ውጥን ምርኻብ ትራምፕን ፑቲንን ዘሻቐሎም መራሕቲ ኤውሮጳ፡ እንታይ ኢሎም?

ምንጪ ስእሊ, EPA
መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ምስ ሩስያ ዝካየድ ዝዀነ ይኹን ዝርርብ ሰላም ንኪቭ ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ ኣብ ኣላስካ ንምዝርራብ ይዳለው ከም ዘለው ይፍለጥ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ መራሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ፖላንድ፡ ፊንላንድን ኮሚሽን ኤውሮጳን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ "መገዲ ሰላም ዩክረይን ብዘይ ዩክረይን ክውሰን ኣይክእልን'ዩ" ኢሎም።
ዩክረይን ናብቲ ንዓኣ ዝምልከት ዝርርብ ሰላም ኣይትዕደምን'ያ ዝብል ስክፍታ ዘለዎ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኪቭ ከየሳተፍኻ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ስምምዓት "ምዉት ውሳነታት'ዩ" ክኸውን ኢሉ።
ትማሊ ቀዳም ኣጋምሸት፡ ሓደ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ ትራምፕ ምስ ክልቲኦም - ፑቲንን ዘለንስኪን - ስሉሳዊ ኣኼባ ከካይድ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ - ንሕጂ ግን ከምቲ ኣብ መጀመርታ መራሒ ሩስያ ዝሓተቶ ክልቲኦም ጥራይ እዮም ክራኸቡ ኢሉ።
ትራምፕ ኣቐዲሙ ምስ ፑቲን ጥራይ ብምርኻብ፡ ነቲ ዝርርብ ሰላም ከም ዝጅምሮ ገሊጹ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ምስ ክልቲኦም - ፑቲንን ዘለንስኪን - ስሉሳዊ ኣኼባ ንምውዳብ "ዕድል ኣለና'ዩ" ክብል'ዉን ተዛሪቡ።
ፑቲን በዚ ክሰማማዕ ድዩ ኣይሰማማዕን ንጹር ኣይኰነን።
ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሞስኮን ኪቭን ኣብ ስምምዕ ንክበጽሓ "ገለ ምልውዋጥ ግዝኣታት ክህሉ'ዩ" ክብል'ውን ሓሳብ ኣቕሪቡ - ነዚ ድማ ዘለንስኪ ጽኑዕ ግብረ መልሲ ሂቡ።
ንሱ ኣብ ቴሌግራም "ሩስያ ብዝፈጸመቶ ነገር ኣይክንሽልማን ኢና። ዝዀነ ኣንጻርና ዝውሰድ ውሳነ፡ ብዘይ ዩክረይን ዝውሰድ ዝዀነ ይኹን ውሳነ፡ ኣንጻር ሰላም ዝውሰድ ውሳነ'ውን'ዩ፡" ኢሉ።
ንሱ ወሲዅ፡ "ሩስያውያን... ሕጂ'ውን መሬት ዩክረይን ብመሬት ዩክረይን 'ምቕያር' ዝብል ሓሳብ ይደፍእሉ ኣለዉ፡ ሳዕቤናቱ ድማ ሩስያውያን ነቲ ኲናት ዳግማይ ንኽጅምሩ ዝያዳ ምቹእ መርገጺታት ዝህብ እንተዘይኰይኑ ካልእ ውሕስነት ዝህብ ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ዋይት ሃውስ፡ መሻርኽቲ ኤውሮጳውያን ሃገራት ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝርከብ መላእ ዞባ ዶንባስ ክትወስድ፡ ከምኡ'ውን ቅድሚ ሕጂ ንዝጐበጠታ ክሪሚያ ክትዕቅብ ዘጠቓልል ስምምዕ ክቕበላ ከእምን ይፍትን ከም ዘሎ፡ መሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ዝዀነ ሲቢኤስ ጸብጺቡ።
መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ኣህጕራዊ ዶባት ብሓይሊ ክቕየር የብሉን" ክብሉ ኣስሚሮምሉ።
"ዩክረይን ካብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዕጫ ንምውሳን ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣለዋ" ብምባል ኤውሮጳ ንዩክረይን ዝወሃብ ዲፕሎማስያዊ፡ ወተሃደራዊን ገንዘባውን ሓገዝ ዝቕጽል ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።
