‘ጓለይ ከድሕና ኣይከኣልኩን...ግን እንኮ ኣማራጺ’ዩ ነይሩ’ - ክስጐግ ዝተዳለወ ስደተኛ ኣቦ

ጓል 7 ዓመት ሳራ፡ ስደተኛታት ናብ ጃልባ ክድይቡ ኣብ ዝዳፍእሉ ዝነበረ እዋን ኣብቲ ጽቕጥቅጥ’ያ ተዓፊና
መግለጺ ስእሊ, ጓል 7 ዓመት ሳራ፡ ስደተኛታት ናብ ጃልባ ክድይቡ ኣብ ዝዳፍእሉ ዝነበረ እዋን ኣብቲ ጽቕጥቅጥ’ያ ተዓፊና

ኣሕመድ ኣልሓሺሚ፡ ዘይሃስስ ሓዘንን ቍጥዐን እዩ ኣጋጢምዎ፤ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ድማ ብኢዱ ኣፍልቡ ይሃርም።

"ከድሕና ኣይከኣልኩን። ንነብሰይ ፈጺመ ይቕረ ኣይክብላን’የ። እቲ ባሕሪ ግን እንኮ ኣማራጺ እዩ ነይሩ" ይብል እናነብዐ።

እዚ ወዲ 41 ዓመት ኣቦ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ክፋል ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ናይ ጎማ ጃልባ ኰይኑ እናጨደረ ሓገዝ ይሓትት ነይሩ - ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሬሳታት እናደፍአ፡ ሰባት ከሕልፍዎ እናለመነ፡ ኢዱ ንታሕቲ ዘርጊሑ ነታ ጓል ሸውዓተ ዓመት ጓሉ ሳራ ከድሕን ጽዒሩ።

"ጓለይ ንክስሕባ ጥራይ እየ ኣልግሰለይ ኢለዮ" ይብል ኣሕመድ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ህሞት ናብታ ጃልባ ዝተሳፈረ ሱዳናዊ መንእሰይ። እታ ጃልባ ካብቲ ገምገም-ባሕሪ ክትርሕቕ እንከላ እቲ ሱዳናዊ መጀመርታ ሸለል ኢሉዎ፡ ድሕሪኡ ግን ኣፈራሪሕዎ።

"እቲ ግዜ ባዕሉ ሞት ይመስል ነይሩ። ሰባት ክሞቱ ርኢና። እቶም ሰባት ዘርእይዎ ባህሪ ተዓዚበ። ቈልዓ ይዅን ዓቢ ናይ መን ርእሲ ይረግጹ ከምዘለዉ ኣይግድሶምን። ሰባት እስትንፋስ ክሓጽሮም ጀሚሩ" ብምባል የማርር።

ኣሕመድ ዒራቓዊ እኳ እንተዀነ፡ ጓሉ ግን ናብ ዒራቕ ከይዳ ኣይትፈልጥን። ኣብ ቤልጅየም እያ ተወሊዳ፤ ካብቲ ሓጺር ዕድመኣ ዝበዝሕ ኣብ ሽወደን እያ ኣሕሊፋቶ።

ኣብቲ ፍጻመ ብድምር ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም፤ ግዳያት ናይቲ ዘሕዝንን ቀስ ኢሉ ዝውስኽ ዝነበረን ዕግርግር እዮም።

ኣብቲ እዋን እቶም ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ፡ ነቶም ስደተኛታት ዓጂቦም ነቲ ገማግም ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ገጾም እናኸዱ እንከለዉ፡ ሓንቲ ጕጅለ ፖሊስ ፈረንሳ መጺኣ ናብታ ጃልባ ከይድይቡ ዘይዕውት ፈተነ ኣካይዳ። እቶም ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ፡ ነታ ጕጅለ ንምስጓግ ርችትን በትሪን ተጠቒሞም።

እታ ልዕሊ ዓቐን ዝተጨናነቐት ናይ ጎማ ጃልባ ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ናብ ባሕሪ ትብገስ

ምንጪ ስእሊ, BBC News

መግለጺ ስእሊ, እታ ልዕሊ ዓቐን ዝተጨናነቐት ናይ ጎማ ጃልባ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ናብ ባሕሪ ትብገስ

"ሓግዙና!"

