ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ኣብ ኣቡዳቢ ስሉሳዊ ዘተ ከካይዳ'የን
ሎሚ ዓርቢ ተዛተይቲ ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክዘራረቡ ምዃኖም ተገሊጹ።
እዚ፡ ሞስኮ ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር ሰለስቲአን ሃገራት ዝሳተፋሉ ናይ መጀመርታ ኣኼባ እዩ።
ክረምሊን፡ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ልኡኻት ኣመሪካን ኣብ ሞስኮ ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ሰበስልጣን ሩስያ ኣብቲ ኣብ ኣቡዳቢ ዝካየድ ዝርርብ ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።
ሩስያ ነቶም ዝርርባት "ብዅሉ መዳይ ጠቐምቲ" ክትብል'ኳ እንተገለጸቶም፡ ጕዳያት ግዝኣታዊ ምሕደራ ክሳብ ዘይተፈትሑ ግን ነዊሕ ዝጸንሕ ስምምዕ ሰላም ክብጻሕ ከም ዘይክእል ገሊጻ።
ዘለንስኪ ኣቐዲሙ ኣብ ዓለማዊ ቍጠባዊ መድረኽ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ መሓዙት ኤውሮጳውያን ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ "ፖለቲካዊ ድሌት" የብለንን ክብል ነቒፉ።
ኣብቲ ብሓሙስ ምሸት ምስ ፑቲንን ካልኦት ክልተ ኣማኸርቲ ሩስያን ዝተኻየደ ርክብ፡ ስቲቭ ዊትኮፍ ዝርከብዎም ሰለስተ ወከልቲ ኣመሪካን ሰብኣይ ጓሉ ንዶናልድ ትራምፕ ጃረድ ኩሽነርን ተረኺቦም ነይሮም።
ኣማኻሪ ክረምሊን ዩሪ ኡሻኮቭ፡ እቲ ዝርርብ "ክውን፡ ሃናጽን ኣዝዩ ግሉጽን" ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ግዝኣታዊ ጕዳያት ከይተፈትሐ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ነባሪ ሰላም ክብጻሕ ከም ዘይከኣል ደጊሙ ገሊጹ።
"እዚ ክሳብ ዝዕወት፡ ሩስያ ዕላማታት እቲ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ክትቕጽሎ'ያ፡" ኢሉ።
ኡሻኮቭ ወሲኹ፡ ሩስያ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ "ልባዊ ተገዳስነት" ከም ዘለዋ ኣስሚሩሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣላስካ ኣብ መንጐ ትራምፕን ፑቲንን ዝተኻየደ ዋዕላ ብምውካስ፡ "ብመሰረት እቲ ኣብ ኣንኮራጅ ዝተሰማምዑሉ ቀመር ነቲ ግዝኣታዊ ጉዳይ ከይተፈትሐ፡ ነዊሕ ዝጸንሕ ፍታሕ ክረጋገጽ'ዩ ዝብል ተስፋ የለን፡" ኢሉ።
ዊትኮፍ፡ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሩስያ ከም ኣካል ናይቲ ክህሉ ዝኽእል ስምምዕ ሰላም፡ ኣመሪካን ኤውሮጳን ንዩክረይን "ድልዱል" ውሕስነት ጸጥታ ክህባ ክትፈቕደለን ከም ዝተሰማምዐት ገሊጹ ነይሩ።
ዘለንስኪ ኣብ ዳቮስ ምስ ትራምፕ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ቅድሚ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዝካየድ ዝርርብ፡ መጻኢ ኵነታት መሬት ምብራቓዊ ዩክረይን ዘይተፈትሐ ጕዳይ ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ብንጹር ገሊጹ።
"ኵሉ ብዛዕባ መሬት'ዩ። እዚ ጕዳይ'ዚ ገና ኣይተፈትሐን" ክብል ዘለንስኪ ኣብ ዳቮስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።
"ዩክረይን ጥራይ ዘይኰነት፡ ሩስያውያን'ውን ሕድገት ንምግባር ድሉዋት ክዀኑ ኣለዎም፡" ኢሉ።
ሩስያ፡ ዩክረይን ነቲ ክሳብ ሕጂ ኪቭ እትቈጻጸሮ ዘላ 25% ዞባ ዶነስክ ክትገድፎ ትሓትት።
ሓላፊ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ዩክረይን ሩስተም ኡመሮቭ ድሮ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ምስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዘለንስኪ ኪሪሎ ቡዳኖቭን ተዛታዪ ደቪድ ኣራካምያን ኣብ ዳቮስ ይዘራረብ ነይሩ።
ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሓላፊ ሓፈሻዊ ስታፍ ኣንድሪ ህናቶቭ ክጽንበሮም እዩ።
ብወገን ሩስያ፡ ብዳይረክተር ወተሃደራዊ ስለያ ትካል ሩስያ ጀነራል ኢጎር ኮስትዩኮቭ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ኣቡዳቢ ዝካየድ ዘተ ክሳተፍ እዩ።
ልኡኽ ኢንቨስትመንት ኪሪል ዲሚትሪየቭ ድማ ምስ ዊትኮፍ ብፍሉይ ተራኺቡ ኣብ ቍጠባዊ ጕዳያት ክዘራረቡ እዮም።
![ሓበራዊ ምስሊ ፕረደዚንት ዩክረይን [ጸመም] ዘለንስኪን ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲንን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/c27b/live/2b4ae100-f813-11f0-b385-5f48925de19a.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, VYACHESLAV PROKOFYEV/SPUTNIK/KREMLIN POOL/EPA/Shutterstock/Reuters
ዘለንስኪ፡ እቲ ኣብ ዝለሓፈ ወርሒ ብኣመሪካ ዝተዳለወ 20 ነጥቢታት ዝሓዘ ውጥን 90 ሚእታዊት ድልው እኳ እንተዀነ፡ ዩክረይን ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን እትርከብ ዶንባስ ዘለዋ መርገጺ ካብ ናይ ሩስያ ዝተፈልየ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ፡ ሩስያ ከምኡ እንተገይራ፡ ኣብ ዶንባስ ቁጠባዊ ዞባ ንምፍጣር ካብቲ ዞባ ክሳብ 40 ኪ.ሜ ሰራዊቱ ክስሕብ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ዶንባስ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ቦታ ዩክረይን ዘቕረበቶ እማመ፡ ንኪቭ ውሕስነት ጸጥታ ንምሃብ፡ ካብ ወተሃደራዊ ስርዓት ወጻኢን ነጻ ቁጠባዊ ዞባን ክህሉ እዩ ትብል።
ዘሌንስኪ ብተወሳኺ ኣብ ዳቮስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መጻኢ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ውሕስነት ጸጥታ ምስ ትራምፕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
እዚ ቅድሚ ምፍራሙ ግን ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ኣመሪካን ባይቶ ዩክረይንን ክቐርብ ከም ዘድሊ ገሊጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







