ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ “ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ" ተባሂሉ

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታተ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብናህሪ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ይግለጽ፤ ብፍላይ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከባ ግዝኣታት ድማ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ድማ፡ ካብተን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብናህሪ ዘስፋሕፍሓለን ዘሎ ግዝኣታት ኮይና ምህላዋ ተገሊጹ።

መራሒ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ግሬት ኣቢት “እዚ ለበዳ ዘይተጸበናዮን ሓደገኛ መስመርን ሒዙ ኣሎ” ኢሉ።

ግሬት ኣቢት ብምስዓብ፡ ኣብታ ግዘኣት ኣብ መዓልቲ ክልተ ሽሕ ዝልከፉ ዝነበሩ፡ ኣብዚ ግዜ ግን እቲ ቁጽሪ ናብ ሓሙሽተ ሽሕ ክብ ኢሉ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣብ መላእ ኣሜሪካ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ክልተ ሚልዮንን ፈረቓን በጺሑ ኣሎ፡ ካብዚኦም ድማ ሞት ኣስታት 125 ሽሕ ተመዝጊቡ ኣሎ፡ እዚ ድማ ብብዝሒ ምውታትን ብብዝሒ ዝተለኸፉን ንኣሜሪካ ኣብ ቅድሚት ሰሪዕዋ ኣሎ።

ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከባ ግዝኣታት ካሊፎርንያ፤ ቴክሳስን ፍሎሪዳን እየን እተን ዝያዳ ተሃስየን ዘለዋ።

ብሰንኪ እዚ፡ እተን ናይ ምንቅስቃስ እገዳታት ኣላሕሊሐን ዝነበራ ግዝኣታት ዳግማይ ናብ ዕጽዋ ክምለሳ ተገዲደን ኣለዋ።

ኣብ ቴክሳስ እቲ ቁጽሪ መልከፍቲ ብኸምዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ መሐከሚ ዝኸውን ሆስፒታላት'ውን ክርከብ ከምዘይክእል'ዩ ስግኣታት ፈጢሩ ዘሎ።

ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ መንግስቲ ንግዝኣት ቴክሳስ ክሕግዝ ድሉው ምህላዉ ብምግላጽ “ቴክሳሳውያን በጃኹም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫ ተጠቐሙ” ብምባል ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ።

ኣብ ኣሜሪካ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘገድድ ሕጊ ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ሕጊ ንምቅዋም ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ቴክሳስ ዝኾነት ከተማ ኦስትን’ውን ነቲ ሕጊ ብምቅዋም ሰባት ሰለማዊ ሰልፊ ገይሮም እዮም።

ኣብ ቴክሳስ ብሰንኪ እቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ መጠን ሙቐት፡ ሰባት ነብሶም ንምዝሓል ናብ ገማግም ብብዝሒ ክኸዱ ይርኣዩ እዮም፡ እዚ ዝፈጠሮ ምትንኻፍዶ መልከፍቲ ንኽውስኽ ጠንቂ ኮይኑ ይኸውን ዝብል ሕቶ ድማ ኣልዒሉ ይርከብ።