እስራኤል፡ ከተማ ቓዛ ንምቍጽጻር ዘጽደቐቶ ውጥንን ዝፈጠሮ ቍጥዐን

ሰበይቲ ኣብ ዝዓነወ ኣባይቲ ቓዛ

ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ከተማ ቓዛ ንምቝጽጻር ዘኽእል ውጥን ከም ዘጽደቐ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ገሊጹ።

እዚ ዝጸደቐ ውጥን ነታ ኣብቲ ወሽመጥ ዝዓበየት ከተማ ቓዛ ንምቍጽጻር ይዅን እምበር፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቐዲሙ ንመላእ ወሽመጥ ቓዛ ክሕዞ ከም ዝደሊ ገሊጹ ነይሩ።

ነታ ከተማ ምሓዝ ማለት ግን ቀዳማይ ምዕራፍ ምሉእ ምቍጽጻር ቓዛ ክኸውን ከምዝኽእል ወኪል ቢቢሲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሁጐ ባቻጋ ይገልጽ።

እዚ ውጥን ኣብ መራሕቲ ሰራዊት እታ ሃገር ስክፍታ ከም ዝፈጠረ ዝንገር ዘሎ ኰይኑ፣ ስድራቤት ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን'ውን ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።

ነዚ መደብ ብትሪ ዝተቓወመ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ኢያል ዛሚር፡ "መጻወድያ" ከም ዘሎ ኣጠንቂቝ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብኛ መሓመድ ጣሃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓማስ ከም ገዛኢ በዓል መዚ ቓዛ ንምእላዩ ኣዝዩ ከቢድ ዕማም ከምዝኸውን ይገልጽ።

ንሱ፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እስራኤል፡ ንሓማስ ምሉእ ብምሉእ ንምእላይ ብሕጂ ክልተ ክወስድ ከም ዝኽእል ገምጋም ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ስድራቤታት እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ምስፋሕ መጥቃዕቲ መሊሱ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ነቶም ብህይወት ከምዘለዉ ዝእመነሎም 20 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ይገልጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ዝያዳ ሞትን ምፍንቓልን ሰብኣዊ ቅልውላን ፍልስጤማውያን ከስዕብ ዝኽእል ሓደገኛ ውጥን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንባዕላ ንእስራኤል እውን ዝያዳ ሓደጋ ተነጽሎ ከስዕበላ ከም ዝዀነ ስክፍታታት ይስማዕ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ መጀመርታ መጋቢት ኣብ ምብጻሕ ረድኤት ምሉእ እገዳ ኣንቢራ፣ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ነቲ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ ኣፍሪሳ፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ወተሃደራዊ መጥቃዕታ ዳግማይ ጀሚራ።

እቲ እገዳ ድሕሪ ዳርጋ ክልተ ኣዋርሕ ብኸፊል'ኳ እንተተቓለለ፡ ካብ ዓለምለኻውያን ክኢላታት ግን ጥሜት ይመጽእ ከምዘሎ መጠንቀቕታታት ተሰሚዑ፣ ሕጽረት መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳድን ከኣ እናገደደ መጺኡ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ 4 ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ከምዝሞቱ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ብሓሙስ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝሞቱ ሰባት 96 ህጻናት ዝርከብዎም 197 በጺሖም ኣለዉ።

እስራኤል ኣብ ቓዛ "ጥሜት የለን" ብምባል ነቲ ዝወርዳ ዘሎ ሰፊሕ ዓለማዊ ኵነኔ ትነጽግ ዘላ።

እቲ እስራኤል ባዕላ እተካይዶ ትካል ረዲአት ብሓሙስ፡ ብኢማራት፡ ጀርመን፡ ዮርዳኖስ፡ ቤልጅየምን ካናዳን ረዲአት ናብ ቓዛ ብኣየር ከምዝተደርበየ ገሊጹ።

ትካላት ረድኤት ግን፡ እቲ ብኣየር ዝድርበ ዘሎ ሓገዝ፡ ንዝርግሐ ሕጽረት መግቢን ሕጽረት ከም ነዳድን ሕክምናዊ ቀረብን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጸጋታት ንምቅላል ዘድሊ መጠን ከምዘይሽፍን ብቐጻሊ የጠንቅቓ።

እስራኤላውያን እንታይ ይብሉ?

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ እስራኤል ያየር ላፒድ፡ ካቢነ ጸጥታ እታ ሃገር ከተማ ንምቍጽጻር ዘጽደቘ ውጥን፡ "ንብዙሕ ተወሳኺ ሓደጋታት ዘስዕብ - 'ኣዕናዊ' ክብል ገሊጽዎ።

እዚ ሓሳብ፡ ሞት እቶም ዝተረፉ ጅሆን ሞት ብዙሓት ወተሃደራት እስራኤል ዘስዕብ ምዃኑ'ውን ይገልጽ።

ያየር ወሲኹ፡ እቲ ውጥን "ነቲ ካብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መሓውራት ዝቐረበ ርእይቶ ፍጹም ዝጻረር እዩ፡" ይብል።

