እስራኤል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝወሃበሉ ቦታ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ 90 ሰባት ተቐቲሎም - ሚኒስትር ጥዕና ቃዛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝወሃበሉ ቦታ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብውሑዱ 90 ሰባት ከምዝተቐተሉን ኣስታት 300 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ሚኒስትር ጥዕና ቃዛ ኣፍሊጡ።
እስራኤል ብወገና፡ በቲ መጥቃዕቲ ንላዕለዋይ መራሒ ሓማስ መሓመድ ደይፍን ምኽትሉ ራፋ ሳላማን ዒላማ ከምዝገበረት'ያ ትገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ከምዝተቐተሉ ርግፀኛ ኣይኰናን ኢሉ።
እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰራዊት እስራኤል ሰብኣዊ ዞባ ኢሉ ዝሰየማ ኸሃን ዩኒስ ትርከብ ኣል-ማዋሲ’ዩ ተፈፂሙ።
ኣብ ኣል-ማዋሲ ዝርከብ ምስክር ዓይኒ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ቦታ “ራዕዲ መሬት” ዘጋጠሞ ይመስል ክብል ንቢሰቢ ገሊፁ።
ካብቲ ከባቢ ዝወፅኡ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ደም ዝፈሰሶም ጉድኣት ናብ ቃሬዛ እንትፀዓኑን ከምኡ'ውን ፍርስራስ ህንፃታትን የርእዩ።
ሰባት ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተደርመሰ ፍርስራስ ንምውፃእ እንትፍትኑ’ውን ይረኣይ።
ቢቢሲ ቬሪፋይ ነቶም ምስልታት ብምትንታን፡ ኣብቲ ብእስራኤል ሰብኣዊ ዞባ ተባሂሉ ዝተቐመጠ ቦታ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ኣረጋጊፁ።
ኔታንያሁ፡ ብሓይልታት ፀጥታ መብርሂ ምስ ተውሃቦ ትእዛዝ ከምዝሃበ ገሊፁ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ “ብዝዀነ ይኹን መንገዲ ንኩሎም መራሕቲ ሓማስ ክንረኽቦም ኢና” ብምባል፡ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፍልስጤም ንምጥፋእ ቃል ኣትዩ።
መራሒ ሓማስ ኢስማዔል ሃኒዬህ፡ ኔታንያሁ “ብባርባራዊ ጃምላዊ ቅትለት” ንስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ቃዛ ንምዕንቃፍ ከምዝፈተነ ከሲሱ።
ሓማስ፡ መራሕቱ ዒላማ ነይሮም ንዝብል መግለፂ እስራኤል ሓሶት ከምዝዀነ ገሊፁ።
“እስራኤል ንመራሕቲ ፍልስጤም ዒላማ ገይረ ድሕሪ ምባላ፡ ሓሶት ምዃኑ እንትረጋገፅ እዚ ፈላማይ ኣይኰነን” ኢሉ።
በዓል ስልጣን ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ “ሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ክፍቲ ቦታ እዩ ተፈፂሙ ኢሉ።
እዚ ቦታ “ዒላማ” ቅድሚ ምግባሩ “ትኽክለኛ ሓበሬታ” ተኣኪቡ ነይሩ ኢሉ።
ነዚ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንዝተጎድኡ ግዳያት ሕክምና ይህብ ዘሎ ዶክተር ኣቡ ራያ፡ ኣብ ህይወተይ ካብ ዘጋጠሙ “ዝሓሰሙ መዓልታት’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።
እቲ ዶክተር፡ መብዛሕትኦም ናብቲ ሆስፒታል ዝመፅኡ ሰባት ዝሞቱ እንትኾኑ ካልኦት ድማ ብንጣር ቦምቧታት ከም ዝቖሰሉ ሓቢሩ።
“ኣብ ሲኦል ከም ምዃን’ዩ” ብምባል ነቲ ኩነታት ዝገለፆ ዶክተር ኣቡ ራያ፡ ዝበዝሑ ግዳያት ደቂኣንስትዮን ህፃናትን ከም ዝኾኑ ገሊፁ።
ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ግዝያዊ ሆስፒታል ኩዌት ዝተወሰደ ምስሊ፡ እቲ ከባቢ ብሕንፍሽፍሽ ተመሊኡ ግዳያት ድማ ኣብ መሬት ኮይኖም እናተሓከሙ ኣርእዩ።
ብሪጣንያዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ሕክምናዊ ሓገዝ ንፍልስጤማውያን፡ ኣብ ኸሃን ዩኒስ ዝርከብ ማእኸል ሕክምና ብግዳያት ብምጭንናቑ ኣገልግሎት ክህብ ከም ዘይከኣለ ገሊፁ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መሓመድ ደይፍ መን እዩ?
ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ናይ ዝኾነ ብርጌድ ኣልቐሳም መራሒ ዝዀነ መሓመድ ደይፍ፡ ብእስራኤል ኣዝዮም ካብ ዝድለዩ ኣመራርሓ ሓደ እዩ።
ደይፍ፡ ኣብ 2002 ዓይኑ ዝሰኣነሉ ህሞት ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ፈተነታት ቅትለትን ምምራኽን ኣምሊጡ እዩ።
ኣብ 1999 ብሰበስልጣን እስራኤል ተኣሲሩ ዝነበረ መሓመድ ደይፍ፡ ድሕሪኡ ንወተሃደራት እስራኤል ንምሓዝ ዝዓለሙ ብርጌዳት ኣጣይሹ።
እስራኤል፡ መሓመድ ደይፍ ኣብ 1996 ንዓሰርተ እስራኤላውያን ዝቐተለ ኣብ ኣውቶቡስ ንዝተፈፀመ ነትጕ ብምውዳድን ኣብ መፋርቕ 1990ታት ተታሒዞም ንዝተቐተሉ ሰለስተ ወተሃደራት እስራኤል ብምስታፍን ትኸስሶ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ እንትዀን፡ እስራኤል በቲ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከምዝተቐተሉን 251 ሰባት ጅሆ ከምዝተትሓዙን ትገልፅ።
መሓመድ ደይፍ ኣብ ድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ ካብ መንጎ ዘለዉ ኣመራርሓታት ከም ዝዀነ ድማ ይሕሰብ።
ነዚ ስዒቡ ኵናት እስራኤል-ጋዛ ዝተወልዐ እንትኾን፡ ክሳብ ሕዚ 38 ሽሕን 400 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐተሉ ሚኒስትር ጥዕና ቃዛ ኣፍሊጡ’ዩ።
ሮይተርስ ዘዘራረቦ በዓልስልጣን ሓማስ፡ እዚ እስራኤል ብቀዳም ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክትበፅሕ ድሌት ከምዘይብላ ዘርእይ “ከቢድ ዘበኣእስ” መጥቃዕቲ’ዩ ክብል ገሊፅዎ።
ቢቢሲ፡ ብኣሸማጋልነት ቀጠርን ግብፅን ክካየድ ዝፀንሐ ልዝብ ብዓርቢ ብዘይ ገለ ፍረ ከምዝተበተነ ተረዲኡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







