ወጥሪ ሰሜንን ደቡብን ኮርያታት ስለምንታይ ኣብዚ እዋን ይጋደድ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰሜን ኮርያ፡ ንደቡብ ኮርያ ናብ ርእሰተማኣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሲዲድኪ ወረቓቕቲ በቲንኪ ብዝብል ክሲ እዩ ዝጅምር።
ነዚ ስዒቡ ነቲ ከም ብሓድሽ ንኣዋርሕ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ሰማይ ዘዕረጐ ይመስል።
እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ፒዮንግያንግ ናይ ፕሮፖጋንዳ ወረቓቕቲ ከምዝበተና እዩ ዝንገር።
መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ብወገኑ፡ "ዕጥቃዊ ግጭት ዋላ'ውን ናብ ኲናት" ከምርሕ ዝኽእል ምትንዃይ ክብል ገሊጽዎ።
ስለዚ ድማ፡ ሰሜን ኮርያ ነዚ ክስታት ድሕሪ ምስምዑ፡ ብዓርቢ ዶብ ዝሕልዉ ወተሃደራታ ንተዅሲ ድሉዋት ክዀኑ ኣዚዛ ኣላ።
ደቡብ ኮርያ ብግደኣ ምላሽ ክትህብ ድልውቲ ምዃና ብምግላጽ፡ ድሕነት ዜጋታታ ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ "መወዳእታ ስርዓት ሰሜን ኮርያ" ከምዝኸውን ኣጠንቂቓ።
ድሕሪኡ፡ ብሰሉስ ሰሜን ኮርያ ምስታ ነባር መጻብእታ ደቡብ ኮርያ ዘራኽባ ክልተ ጽርግያታት ብምፍንጃር ኣገልግሎት ክቋረጽ ገይራ።
እዚ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጀመረ ስግኣት ኣጋዲድዎ።
ንጽባሒቱ ድማ 1.4 ሚልዮን መንእሰያት ሰሜን ኮርያ ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ወይ ክምለሱ ከምዘመልከቱ ገሊጻ።
እዚ ምልዕዓል እዚ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ኮርያታት ቅረታ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ መራሒ ሰሜን ኪም ዮንግ ኡን ኣብ ጥሪ ደቡብ ኮርያ ቁጽሪ ሓደ ጸላኢት ምዃና ካብ ዝእውጅ ንደሓር እዩ ወጥሪ ክጋደድ ጸኒሑ።
እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ11 ጥቅምቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ብለይቲ ናብ ፒዮንግያንግ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምልኣኽ ከሲሱ።
በተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተበታተኑ ወረቓቕቲ "ነገር ዝጽሕትሩን ዘይረብሑን" ከምዝዀኑ ገሊጹ።
ጽልዋ ዘለዋ ሓፍቲ ኪም፡ ኪም ዮ ዮንግ፡ እዚ ምስዳድ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዳግማይ እንተተገይሩ፡ ንሴኡል "ዘስካሕክሕ ሳዕቤን" ክህልዎ ምዃኑ ተሓንያ ኣላ።
ጸኒሓ ድማ፡ ደድሕሪ እቲ ተግባር፡ "ወተሃደራዊ ጓሓላሉ" ደቡብ ኮርያ ከምዘለዉ 'ንጹር መርትዖ' ከምዘሎ ገሊጻ።
ሰሜን ኮርያ፡ ናይተን ኣብ ሰማያ በሪረን ዝበለተን ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ድብዝዝ ዝበለ ምስልታት፡ ከምኡ'ውን ነቲ ተበቲኑ ዝተበሃለ ወረቓቕቲ ዘርእዩ ኣሳእል'ኳ እንተዘርግሐት፡ ብናጻ ዝረጋገጸሉ መንገዲ የለን።
ደቡብ ኮርያ ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ እተን ሰብ-ኣልቦ -ነፈርቲ ዝቐረብ ክሲ ነጺጋቶ’ኳ እንተነበረት፡ ጠቕላላ ሓላፊ ስታፍ ግን ክሲ ፒዮንግያንግ ከረጋግጽ ወይ ክነጽግ ከምዝጽገም ኣረዲኡ።
እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብገለ ነጠፍቲ ከምዝተሰዳ፡ ኣቐዲሞም ድማ ባሎን ተጠቒሞም ተመሳሳሊ መልእኽቲ ናብ ሰሜን ኮርያ ክሰዱ ጸኒሖም እዮም ዝብል ሓበሬታ ይስማዕ ኣሎ።
መራሒ ጥምረት ምንቅስቓስ ነጻ ሰሜን ኮርያ፡ ፓርክ ሳንግ-ሃክ ድማ፡ "ናብ ሰሜን ኮርያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣይሰደድናን" ክብል ነቲ ክሲታት ነጺግዎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኪም ትማሊ ሰኑይ ምስ ኣዘዝትን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍትን፡ ሚኒስተራት ጸጥታን ምክልኻልን ከምኡ’ውን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ከምዝተራኸበ ማዕከን ዜና ሰሜን ከይሲኤን ሓቢሩ።
ኣብኡ ድማ ኪም "ኣንፈት ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ስጕምቲ" ወጢኑ፡ ንሰበስልጣን ድማ "ስርሒት መከላኸሊ ኲናትን መሰል ርእሰ ምክልኻልን" ኣንፈት ሂቡ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ደቡብ ኮርያ ሊ ሱንግ-ጁን፡ ሰሜን ኮርያ ንኮርያታት ኣብ ዘራኽብ ጽርግያታት ከም ንኣሽቱ ፍንጀራታት ዝኣመሰሉ "ንኣሽቱ ምትንዃያት" ከተካይድ ከምትኽእል ገሊጹ።
ብዙሕ ኣይጸንሐን፤ ኣብቲ ክልቲአን ዘራኽብ ጽርግያታት ጂዮንጉይን ዶንግሃይን ፍንጀራታት ስዒቡ።
ክልቲኦም ጽርግያታት ንነዊሕ እዋን ተዓጽዮም ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ምፍራሶም ግን ኪም ምስ ደቡብ ኮርያ ዝዀነ ዓይነት ልዝብ ከምዘይደሊ መልእኽቲ ከምዘመሓላልፈ ተንተንቲ ይገልጹ።
ነዚ ስዒቡ፡ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ፡ ሓይሉ ንምርኣይ፡ ኣብ ዶባቱ ኣጽዋር ከምዝተኮሰን፡ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ወተሃደራዊ ምክትታል ከምዘዕበየን ገሊጹ።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ መንግስቲ ንሴኡል ዝኸበበ ግዝኣት ጂዮንግጊ፡ ሰባት ጸረ ሰሜን ዝዀነ ፕሮፖጋንዳ ወረቓቕቲ ስግር ዶብ ከይሰዱ ንምዕጋት፡ ን11 ንኮርያ ዝዳወባ ከባቢታት "ሓደጋኛ ዞባታት" ክብል ከሊሉ።
ምክትል ኣመሓዳሪ ግዝኣት ግዮንግጊ ኪም ሱንግ-ጁንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣውራጃ ጂዮንግጊ ናብ ሰሜን ኮርያ ገጹ ወረቓቕቲ ናይ ምብታን ተግባር፡ ወተሃደራዊ ግጭት ከበግስ ዝኽእል ኣዝዩ ሓደገኛ ተግባር ምዃኑ ወሲኑ’ሎ” ኢሉ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ወረቓቕቲ ምብታን፡ "ንህይወትን ድሕነትን ነበርትና ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከምዝኽእል" ኪም ወሲኹ፡ "ርክብ ክልተአን ኮርያ ብቕልጡፍ ይበላሾ ኣሎ" ኢሉ።
እንታይ እዩ ዘመልክት
ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ኮርያታት ዝካየድ ዘሎ ምትፍናን፡ ከመይ ጌረን ኣብ "ጸወታ ደርሆ" ከም ዝተረግረጋ ዘርኢ'ዩ።
ክልቲኦም ወገናት መጀመርታ ኣብ መንጐአን ምትእምማን የብሎምን።
"ክልቲኦም ወገናት ኣብዚ እዋን ሕድገታት ክገብሩ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን" ይብል ፕሮፌሰር ኪም ዶንግ-ዩፕ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ መጽናዕቲ ሰሜን ኮርያ ሴኡል።
ሓድሕዳዊ ዘይምትእምማን ስለዘሎ፡ ሴኡል "ነቲ ቅልውላው ብኸመይ ከም እተመሓድሮ ብስትራተጂያዊ ኣገባብ ክትሓስበሉ ኣለዋ" ክብል ፕሮፌሰር ኪም ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ መንጐ ክልቲአን ኮርያታት ዘሎ ምትፍናን ዘስግእ'ኳ እንተዀነ፡ ተንትነቲ ግን ክልቲአን ሃገራት ሕጂ ናብ ምሉእ ኲናት ናይ ምምራሕ ዘኸትሎ ሓደገኛ ሳዕቤን ይግንዘባ እየን- ይብሉ።
እቲ ሰፊሕ ስእሊኸ እንታይ ይመስል?
ክልቲአን ኮርያታት ኣብ 1953 ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን፡ ውዕል ሰላም ስለዘይፈረማ ብቴክኒካዊ ኣዘራርባ ገና ኣብ ውግእ እየን ዘለዋ።
ምስ ደቡብ ዳግማይ ምጥርናፍ ወትሩ ቀንዲ ስነ-ሓሳብ ሰሜን ኰይኑ፡ ኪም ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዳግማይ ምጥርናፍ ምስ ደቡብ ዝብል ከምዝገደፎ ዕላዊ ገይሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኪም ኣብ ትሕቲ ቭላድሚር ፑቲን ንሰሜን ኮርያ ናብ ሩስያ ዝጸግዓ ዘሎ ዀይኑ፡ ነተን ቀንዲ መሓዙት ደቡብ ኮርያ ዝዀና ኣመሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን ኣዀርዩወን ኣሎ።
ብተወሳኺ ሰሜን ኮርያ፡ ምስ ቻይና ዘለዋ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ርክብ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣገዳሲት መሓዛኣ ክትከውን ክኢላ ኣላ።
ድሕሪ'ቲ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ፍጻመ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብሰሉስ ኵሎም ወገናት ግጭት ካብ ዘጋሃህሩ ተግባራት ክቝጠቡ ጸዊዑ።
ኣብ ዞባ ሓውሲ-ደሴት ኮርያ ወጥሪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኣመሪካ ብምኽንያት ፕረዚደንታዊ መረጻ ገጻ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዘትኰረሉ እዋን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







