ሩስያ ካብ ዩክረይን እንተወጺኣ 'ጽባሕ ዝርርብ ሰላም ክንጅምር ንኽእል ኢና' -ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሩስያ ካብ መላእ ግዝኣት ዩክረይን ጠቕሊላ እንተወጺኣ ምስ ሩስያ ዘተ ሰላም ክጅምር ከም ዝኽእል ፕረዚደንት ዘለንስኪ ተዛሪቡ።
ንሱ ኣብቲ ንሰላም ዩክረይን ጠሚቱ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን እቲ ኲናት ጠጠው ከብሎ ስለ ዘይክእል፡ ብወተሃደራዊ ይኹን ዲፕሎማሲያዊ መገዲ ደው ከነብሎ ይግባእ ኢሉ።
ኣብቲ ኲናት ንምዕዋት ሓገዝ ሃገራት ምዕራብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን ዝበለ ዘለንስኪ፡ ሕጂ’ውን ግን ንዩክረይን ዝግበር ደገፍ ከም ዘይነከየ ገሊጹ።
ኣብቲ ዋዕላ፡ ብዙሓት ሃገራት ግዝኣታዊ ሓድነት ዩክረይን ክኽበር ከም ዘለዎም ተሰማሚዐን፤ ብቐንዱ ንሩስያ ተሓታቲት ዝገበረ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝስዓበ ሰፊሕ ስቓይን ዕንወትን ዝምልከት ሰነድ’ውን ተፈሪሙ።
ይኹን’ምበር፡ ህንዲ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ስዑዲ ዓረብን ዝርከብአን ብዙሓት ተሳተፍቲ ሃገራት ነዚ ሰነድ ኣይፈረማሉን።
ቅድም ኢሉ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፡ ዩክረይን ኣዝዮም ኣጸገምቲ ሕድገታት ክትገብር ኣለዋ ክብል እንከሎ፡ ኬንያ ብወገና ኣብ ቀረባ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብሩ እገዳታት ልክዕ ኣይኰኑን ምባላ ይዝከር።
እቲ ሩስያ ዘይተዓደመትሉ ዋዕላ ብቐንዱ እቲ ኲናት ከብቅዕ ዘኽእሉ ኣማራጺታት ንምንዳይ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ልዕሊ 90 ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ተሳቲፎምሉ ነይሮም። ደጋፊት ሩስያ ዝዀነት ቻይና ድማ፡ ውጽኢታውነቱ ከም ዘጠራጥራ ብምግላጽ ኣይተሳተፈትን።
እቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝቐረበ ሰነድ፡ ዩክረይን ንትካል ጸዓት ኒዩክሌር ዛፖሪዚዛ ዳግም ክትቈጻጸሮ ከም ዘለዋ ይጽውዕ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሩስያ ተቘጻጺራቶ ትርከብ።
ብተወሳኺ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ንዝፈጸመቶ ወራር “ኲናት” ብምባል ክብል ገሊጹዎ፤ ሩስያ ነዚ ትነጽጐ።
ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ምልውዋጥ እሱራት ክግበርን ብሩስያ ዝተጨውዩ ህጻናት ክምለሱን’ውን ሓቲቱ።
ኣዝዩ ኣካታዒ ዝዀነ ጉዳይ እቶም ኣብ ትሕቲ ጐበጣ ሩስያ ዝርከቡ ከባቢታት ግን ንግዝኡ ክጸንሕ ተገይሩ ኣሎ።
ዩክረይን ኣብ ዓውደ ውግእ ዘለዋ ድኹም ኵነታት ዲፕሎማሲያዊ ኣማራጺታት ክጥቀም ተገዲዳ ንዝብል ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ወትሩ ብዛዕባ ሰላም ክትጽውዕ ጸኒሓ እያ ብምባል “ካብ ግዝኣትና እንተወጺኦም ጽባሕ’ውን እንተዀነ ምስ ሩስያ ዘተ ክንጅምር ንኽእል ኢና” ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ቻይና ጸላኢት ሃገሩ ከም ዘይኰነት ብምግላጽ፡ “ንቻይናን ግዝኣታዊ ሓድነታን ነኽብር ኢና፤ ቻይና’ውን ከምኡ ክትገብር ኢና ንደሊ” ብምባል ኣብቶም ዝቐርቡ ዘለው ጠለባት ሰላም እጃማ ከተበርክት ሓቲቱ።
ዘለንስኪ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ሰላም ሓቀኛ ምብቃዕ እቲ ኲናት ንከነምጽእ” ውጽኢት እቲ ሕጂ ዝተኻየደ ዋዕላ ስዊዘርላንድ ንሞስኮ ከም ዝበጽሓ ተዛሪቡ።
ሩስያ ነቲ ዋዕላ ምብኻን ግዜ እዩ ብምባል ክትገልጾ እንከላ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዩክረይን ካብተን ሩስያ ብኸፊል ዝሓዘተንን ዝጐበጠተንን ኣርባዕተ ዞባታት ሰራዊታ እንተድኣ ኣውጺኣ፡ ተኹሲ ደው ምባል ከም ዝሰማማዕ ብዓርቢ ገሊጹ ነይሩ።
መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ግን ንውጥን ፑቲን ብትሪ ነጺጎሞ።
ነዚ ስዒቡ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ መራሒ ሩስያ ምስ ዩክረይን ዝግበር ዝርርብ ከም ዘይነጸገ እኳ እንተገለጸ፡ ተኣማንነቱ ንምርግጋጽ ውሕስነት ከም ዘድሊን ዘለንስኪ ተሳታፊ ክኸውን ከም ዘይክእልን ብሰንበት ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







