ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ሓጹር ‘መንደቕ’ ትሃንጽ ምህላዋ ምስልታት ሳተላይት ኣቃሊዖም

ካብ ሳተላይት ዝተወሰደ ምስሊ

ሰሜን ኮርያ ኣብ ጥቓ ዶብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ብዙሕ ቦታታት መንደቕ ዝመስል ሓጹራት ትሃንጽ ከም ዘላ ሓደስቲ ምስልታት ሳተላይት ኣቃሊዖም።

ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተተንተነ ምስልታት እውን ኣብ ውሽጢ’ቲ - ዲ.ኤም.ዚ (ዲሚሊታራይዝድ ዞን) ብዝብል ዝፍለጥ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝዀነ ዞባ ዝርከብ መሬት ከም ዝተጸረገ የርእዩ።

እዚ ድማ ነቲ ምስ ደቡብ ኮርያ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ምጥሓስ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ።

እቲ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝዀነ ዞባ፡ ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ 4 ኪ.ሜ ዝስፍሓቱ ሞንጎኣዊ ከባቢ ዝሽፍን ኰይኑ፡ ውዕል ሰላም ፈሪመን ዘይፈልጣ ክልቲኤን ሃገራት ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልታዊ ኲናት ተጸሚደን ይርከባ።

እዚ ናይ ቀረባ እዋን ንጥፈት ሰሜን ኮርያ “ዘይተለምደ” ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ። ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝፍጸም ዘሎ።

“ኣብዚ እዋን’ዚ ሰሜን ኮርያ ወተሃደራዊ ህላወኣን ኣብ ዶብ ዘለዋ ዕርድታትን ከተሐይል ትጽዕር ከም ዘላ ጥራይ ኢና ክንግምት እንኽእል” ይብል ወኪል ናይቲ ኣብ ሴኡል ዝመደበሩ ፍሉይ መርበብ ሓበሬታ ኤን.ኬ.ኒውስ ዝዀነ ሽሬያስ ሬዲ።

እቶም ካብ ሳተላይት ዝተረኸቡ ምስልታት፡ ኣብ ጥቓ’ቲ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝዀነ ዞባ ዝተሃነጹ ብውሑዱ ሰለስተ ክፋላት የርእዩ። ብድምር ከኣ ኣስታት ሓደ ኪ.ሜ ይሽፍኑ።

ኣብ ካልእ ክፋላት ዶብ እውን ተወሳኺ ህንጸት ሓጹራት ተኻይዱ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድሚ ሕጂ ካብቲ ከባቢ ዝተወሰደ ዝለዓለ ንጽረት ዘለዎ ምስሊ ብዘይምህላዉ እቲ ህንጸት ዝጀመረሉ ዝተጀመረ እዋን ምፍላጥ ኣይተኸኣለን። ይኹን እምበር እዞም ሓጹራት ኣብ ሕዳር 2023 ኣብ ዝተቐድሐ ምስሊ ኣይረኣዩን።

ኣብ ሴኡል ኣብ ዝርከብ ትካል መጽናዕቲ ፖሊሲ ኣሳን፡ ክኢላ ወተሃደራውን ምክልኻልን ዶክተር ዩክ ያንግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ከም ውልቃዊ ገምጋመይ፡ ቦታታት ንምፍላይ ብዝብል ዕላማ ሓጹር ክሃንጹ እዚ ንፈለማ እዋን’ዩ” ኢሉ።

“ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ 1990ታት ሰሜን ኮርያ ምናልባት ኲናት እንተተላዒሉ ንገስጋስ ታንክታት ንምዕጋት ብዝብል መናድቕ ጸረ ታንክታት ኣዳልያ ነይራ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ሰሜን ኮርያ ካብ 2-3 ሜትሮ ቁመት ዘለዎም መናድቕ ተቕውም ኣላ። እዚኦም ከኣ ጸረ ታንኪ መናድቕ ኣይመስሉን” ይብል ዶክተር ያንግ።

