ትራምፕ ልዕልነት ጸዓዱ ዘንጸባርቕ መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ኣቃሊሑ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓደ ደጋፊኡ ልዕልነት ጸዓዱ ዝሰብኽ ጭርሖ ዓው ኢሉ እንትምድር ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ስእሊ (ቪድዮ) ኣብ ትዊተሩ ኣቃሊሕዎ።

እቲ ደጋፊኡ 'ልዕልና ጸዓዱ ንዘልኣለም ይንበር' ዝብል መልእኽቲ ከሕልፍ እዩ ዝስማዕ።

ኣብ ፍሎሪዳ ንትራምፕ ኣብ ዝተገበረ ናይ ድጋፍ ሰልፊ እዩ፡ እቲ ናይ ትራምፕ ደጋፊ ነዚ ጭርሖ ኣስሚዑ።

"ዋይት ፓወር" ዝብል ቃል ብልዕልና ጸዓዱ ዝኣምኑ ጽንፈኛታት ዝጥቀምሉ ሓረግ ኮይኑ፡ ጸዓዱ ልዕሊ ኩሎም ዓሌታት ስለዝኾኑ፡ ንኻልኦት ዓሌታት ክገዝኡ ኣለዎም ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ቪድዮ ኣብ ትዊተሩ ምስዘርገሐ፡ ዓሌታዊ መልእኽታት ብምቅላሕ ጽንፈኛታት ጸዓዱ ክመርጽዎ እዩ ዝፍትን ዘሎ ብዝብል ተነቒፉ።

ውሃቢ ቃል ናይ ትራምፕ ግን፡ ትራምፕ ነዚ መልእኽቲ ከይሰምዐ እዩ ኣቃሊሕዎ ኢሉ።

ዶናልድ ትራምፕ ምስቲ ካብ ካልኦት ተቐቢሉ ዝዘርገሖ ቪድዮ፡ ነቶም ደገፍቱ ዘመስግን ጽሑፍ'ውን ጠቂዑ እዩ።

ትዊተር ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Twitter

ትራምፕ ነዚ ቪድዮ ጸኒሑ ካብ ትዊተሩ ኣልዩዎ።

ኣብቲ ትራምፕ ዝዘርገሖ ቪድዮ ከምዝረኣይ፡ እቲ ኣብ ንእሽቶ ተሽከርካሪት ኮፍ ኢሉ ዝጭርሕ ዝነበረ ደጋፊ ትራምፕ "ጻዕዳ ንሓዋሩ ይግዛእ። ልዕልነት ጸዓዱ ይዓምብብ" ክብል ይስማዕ።

ነቶም ብማዕዶ ኮይኖም "ነውራም" ክብሉ ዝጸርፍዎ ሰባት'ውን ክመላለሶም ይረኣይ።

ትራምፕ ኣዘራረብቲ ዝኾኑን ዓሌታዊ መልእኽቲ ዝሓዘሉን መልእኽታት ክዝርግሕ፡ እዚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።