ከይዲ ክሲ ዶናልድ ትራምፕ ንክትርድኡ ዘኽእሉ ሓሙሽተ ወሰንቲ ሕቶታት

(ካብ ፀጋም ናብ የማን) ኣብ ሰኔት መራሒ ዲሞክራት ቸክ ሹመር፣ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን፡ ኣብ ሰኔት መራሒ ሪፐብሊካን ሚች ማክኮኔልን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, (ካብ ፀጋም ናብ የማን) ኣብ ሰኔት መራሒ ዲሞክራት ቸክ ሹመር፣ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን፡ ኣብ ሰኔት መራሒ ሪፐብሊካን ሚች ማክኮኔልን

ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ሳልሳይ ፕረዝደንት ካብ መዝነቱ ብክሲ ንክእለይ፡ ከይዲ ክሲ ተጀሚሩ ኣሎ።

እዚ ከይዲ ክሲ ንፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ መዝነቱ ካብ ምውጋድ ሓሊፉ፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ዝድርብዮ እውን ክኸውን ይኽእል።

ከይዲ መጋባእያ ናይ ትራምፕ ካብ ስልጣን ምልዓል (ኢምፒችመንት)፡ ብቐሊሉ ንክትርድኡ ዝሕግዙ ሓሙሽተ ሕቶታት ድማ ተመሊሶም ኣለዉ።

1)'ኢምፒችመንት' እንታይ እዩ?

'ክሲ' ዝብል ቃል ክትክኦ ይኽእል እዩ።

እዚ ማለት፡ ኣብ ወንበር ስልጣን ዝርከቡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ፡ ገበን እንትፍፅሙ፡ ተሓተትቲ ዝኾኑሉ፡ ስርዓት ሕጊ ወይ ድማ ከይዲ እዩ።

ብመሰረት እዚ ድማ፡ ፕረዝደንት ትራምፕ፡ ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ 'ኢምፒች' ከምዝተገበረ ይዝከር። እዚ ማለት ጉዳይ ትራምፕ ካብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ናብ ሰኔት ተመሓላሊፉ ኣሎ ማለት እዩ።

ትራምፕ በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ተሓታቲ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ድማ፡ ሰኔት ኣሜሪካ እዩ ውሳነ ዝህብ።

2) ትራምፕዝቐረበሉ ክሲ እንታይ እዩ?

ትራምፕ ብኽልተ ዓንቀፃት እዩ ክሲ ቀሪብሉ ዘሎ፤ ማለት እውን 'ኢምፒች' ተገይሩ።

እቲ ፈላማይ ክሲ፡ እቲ ፕረዝደንት ስልጣኑ ብዘይግቡእ ተጠቒሙ ዝብል እንትኸውን፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ 'ስራሕ እቲ ቤት-ምኽሪ ኣዐንቂፉ' ዝብል እዩ።

ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብ 2020 ክምረፀሉ ዝኽእል ዕድል ንምስፋሕ፡ ኣብ መነሓንሕቱ ጆ ባይደን ምርመራ ንኽካየድ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዝደንት ዩክሬን ፀቕጢ ገይሩ ብዝብል እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

ጆ ባይደን ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ እንከሎ፡ ወዱ ኣብ ዩክሬን ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ወፊሩ ነይሩ።

በዚ ድማ ትራምፕ ንመናሓንሕቱ ከኽስር ዝኽእል መረዳእታ ንምርካብ፡ ስልጣን ብግቡእ ብዘይምጥቃም ኣብ ልዕሊ ፕረዝደንት ዩክሬን ፀቕጢ ገይሩ እዩ ዝብል እቲ ክሲ።

እቲ ካልኣይ ክሲ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ንዝግበር ምርመራ መረዳእታ ንምሃብ ብዘይምትሕብባሩ፡ ስራሕ ቤት-ምኽሪ ኣተዓናቒፉ ኣብ ዝብል እውን ድምፂ ተዋሂቡ እዩ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ግና ንዝቐረበሉ ክሲ ኣይቕበሎን።

3) ካብቲ ሰኔ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣብ ውሽጢ እቲ ሰኔት፡ ዝርከቡ መራሒ ሪፓብሊካን ሚች ማክኮኔልን መራሒ ዲሞክራት ቸክ ሹመርን፡ ከይዲ እቲ መጋባእያ ወይ ድማ ክሲ ዝውስኑ፡ ወሰንቲ ኣባላት እዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ እቶም መረዳእታታት ነቲ ሰኔት ብምንታይ ዓይነት መልክዕ ይቐርቡ? ተኣማንነት መሰኻኽር'ኸ ብኸመይ ይስምዑ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት፡ ቀዲሞም ክሰማምዑ ይግባእ።

ትራምፕ ጥፍኣተኛ እዩ ንምባልን ካብ ስልጣን ንምእላየን፡ 2/3 ድምፂ እቲ ሰኔት የድልይ። እዚ ማለት ካብ 100 ወንበራት (መቐመጢ) እቲ ሰኔት እቶም 67 ፡ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ናይ ጥፍኣተኛ ውሳነ ከሕልፉ ይግባእ።

መሻርኽቲ ትራምፕ ዝኾኑ ሪፐብሊካን፡ ኣብቲ ሰኔት ዓብላሊ ዝኾነ 53 መንበራት ይሕዙ።

መነሓንሕቲ ትራምፕ ዝኾኑ ዲሞክራትስ ድማ 47 መናብር ጥራሕ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተመስረተ ክሲ፡ ውድቂ ክኸውን ከምዝኽእል ብዙሓት ይግምቱ።

እንተድኣ ካብ ግምት ወፃኢ ኮይኑ፡ ትራምፕ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ተረኺቡ ግና፡ ካብ ስልጣን ተባሪሩ፡ ምኽትል ፕረዝደንት ማይክ ፔንስ ነቲ ስልጣን ይርከብ።

በዚ ጥራሕ እንከይተወሰነ፡ ጉዳይ ትራምፕ ብመንፅር ገበን ተራእዩ፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ እውን ከምርሕ ይኽእል።

4) ትራምፕ ኣብ ቅድ ሰኔ ቀሪቡ ክከላኸል'ዶ ይኸውን?

ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰኔት ቀሪቡ፡ መከላኸሊ ምቕራብ ይኽእል እዩ። ይኹን'ምበር ጠበቕኡ፡ ኣብ ቅድሚ ሰኔት ክቐርብ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ኣይግበርን።

ትራምፕ፡ ምክትል ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ኣብ ቅድሚ እቲ ሰኔት ቀሪቡ ንክምስክረሉ ድልየቱ እንትኸውን፡ ዲሞክራት ድማ ሓላፊ ድሕንነት ነበር ጆህን ቦልተን ሓዊሱ፡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ዋይት ሃውስ ቃሎም ንክህቡ ይደልዩ።

5) እዚ ጉዳይ መዓዝ እዩ ከብቅዕ?

ዋላ እኳ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝኾነ ክዛረብ እንተዘይከኣለ፡ ከይዲ እቲ ክሲ ግና ንሰሙናት ክቕፅል ይኽእል እዩ። ክሲ ቢን ክሊንተን ኣርባዕተ ሰሙናት ወሲዱ እዩ።

ዲሞክራትስ ብዝተኽኣለ መጠን እቲ ክሲ ተሎ ዕልባት ክረክብ እዩ ድልየቶም። ምኽንያቱ ኣብ መረፃ 2020 ንዲሞክራት ወኪሉ ዝወዳደር ሕፁይ ክመርፁ ስለዝደልዩ።