ንሱ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ፡ ነቲ ካብቶም ሕሉፋት ኣኽረርቲ ምኒስተራት ኢታማር ቤን-ግቪርን ቤዛለል ስሞትሪችን ንዝመጽእ ጸቕጢ "ሰጊዱ" ብምባል ብትሪ ከሲስዎ።

እቶም ሕሉፋት የማናውያን ኣኽረርቲ፡ ምኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪርን ምኒስተር ፋይናንስ ቤዛለል ስሞትሪችን፡ ኣብ ወግዓዊ ዘረባኦም ግን ነቲ፡ ንፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ምስጓግን ኣይሁዳውያን ምስፋርን ዝብል - ምስ ግዱድ ምምዝባል ሲቪላት ዝቝጸርንን ገበን ኲናት ዝዀነን - ከምዘይድግፍዎ እዮም ዝገልጹ።

ያየር ላፒድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ያየር ላፒድ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓፈሻዊ ዳህሳስ ርእይቶ ህዝቢ ከምዘመልክቶ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ እስራኤል እቶም ጅሆ ዘለዉ ክፍትሑን እቲ ኲናት ክዛዘምን ምስ ሓማስ ስምምዕ ክብጻሕን ይድግፍ።

ብኣረኣእያ መራሕቲ እስራኤል ግን፡ ሓማስ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝወርድ ዘሎ ሰፊሕ ዓለማዊ ጸቕጢ ተተባቢዑ ፍናን ይስምዖ ስለዘሎ፡ ንኽዘራረብ ተገዳስነት ከምዘይብሉ እዩ።

ካብዚ ወጻኢ ግን፡ በዚ ውጥን ኣቢልካ ስግኣት ጐበጣ ምሉእ ቓዛ ብምፍጣር ንሓማስ ናብ ዝርርብ ክመጽእን ኣብቲ ዝቛረጸ ዘተ ሕድገታት ንኽገብርን ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ስትራተጂ ክኸውን ከምዝኽእል ገለ ግምታት ይስማዕ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ፡ ኣብ ምሉእ እቲ ኲናት ልፍንታዊ መንግስቲ ብምምስራት ዝደገፍዎ ሕሉፋት ኣኽረርቲ ምኒስተራት፡ ዝዀነ ምስ ሓማስ ዝግበር ስምምዕ እንተሃልዩ ካብቲ ልፍንቲ ክወጽኡ ምዃኖም ስለዘፈራርሑ፡ ብጸቕጢ ነቲ ኲናት ከናውሖ ከምዝጸንሐ ይኽሰስ።

ውጥን ድሕረ-ኲናት ቓዛ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክገልጽ ዘይስማዕ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ቅድሚ'ቲ ኣኼባ ካቢነ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እስራኤል፡ ንምቍጽጻር ቓዛ ን"ሓይልታት ዓረብ" ከተረክብ መደብ ከምዘለዋ ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ ኣየኖት ሃገራት ዝመስረታኦ ሓይሊ እዩ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምግባር 1200 ቀቲሉ፡ 251 ድማ ጅሆ ድሕሪ ምውሳዱ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኲናት ጀሚራ።

ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ተካይዶ ዘላ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ድማ ብውሕዱ 61,158 ፍልስጤማውያን ከምዝቐተሉ ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።

መንግስቲ እስራኤል ንቢቢሲን ካልኦት ዓለምለኻዊ ትካላት ዜናን ናብ ቓዛ ኣትዮም ጸብሳብ ከቕርቡ ኣይፈቅድን እዩ።

የሁዳ ኮሀን ኣብ ማእከል ካልኦት ኣባላተን ጅሆ ዘለዉ ስድራቤታት

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, የሁዳ ኮሀን ኣብ ማእከል ካልኦት ኣባላተን ጅሆ ዘለዉ ስድራቤታት

ኣቦ ሓደ ብሓማስ ተታሒዙ ዘሎ ጅሆ፡ ዝዀነ የሁዳ ኮሀን፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል መጥቃዕቲ ቓዛ ንምስፋሕ ምውሳኑ ንወዱ ኣብ ሓደጋ የእትዎ ከምዘሎ ብምረት ገሊጹ።

የሁዳ ንመደብ ኒውስደይ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንወደይን ካልኦት ብህይወት ዘለዉ ጅሆታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ፤ ነቶም ጅሆታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ስቓዮም ዘናውሕን'ዩ" ኢሉ።

ወዱ ኒምሮድ፡ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ዝተታሕዘሉ እዋን ወዲ 19 ዓመት'ዩ ነይሩ።

ኮሀን፡ ነታንያሁ "እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሞይቶም ክዀኑ ይመርጽ፣ምኽንያቱ ንዕኡ ካብ ጸቕጢ ስለዘገላግሎ" ክብል ይኸስስ።

ዝሓለፈ ሰሙን ነታንያሁ ንዅሎም እቶም ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ ጅሆ ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ "ብቐጻልን ብዘይምሕላልን ክቕጽል'ዩ" ኢሉ።