ወሲኹ "ቅርጺ እቶም መናድቕ [ንታንክታት] ከም ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣይኰኑን፤ እኳ ደኣ ንሓደ ከባቢ ንምምቃል ዝዓለሙ ምዃኖም'ዩ ዘመልክት" ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ ብሸነኽ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝዀነ ዞባ (ዲኤምዚ) ናይ መሬት ምጽራይ ስራሕ ከም ዝተኻየደ ዝሕብር መርትዖታት እውን ኣሎ።

እቲ ካብ ምብራቓዊ ጫፍ ናይቲ ዶብ ዝተወሰደ ናይ ቀረባ እዋን ምስሊታት ሳተላይት፡ ሓድሽ ዝተሰርሐ መእተዊ መንገዲ ዝመስል ዘርእይ እዩ።

ሓደ በዓል ስልጣን ደቡብ ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ሰራዊት ሃገሩ ምስ “ምድልዳል ስልታዊ ጽርግያታት፣ ምቕባር ነተጉትን ምጽራይ ምድረበዳን” ዝተኣሳሰር ቀጻሊ ንጥፈታት ከም ዝረኣየ ገሊጹ።

"እቲ ምጽራይ መሬት ንወተሃደራውን ዘይወተሃደራውን መዳያት ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮርያ ፕሮፌሰር ኣህጉራዊ ድሕነት ኪል ጁ ባን።

እቲ ህንጸት ከይተኻየደን ምስተኻየደን ዘነጻጽር ስእሊ ሳተላይት
መግለጺ ስእሊ, እቲ ህንጸት ከይተኻየደን ምስተኻየደን ዘነጻጽር ስእሊ ሳተላይት

ሰሜን ኮርያ ብኣንፈት ደቡብ ኮርያ ንዝህሉ “ወተሃደራዊ ንጥፈታት ክትከታተል" ከምኡ'ውን "ዶብ ሰጊሮም ናብ ደቡብ ኮርያ ክኸዱ ዝፍትኑ ዜጋታታ ክትዕዘብ” ዘኽእልዋ መቖጻጸሪ ጣብያታት ክተቑም ከም ዘኽእል ኣረዲኡ።

“ኣብ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝኾነ ዞባ (ዲኤምዚ) ህንፀት ምክያድ ግን ዘይተለምደ ኰይኑ፡ ኣቐዲምካ ምምኽኻር ከይገበርካ ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ምጥሓስ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ይብል ኣብ ማእከል ስትራተጂካውን ኣህጉራውን መጽናዕትታት ላዕለዋይ ምክትል ፕረዚደንት ኤስያን ኮርያን ፕሮፌሰር ቪክቶር ቻ።

ኲናት ኮርያ ኣብ 1953 ብግዚያዊ ምቁራጽ ተኹሲ እዩ ተዛዚሙ።

ኣብ ውሽጢ ብሸነኽ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝዀነ ዞባ (ዲኤምዚ) ናይ መሬት ምጽራይ ስራሕ ከም ዝተኻየደ ዝሕብር መርትዖታት እውን ኣሎ።

እቲ ካብ ምብራቓዊ ጫፍ ናይቲ ዶብ ዝተወሰደ ናይ ቀረባ እዋን ምስሊታት ሳተላይት፡ ሓድሽ ዝተሰርሐ መእተዊ መንገዲ ዝመስል ዘርእይ እዩ።

ሓደ በዓል ስልጣን ደቡብ ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ሰራዊት ሃገሩ ምስ “ምድልዳል ስልታዊ ጽርግያታት፣ ምቕባር ነተጉትን ምጽራይ ምድረበዳን” ዝተኣሳሰር ቀጻሊ ንጥፈታት ከም ዝረኣየ ገሊጹ።

"እቲ ምጽራይ መሬት ንወተሃደራውን ዘይወተሃደራውን መዳያት ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮርያ ፕሮፌሰር ኣህጉራዊ ድሕነት ኪል ጁ ባን።

