ሰሜን ኮርያዊ ዲፕሎማት ናብ ደቡብ ኮርያ ሰሊሙ

ሓወልቲ መራሕ ሰሜን ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኩባ ዓስኪሩ ዝጸንሐ ልዑል ስም ዘለዎ ሰሜን ኮርያዊ ዲፕሎማት ናብ ደቡብ ኮርያ ከምዝሰለመ ትካል ስለያ ደቡብ ኮርያ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣማኻሪ ፖለቲካ፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ናብ ደቡብ ኮርያ ዝሰለመ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ዲፕሎማት ሰሜን ኮርያ ምዃኑ ይእመን።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያ (NIS) ደቡብ ኮርያ ከምዝሓበሮ እቲ ዲፕሎማት ኣብ ሕዳር እዩ ሰሊሙ።

እቶም ካብ ሰሜን ኮርያው ዝስልሙ ዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ክሳዕ ዝወሃብ ኣዋርሕ ይወስድ'ዩ ምኽንያቱ ቅድሚ ናብ ሕብረተሰብ ደቡብ ኮርያ ምውህሃዶም ስልጠናታት ክወስዱ ኣለዎም።

ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ደቡብ ኮርያ ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ዝሰለመ ሰብ፡ ኣብ ኩባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሰሜን ኮርያ ሓላፍነት ፖለቲካ ጉዳያት ዝነበሮ ኣማኻሪ እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ'ዚ ግን ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያ ንቢቢሲ ኣየረጋገጸን።

ጋዜጣ ቾሱን ኢልቦ፡ ምስቲ ወዲ 52 ዓመት ሪ ኢል ኪዩ ዝበለቶ ዲፕሎማት ቃለመሕትት ክትገብር ከምዝኸኣለት ገሊጻ ኣላ።

"ብስርዓት ሰሜን ኮርያ ተስፋ ምቝራጽን ዝጸልመተ መጻኢን" ከምዝጠለመ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ስርሑ ኩባ ምስ ደቡብ ኮርያ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከይህልዋ ምዕንቃፍ ዘጠቓለለ ከምዝነበረ ይንገር።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ለካቲት፡ ክልቲኦም መንግስታት ወግዓዊ ዝምድናታት ፈጢሮም፡ እዚ ድማ ንፒዮንግያንግ ከም ምዕንቃፍ'ዩ ተራእዩ።

"ኵሉ ሰሜን ኮርያዊ እንተወሓደ ብዛዕባ ሓደ ግዜ ኣብ ደቡብ ኮርያ ምንባር ይሓስብ" ከምዝበለ እታ ጋዜጣ ትጠቅስ።

እቲ ናይ መወዳእታ ዝፍለጥ ልዑል ስም ዘለዎ ናብ ደቡብ ዝሰለመ ሰብ ኣብ 2016 ታ ዮንግ-ሆ እዩ።

ንሱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምክትል ኣምባሳደር ሰሜን ኮርያ ነበር ነይሩ።

ብሰንበት ደቡብ ኮርያ ንፈለማ እዋን ካብ ሰሜን ኮርያ ዝሰለሙ ዝምልከት ስነ-ስርዓት ኣኽቢራ'ያ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮል ኣብቲ ስነ-ስርዓት መደረ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሰሜን ኮርያ ዝስልሙ ሰባት ዝሓሸ ፋይናንሳዊ ደገፍን ንዝቘጽርዎም ኩባንያታት ድማ ምትብባዕ ግብሪን ከምዝወሃብ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ዓቃባዊ ዩን፡ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሙን ጃይ-ኢን ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያን ኣብ ሓፈሻዊ ፖሊሲ ወጻኢን ዝያዳ ድፍረት ዝመልኦ ኣካይዳ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኪም ዮንግ ኡን ዝግበር እገዳ ዝድግፍ ኰይኑ፡ ፒዮንግያንግ ንሴውል ከተጥቅዕ እንተዀይና ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ቅድመ መጥቃዕቲ ንምክያድ ቴክኖሎጂ ከምዘማዕብል ቃል ኣትዩ እዩ።

እዚ ዳሕረዋይ ጥልመት ኣብ መንጐ ክልቲአን ኮርያታት ዝያዳ ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን ነቲ ምስ ደቡብ ንምጥርናፍ ዝነበሮ ዕላማ ብወግዒ ከምዝሰሓበ ገሊጹ'ዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን ንሴኡል "ቍጽሪ ሓደ ጸላኢ" ኢሉ ከምዝገለጻ ይዝከር።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዶብ ትንኰያታት ተራእዮም'ዮም።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዶባተን ዝርከባ ከተማታት ፕሮፖጋንዳ ዘለዎ መልእኽቲ ዝገልጻ ባሎናት ከንሳፍፋ ጸኒሐን እየን። ኣብ መጀመርታ ሰነ ድማ፡ ሰሜን ኮርያ ምዕቡል ኒዩክለራዊ ርእሲ ሚሳይል ከምዝፈተነት ገሊጻ ነይራ።