እቶም መራሕቲ፡ ንዩክረይን ንምሕላው ጥራይ ዘይኰነ፡ ንጸጥታ ኤውሮጳ'ውን "ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ" ወሳኒ ምዃኑ'ውን ገሊጾም።
ኣካል ኣኼባ ኣላስካ ክትከውን እትቃለስ ዘላ ዩክረይን ጥራይ ኣይኮነትን። መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ'ውን ኣብ ውጽኢት ናይቲ ትራምፕ ምስ ፑቲን ክበጽሖ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ጽልዋ ዘይብሎም ምዃኖም ስክፍታ ኣለዎም።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሩስያን ኣመሪካን ንኤውሮጳ ዘይምስታፈን ዝፈጠረሉ ስክፍታኡኣልዒሉ።
"ኤውሮጳውያን'ውን ናይ ግድን ኣካል ናይቲ ፍታሕ ክዀኑ እዮም፡ ምኽንያቱ ናይ ገዛእ ርእሶም ድሕነት ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ" ክብል ጽሒፉ።
ኤውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ሩስያ እገዳ ምግባርን ንዩክረይን ወተሃደራዊ ሓገዝ ምሃብን ሓዊሱ ኣብ ሞስኮ ተሪር መርገጺ ሒዛ ኣላ።
ዘለንስኪ ብቐዳም ምስ ማክሮን ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር "ሩስያውያን ዳግማይ ንዝዀነ ሰብ ከታልሉ ዝኽእልሉ ዕድል ከም ዘይረኽቡ" ምርግጋጽ ምዃኑ ገሊጹ።
"ኩላትና፡ ነቲ ኲናት ብሓቂ ክውዳእን ንኻልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘተኣማምን መሰረት ጸጥታን እዩ ዘድልየና" ኢሉ።
ምስ ኤውሮጳን ዩክረይንን ዘሎ ዲፕሎማሲ ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ትማሊ ቐዳም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምብጻሕ ብምግባር ምስ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ዴቪድ ላሚ ከምኡ'ውን ምስ ክልተ ላዕለዎት ሓገዝቲ ዘለንስኪ ዘትዩ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዘለንስኪ ኣንድሪ የርማክ ንቫንስ ስለቲ ዘተ ብምምስጋን፡ ዩክረይን ኣብቲ ፕረዚደንታት ኣመሪካን ሩስያን ዝገብሩዎ ዝርርብ ክትካተት ከም ዝግባእ ኣስሚሩሉ።
"እሙንን ነባሪን ሰላም ዝመጽእ፡ ዩክረይን ኣብ መኣዲ ድርድር ምስ እትህሉ ጥራይ'ዩ፤ ተኹሲ ደው ምባል ኣድላዪ'ዩ - እቲ ዶብ ግን ግንባር ኣይኰነን።"
እቲ ኣብቲ ሩስያ ኣብ 1867 ንኣመሪካ ዝሸጠቶ መሬት ኣላስካ ዝካየድ ዋዕላ፡ ጆ ባይደን ኣብ ሰነ 2021 ኣብ ጀነቫ ምስ ፑቲን ካብ ዝራኸብ ንደሓር፡ ኣብ መንጐ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ፕረዚደንታት ኣመሪካን ሩስያን ዝካየድ ናይ መጀመርታ ርክብ ክኸውን እዩ።
ኣብ 2022፡ ክረምሊን ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን - ዶኔትስክ፡ ሉጋንስክ፡ ዛፖሪዝዚያን ሄርሰንን - ምሉእ ቁጽጽር እኳ እንተዘይነበራ፡ ናብ ግዝኣቱ ከም ዝተሓወሳ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሞስኮ፡ ንዩክረይ ንሙሉእ ንሙሉእ ክትቈጻጸራ ኣይክለኣትን፤ እንተዀነ ሰፊሕ ክፋል ምብራቓዊ መሬት ዩክረይን ሒዛ እያ ዘላ። መጥቃዕትታት ዩክረይን ድማ ንሓይልታት ሩስያ ንድሕሪት ክደፍእ ኣይከኣለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







