ኣብ 'ዩቱብ' ንንጉስ ዝጸረፈ ሞሮኳዊ 4 ዓመት ተፈሪድዎ

ምንጪ ስእሊ, Youtube
መሓመድ ሴካኪ፡ ኣብ 'ዩቱብ' ብዝዝርገሖም ቪድዮታት ውሩይ ዝኾነ ሞሮኳዊ እዩ። ንሱ ዝሰርሖም ቪድዮታት፡ ኣሸሓት ሰባት እዮም ዝርእይዎም።
ንሱ፡ ንንጉስ እታ ሃገር ብምጽራፍ ገበነኛ ተባሂሉ ስለዝተፈርዶ፡ ማእሰርቲ ኣርባዕተ ዓመትን 4000 ዶላር መቕጻዕቲ ገንዘብን ተበይንዎ።
መሓመድ ሴካኪ ንዘረባታት ናይቲ ንጉስ ብምንቃፉን ንሞሮኳውያን "ኣእዱግ" ኢሉ ብምጽራፉን እዩ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ወርሒ ተኣሲሩ።
መሓመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ ብይን ብምቅዋም ይግባይ ክሓትት መደብ ኣለዎ።
ካልእ ሓደ ሞሮኳዊ ጋዜጠኛ እውን ኣብ ትዊተር ንዳኛ ብምጽራፉ ኣብ ማእሰርቲ እዩ ዘሎ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ሞሮኮ ናጽነት ውልቀሰባት ናብ ሓደጋ እናኣተወ ይመጽእ ኣሎ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንጉስ ሞሮኮ፡ መሓመድ ሻድሻይ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2011 ዘጋጠመ 'ብቐውዒ ዓረብ' ዝፍለጥ ናዕቢታት፡ ገለ ካብ ስልጣኑ ናብ ዝተመረጸ መንግስቲ ኣሕሊፉዎ እዩ።
እንተኾነ ግን፡ ሕጂ'ውን ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ናይታ ሃገር ገባርን ሓዳግን ንሱ እዩ ይብሉ ተንተንቲ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