እታ ጃልባ ዝያዳ ናብ ባሕሪ እናተጓዕዘት እንከላ፡ ሓደ ሰብ ካብ ውሽጢ እታ ጃልባ፡ ድኹም ድምጺ ኣስሚዑ። ጸልማት ስለዝነበረ ግን እንታይ ከምዝተፈጠረ ኣይተፈልጠን። ምስ ወግሐ ግን ፖሊስ ድሮ ሓደ ኣሰጋጋሪ ከምዝዀነ ዝተጠርጠረ ሰብን ገለ ካብቶም ናብታ ጃልባ ክድይቡ ዘይከኣሉ ስደተኛታትን ሒዞም ይኸዱ ነይሮም።

ድሒሩ ኣሕመድ፡ እቲ ሓገዝ ክረክብ ዝጭድር ዝነበረ ሰብ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፤ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ህይወት ሳራ ከድሕኑ ብተስፋ ምቝራጽ ይልምኖም ነይሩ።

በዓልቲ ቤቱ ኑር ኣልሳዒድን ካልኦት ክልተ ደቆም እውን ኣብታ ጃልባ ተጸቒጦም ነይሮም፤ ይዅን’ምበር ድሒሮም ከተንፍሱ ክኢሎም’ዮም።

"ኣነ ሰራሕተኛ ህንጻ እየ፤ ድልዱል እየ። እግረይ ግን ስሒበ ከውጽእ ኣይከኣልኩን። እታ ንእሽቶ ጓለይ'ውን ዘይምኽኣላ ኣየገርምን። ኣብ ትሕቲ እግርና እያ ነይራ" ይብል ኣሕመድ።

ሳራ (የማን) ምስ ሓዋ ሑሳምን ሓፍታ ራሓፍን፤ ድሮ ሰለስተ ግዜ ንቻነል ክሰግሩ ፈቲኖም ነይሮም
መግለጺ ስእሊ, ሳራ (የማን) ምስ ሓዋ ሑሳምን ሓፍታ ራሓፍን፤ ድሮ ሰለስተ ግዜ ንመትረብ ክሰግሩ ፈቲኖም ነይሮም

እዛ ስድራቤት ንራብዓይ ግዜ እያ ክትሰግር ትፍትን ነይራ። ክልተ ግዜ ፖሊስ ኣብ ገምግም ባሕሪ ሒዞሞም እዮም። ኣሕመድ ኣብቲ እዋን'ቲ እቶም ኣሰጋገርቲ ንሓደ ዓቢ ሰብ 1500 ዩሮ፡ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ድማ ፍርቂ ናይዚ ይሓቱ ከምዝነበሩ ይገልጽ።

መብዛሕትኦም ዒራቓውያን ዝዀኑ 40 ሰባት ጥራይ ኣብታ ጃልባ ከምዝሳፈሩ እዩ ተነጊርዎም ነይሩ። ካልእ ሓንቲ ጕጅለ ሱዳናውያን ስደተኛታት መጺኣ፤ ኣባላታ ክሳፈሩ ኣጽኒዖም ሓቲቶም።

ሳራ ኣብ መጀመርታ ህድእ ኢላ ነይራ።

ቅድሚ 6፡00 እቶም ኣስገርቲ ጃልባኦም ነፊሖም ብምድላው፡ እቶም ስደተኛታት ተሰኪሞም ናብ ገምገም ባሕሪ ኣጸጊዖም ናብቲ ባሕሪ ክኸዱ ኣዚዞምዎም ነይሮም።

ሃንደበት ግን ኣብ ጥቓኦም ናይ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ተፈንጂሩ፣ ሳራ ድማ ክትጭድር ጀሚራ ይብል ኣሕመድ።

ኣብታ ጃልባ ምስ ደየቡ፡ ኣሕመድ ንሳራ ንሓንቲ ደቒቕ ዝኸውን ኣብ መንኵቡ ኣቐሚጥዋ’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪኡ ግን ንኻልእ ጓሉ ራሓፍ ክትድይብ ምእንቲ ክሕግዛ ኣውሪድዋ፡ እዚ ድማ ሳራ ካብ ዓይኑ ዝጠፍኣትሉ እዋን’ዩ።

ልዕሊ 100 ሰባት እዮም ኣብታ ጃልባ ተጸቓቒጦም ነይሮም።

ድሒሩ ፈረንሳውያን ሰራሕተኛታት ምድሓን ንገለ ካብቶም ኣብታ ጃልባ ተጸቒጦም ዝነበሩ ምስ ኣውረድዎም፡ ኣሕመድ ኣብ መወዳእታ ሬሳ ጓሉ ረኺቡ።

"ርእሳ ኣብ ኩርናዕ ጃልባ ርእየያ። ሰማያዊ ኰይና ነይራ። ክነውጽኣ ከለና ድሮ ሞይታ እያ ነይራ። ትንፋስ ኣይነበራን" ክብል እናነብዐ ገሊጹ።

ኣሕመድን ስድራኡን ኣብ ኣውሮጳ ክሰፍሩ ንነዊሕ ዓመታት ፈቲኖም እኳ እንተነበሩ፡ ግን ኣይተዓወቱን
መግለጺ ስእሊ, ኣሕመድን ስድራኡን ኣብ ኣውሮጳ ክሰፍሩ ንነዊሕ ዓመታት ፈቲኖም እኳ እንተነበሩ፡ ግን ኣይተዓወቱን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ እታ ስድራቤት ብሰበስልጣን ፈረንሳ እናተሓብሓበት፡ ሬሳ ሳራ ክትቀብር ተጸብያ።

ኣሕመድ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንስድራኡ ኣብ ዘየድሊ ሓደጋ ኣእትዩዎም ዝብሉ ሓያሎ ነቐፌታ ከምዘጋጠሞ ይፈልጥ’ዩ። ነዚ ወቐሳ ኣብ ምቕባልን ምንጻግን ድማ ተቐርቂሩ ይርከብ።

"ንነብሰይ ፈጺመ ይቕረ ኣይክብላን እየ። እቲ ባሕሪ ግን እንኮ ኣማራጺ እዩ ነይሩ። ኵሉ ዘጋጠመኒ ኣንጻር ድሌተይ እዩ። ኣማራጺታት ወዲአ። ሰባት ይወቅሱኒ፤ 'ከመይ ጌረ ኣዋልደይ ኣብ ሓደጋ ከእትወን ይኽእል?' ኣነ ግን ኣብ ኣውሮጳ 14 ዓመታት ኣሕሊፈ፡ ሕቶይ ተነጺጉ’ዩ" ይብል።

ኣሕመድ፡ ኣብ ዒራቕ ካብ ጕጅለታት ሚልሻ ስግኣት ስለ ዝበጽሖ’ዩ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ። ንዓመታት ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ መንበሪ ፍቓድ ክረክብ ዝገበሮም ፈተነታት ከምዝፈሸሉ ይዛረብ።

ቤልጅየም፡ እታ ባስራ እትበሃል ኣብ ዒራቕ እትርከብ ቁሸቱ ከም ውሑስቲ ከባቢ ዝተመደበት እያ ብምባል ዕቝባ ከምዝኸልኣቶ ይግለጽ።

ደቁ ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ምስ ሓደ ዘመድ ኣብ ሽወደን ከምዘሕለፉ፡ እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ምስኡ ናብ ዒራቕ ከምዝስጎጉ ከምዝተነገሮ ይገልጽ።

"እቶም ቈልዑ ኣብ ቤልጅየም ወይ ፈረንሳ ወይ ሽወደን ወይ ፊንላንድ ከጽንሖም ዝኽእለላ ሓንቲ ሚእታዊት ዕድል ከምዘላ እንተዝፈልጥ ኣብኡ መጽናሕክዎም። ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ጥራይ እዩ ዝደሊ ነይረ። ካልእ ዝዀነ ሓገዝ ኣይደለኹን። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፤ ንዓኣቶምን ንእስነቶምን ክብረቶምን ክሕሉ ጥራይ እየ ዝደሊ ነይረ" ክብል ኣስዒቡ ይዛረብ።

"ሰባት ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ እንተዝህልዉ እንታይ ምገበሩ? እቶም (ዝነቕፉኒ) ከምቲ ኣነ ዘጋጠመኒ ኣይተሳቐዩን። እዚ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ እዩ ነይሩ" ብምባል መንግስቲ ብሪጣንያ ክድንግጸሉን ደገፍ ክግበረሉን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ሳራ ቅድሚ ንራብዓይ ግዜ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ምፍታኖም ንመወዳእታ ግዜ ዝሰኣለታ ስእሊ ስድራኣ
መግለጺ ስእሊ, ሳራ ቅድሚ ንራብዓይ ግዜ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ምፍታኖም ንመወዳእታ ግዜ ዝሰኣለታ ስእሊ ስድራኣ

ኣብ ሽወደን ከተማ ኡደቫላ መምህር ሳራ ዝነበረት ኢቫ ጆንሰን፡ እታ ጓል 7 ዓመት ህጻን "ሕያወይቲን ተፈታዊትን" ክትብል ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ገሊጻታ።

"ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብዙሓት ኣዕሩኽ ነይሮምዋ። ኵሉ ግዜ ብሓባር ይጻወቱ ነይሮም... ኣብ ለካቲት ኣብ ሓጺር እዋን ከምእትስጎግ ሰሚዕና። ናይ ክልተ መዓልቲ ምልክታ ነይሩ" ትብል።

ሞታ ምስ ተሰምዐ፡ ተምሃሮ እታ ክፍሊ ክቢ ሰሪሖም ንሓንቲ ደቒቕ ሕልናዊ ዝኽሪ ኣካይዶም።

"እዚ ንከምዚ ዝበለ ስድራቤት ከጋጥም እንከሎ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ። [ካልኦት] ቈልዑ እታ ስድራቤት ምሂረ እየ፤ እቲ ምስጓግ ድማ ብሓቂ ኣሰንቢዱኒ’ዩ" ትብል እታ መምህር።

"ክሳዕ ሕጂ ስእሊ ሳራ ኣብ ቅድመና ተሰቒሉ ኣሎ፤ እቶም ቈልዑ ክሳዕ ዝደለይዎ ድማ ኣብኡ ክጸንሕ’ዩ።"