ዓለማዊ ምላሽ

ሰር ኬር ስታርመር

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ነቲ ብካቢነ ጸጥታ ዝወጸ ከተማ ቓዛ ዝግበር መጥቃዕቲ፡ ነቲ ዘሎ ኵነታት ዘጋድድ "ጌጋ" ውሳነ ምዃኑ ብምግላጽ ብቕልጡፍ ዳግማይ ክሓስበሉ ጸዊዑ።

"እዚ ስጕምቲ ነቲ ግጭት ንምዝዛምን ይዅን ነቶም ጅሆታት ንምፍታሕ ዝዀነ ይዅን ኣስተዋጽኦ ዝገበር ኣይኰነን" ብምባል ሰር ኬር ስታርመር፡ "መዓልታዊ ኣብ ቓዛ ንርእዮ ዘለና ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፣ ብሓማስ ዝተታሕዙ ጅሆ እውን ኣብ ዘስካሕክሕን ኢሰብኣዊን ኵታት ይርከቡ፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ሕጂ ዘድልየና ዘሎ ተዅሲ ደው ምባል፡ ምውሳኽ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ምፍታሕ ኵሎም ጅሆታት ነቲ ጉዳይ ብዘተ ብምፍታሕ እዩ፡ ዝበለ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ፡ "ሓማስ ኣብ መጻኢ ቓዛ ዝኾነ ተራ ክህልዎ ኣይክእልን'ዩ፡ ክወጽእን ዕጥቁ ክፈትሕን ኣለዎ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ኣስዒቡ፡ "ምስ መሓዙትና ብምዃን፡ ከም ኣካል ናይቲ ንነዊሕ ዝጸንሕ ውጥን ፍታሕ ክልተ ሃገራት፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምርግጋጽ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ብሩህ መጻኢ ንምዕዋት፡ ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።

"ክልቲኦም ወገናት ብጽቡቕ ድሌት ናብ ዘተ ከይመጽኡ ግን፡ እቲ ተስፋ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይጠፍእ ኣሎ።"

"መልእኽትና ንጹር'ዩ፡ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ይከኣል'ዩ፣ እንተኾነ ግን ክልቲኦም ወገናት ካብ መንገዲ ጥፍኣት ክርሓቑ ኣለዎም።"

ምኒስተር ሚያታ ፋህንቡለህ
መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ሚያታ ፋህንቡለህ

ኣቐዲማ ምኒስተር ጸጥታ ጸዓት እታ ሃገር መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እስራኤል ንከተማ ቓዛ ንምሓዝ ዘውጽኦ መደብ ግጉይ ውሳነ ምዃኑ ገሊጻ ነይራ።

"እቲ ውሳነ ጌጋ እዩ ኢልና ንኣምን። እዚ ነቲ ድሮ ዘይጽወር ኰይኑ ዘሎ ኵነታት ከጋድዶን ዝያዳ ደም ምፍሳስ ከስዕብን እዩ ኢልና ንሓስብ" ትብል ምኒስተር ሚያታ ፋህንቡለህ።

ንሳ ወሲኻ፡ "መንግስቲ እስራኤል ዳግማይ ክሓስበሉ ተስፋ ንገብር፡" ኢላ።

ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል፡ ዝያዳ ሓገዝ ክኣቱን "እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክልቀቍን" ቀዳምነት መንግስቲ ብሪጣንያ ምዃኑ ትዛረብ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ፔኒ ቮንግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ፔኒ ቮንግ

ውሳነ ምቍጽጻር ከተማ ቓዛ ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ተሪር ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ፡ ምስፋሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ሲቪላትን እስራኤላውያን ጅሆታትን "ኣሰቃቒ ሳዕቤን" ክህልዎ ምዃኑ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ፔኒ ቮንግ "ኣውስትራልያ፡ እስራኤል ነዚ መገዲ'ዚ ከይትኽተል ትጽውዕ፤ እዚ ነቲ ኣብ ቓዛ ወሪዱ ዘሎ ሰብኣዊ ዕንወት ዘጋድድ ጥራይ እዩ" ኢላ።

እታ ምኒስተር ብተወሳኺ፡ ቀዋሚ ግዱድ ምፍንቓል ህዝቢ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተዅሲ ደው ምባል፣ ሓገዝ ብዘይ ዕንቅፋት ክበጽሕ ምግባር፡ ሓማስ ድማ ነቶም ኣብ ጥቅምቲ 2023 ዝሓዞም ጅሆታት ክመልሶምን ዝገልጽ ነቲ ብተደጋጋሚ ብሃገራ ክቐርብ ዝጸንሐ ጻውዒት ኣስሚራትሉ።

"ህላወ ክልተ ሃገራት - ኣብ ውሽጢ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዶባት ብሰላምን ጸጥታን ጐድኒ ጐድኒ ዝነብራ - ሃገረ ፍልስጤምን ሃገረ እስራኤልን - ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ እቲ እንኮ ፍታሕ'ዩ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ምኒስተር ኣከባቢ ኣውስትራልያ ሙረይ ዋት እውን ኣቐዲሙ፡ መንግስቲ ሃገሩ "ንቓዛ ብሓይሊ ንምግዛእ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ብትሪ ይቃወሞ" ኢሉ ነይሩ።