ፑቲን፡ ዩክረይን ንጠለብ ሃገሩ እንተ ዘይኣማሊኣ ብሓይሊ ከም ዝፈትሖ ተሓንዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክረይን ጠለብ ሃገሩ ብዘማልእ ውዕል እንተ ዘይተሰማሚዓ፡ ሃገሩ ንዅሉ ዕላማታታ ንምዕዋት ከም እትቃለስ ገሊፁ።
ፑቲን ነዚ ዝበለ፡ ኣብቲ ንዶናልድ ትራምፕን ብኣመርካ ንዝዕብለል ዓለምን ስግኣት ዝዀነ ገዚፍ ወተሃደራዊ ምርኢት ቻይና ድሕሪ ምስታፉ እዩ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኲናት ዩክረይን ከብቅዕ ንመራሒ ሩስያ ከእምኖ እኳ እንተ ፈተነ፡ ፑቲን ግን "ንቕኑዕ ድሌት ትራምፕ" ካብ ምንኣድ ሓሊፉ ዝገበሮ ዋላ ሓደ የለን።
ዋና ፀሓፊ ምኒስተር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ጆን ሄለይ ኣብ ኪየቭ ምብፃሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ እቲ ፑቲን ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ክመፅእ ዝገበረ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊኡ ፀቕጢ ክገብር ከም ዝኽእል ንቢቢሲ ገሊፁ።
ከም ዓባይ ብሪጣንያ ዝበላ ሃገራት፡ "ኣብ ልዕሊ ፑቲን ቍጠባዊ ፀቕጥታት ንምግባር፡ ከምኡ'ውን ዩክረይ መኸተኣ ንኽትቅፅል ተወሳኺ ሓገዝ ንምሃብ፡" ፍቓደኛታት ከም ዝዀና ሓቢሩ።
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣላስካ ምስ ፑቲን ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ነቲ መራሒ ሩስያ ካብ ዓለምለኻዊ ተነፅሎ ኣውፂእዎ እዩ።
ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንኽረኽቦ'ውን ኣእሚንዎ ኣሎ።
ቭላድሚር ፑቲን ብረቡዕ፡ "ንኸምዚ ዓይነት ምርኻብ ኣይኣበኹን፣ ጠቓሚ ድዩ ግን - ንርእዮ፡" ኢሉ።
ከምዚ ዓይነት ምርኻብ ውፅኢት ንኽህልዎ ዝያዳ ምድላው ከም ዘድሊ ብምሕባር፡ ዘለንስኪ ናብ ሞስኮ ከይዱ ክረኽቦ ከም ዝኽእል ገሊፁ።
ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዩክረይን ግና፡ "ተቐባልነት ዘይብሉ" ሓሳብ ብምባል፡ ንዘረባ ፑቲን ብቕልጡፍ ነፂግዎ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ፑቲን ምስኡ ንምርኻብ ከም ዝተሓሰመ ብምግላፅ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቐባት ክገብርን ንሰራዊት ዩክረይን ዝያዳ ሓገዝ ክህብን ፀዊዑ።
ትራምፕ፡ መራሒ ሩስያ እቲ ኵናት ንኸብቅዕ፡ "መርገፅየይ እንታይ ከም ዝዀነ ይፈልጥ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብቲ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንፕረዚደንት ፑቲን መልእኽቲ የብለይን። ዘለኒ መርገፂ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ዝዀነ ውሳነ ድማ ክውስን እዩ፡ ኢሉ።
ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ሓያል ፀቕጢ ከም ዘይገበረ ካብ ጋዜጠኛ ብዝቐረበሉ ሕቶ ዝተቘጥዐ ትራምፕ፡ ህንዲ ካብ ሩስያ ንዝዓደገቶ ነዳዲ ማዕቐብ ብምግባር ካልኣይ ብርኪ ማዕቐባት ከም ዘንበረ ገሊፁ።
ኣብ ልዕሊ ሩስያ ካብዚኦም ዝኸበዱ ማዕቐባት ከገብር ከም ዝኽእል ኣአንፊቱ። ዋሽንግተን እንታይ ዓይነት ስጕምቲ ከም ትወስድ ግና ኣየብርሀን።
እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኵናት ኣብ ቀረባ እዋን ዘብቅዕ እንተ ኰይኑ፡ ኣብ በይጂንግ ብጋዜጠኛ ሃገራዊ ተለቪዥን ሩስያ ዝተሓተተ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብዚ እዋን ነገራት ከበድቲ ከም ዝዀኑ፣ እንተዀነ፡ እቲ ኵናት ከብቅዓሉ ዝኽእል ተስፋ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ፑቲን፡ "ብእምነተይ ሰባት ብጥበብ እንተ ተዋሲኦም፡ እዚ ኵናት ንኸብቅዕ ተቐባልነት ኣብ ዘለዎ ስምምዕ ምብፃሕ ይከኣል እዩ። እንተዘይኰይኑ ግና፡ ኵሎም እንደልዮም ንምዕዋት ወተሃደራዊ ሓይሊ ክንጥቀም ኢና፡" ኢሉ።
ሩስያ እቲ ወተሃደራታ ተቘፃፂረሞ ዝርከቡ ምብራቓዊ ግዝኣት ዩክረይን - ዞባ ዶንባስ - ንዩክረይን ከም ዘይትመልሰላ ድማ ገሊፁ።
እቲ መራሒ ሩስያ፡ ንዩክረይን ንምውራር ከም ምኽኒት ዘቕርቦም ክስታት ብምድጋም ድማ ዩክረይን ኣባል ኔቶ ክትኸውን እትገብሮ ፈተነን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ተወለድቲ ሩስያ እትፍፅሞ ኣድልዎን ደው ክተብል ይግባእ ኢሉ።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ከም ዝፈፀመት ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