ሰሜን ኮርያ ብኣንፈት ደቡብ ኮርያ ንዝህሉ “ወተሃደራዊ ንጥፈታት ክትከታተል" ከምኡ'ውን "ዶብ ሰጊሮም ናብ ደቡብ ኮርያ ክኸዱ ዝፍትኑ ዜጋታታ ክትዕዘብ” ዘኽእልዋ መቖጻጸሪ ጣብያታት ክተቑም ከም ዘኽእል ኣረዲኡ።

“ኣብ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝኾነ ዞባ (ዲኤምዚ) ህንፀት ምክያድ ግን ዘይተለምደ ኰይኑ፡ ኣቐዲምካ ምምኽኻር ከይገበርካ ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ምጥሓስ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ይብል ኣብ ማእከል ስትራተጂካውን ኣህጉራውን መጽናዕትታት ላዕለዋይ ምክትል ፕረዚደንት ኤስያን ኮርያን ፕሮፌሰር ቪክቶር ቻ።

ኲናት ኮርያ ኣብ 1953 ብግዚያዊ ምቁራጽ ተኹሲ እዩ ተዛዚሙ።

ምስሊ ሳተላይት

ክልቲኦም ወገናት "ኣብ ውሽጢ፣ ካብ ወይ ኣንጻር እቲ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝዀነ ዞባ ዝኾነ ይኹን ተጻባኢ ተግባር ከይፍጽሙ" ቃል ኣትዮም። ግን ናይ መወዳእታ ናይ ሰላም ፍታሕ ኣይተገበረን።

ዳግማይ ምጥርናፍ ወይ ከም ሓንቲ ሃገር ምዃን ንዓመታት ትጽቢት ዘይግበረሉ ጉዳይ ኰይኑ እኳ እንተጸንሐ ኪም ጆንግ ኡን እውን ኣብ ቀረባ እዋን ሃገሩ ድሕሪ ደጊም ነዚ ህርፋን ዘይትሓስበሉ ምዃና ከም ዘቕበጸ ይፈለጥ።

ኪም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንደቡብ ኮርያ "ቀንዲ ጸላኢት" ክብል ከም ዝበየና ይዝከር።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ሰሜን ኮርያ ንሓድነት ክልቲአን ሃገራት ዝውክሉ ምልክታት ክተዕንው ተራእያ።

ከም ምፍራስ ሓወልትታትን ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታታት ዝነበሩ መወከሲታት ዳግመ-ውህደት ምድምሳስ ዝበሉ ስጉምቲታት ወሲዳ።

“ሰሜን ኮርያ ብሓቂ ካብ ደቡብ ዝመጽእ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ተወሳኺ ሓፁራት ኣየድልያን’ዩ። እንተዀነ ነዞም ዶባዊ መከላኸሊታት ብምትካል ዳግማይ ውህደት ከም ዘይትደሊ እያ ምልክት ተርእይ ኣላ” ይብል ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ሓላፊ ኤውሮጳውን ዓለምለኻውን መጽናዕትታት ዶክተር ራሞን ፓቸኮ ፓርዶ።

ኣብ ኦክስፎርድ ተመራማሪ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዶክተር ኤድዋርድ ሃውል፡ “ሰሜን ኮርያ ምስ ኣመሪካ ወይ ደቡብ ኮርያ ክትደራደር ድልየት ዘለዋ ክትመስል ኣይደለየትን። ነቲ ጃፓን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝርርብ ንክትሳተፍ ዝገበረቶ ፈተነታት ድማ ነጺጋቶ ኣላ” ይብል።

“ሰሜን ኮርያ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና እናደልደለ ኣብ ዝኸደሉ እዚ እዋን ኣብ መንጎ ኮርያውያን ዝፍጠር ምንዕዓብ እንተወሰኸ ክገርመና የብሉን” ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ።