገጥሙን ዋላ ሓንቲ ከምዘይተፈጠረ ጌሮም ህይወቶም ክቕጽሉ ይኽእሉ እዮም፡ ኣብዚ ክውንነት ዝነብሩ ሰባት ኣጽዋር ኣየልዕሉን’ ኢልካ ምግማት ገርህነትን ሰብኣውነት ዝጎደሎን'ዩ" ዝብል ርእይቶ ሂቡ።
"ነገራት እናገደዱ’ዮም ዝኸዱ ዘለዉ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







