ፕሬዚደንት ናይጀርያ ብዛዕባ 'ጸያፍ' ቃላት ትራምፕ ተሓቲቱ

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ንሃገራት ኣፍሪቃ 'ረስሓት' ኢሉ ምጽራፉን ዘይምጽራፉን ኣካል ዘተ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ከምዘይነበረ ገሊጹ።

ዶናልድ ትራምፕ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ካብ ዝስየም ንደሓር ዋይት ሃውስ ዝረገጸ ፈላማይ መራሒ ኣፍሪቃ ፕሬዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ 'ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ንሃገራት ኣፍሪቃ ረስሓት ኢሉ ምጽራፉ ሓበሬታ ኣለካ'ዶ?' ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ ነይሩ።

ፕሬዚደንት ቡሃሪ ኣብ ምላሹ " ትራምፕ ምባሉን ዘይምባሉን ርግጸኛ ስለዘይኮንኩ ኣብዚ ጉዳይ ስቕታ ይመርጽ" ኢሉ።

ትራምፕ ብወገኑ "ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ምስ ፕሬዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ ኣየውጋዕናን" ክብል መሊሱ።

ፕሬዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ ምስ ምስ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ ምስ ምስ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ

"ፕሬዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ ካበይ ከምዝመጻኹን መንነተይን ይፈልጥ'ዩ" ዝበለ ፕሬዚደንት ትራምፕ " ግን ድማ ንኽትነብረለን ዘጽላኣኻ ቅርጺ ኣልቦ ሃገራት ኣለዋኹም'የን" ብምባል ነቲ ቅድሚ ሕዚ ዝቐርበሉ ዝነበረ ክሲ ዘረጉድ ዘረባ ወስ ኣቢሉ'ዩ።

ሃገሩ ኣሜሪካ እትኽተሎ ሕጊ ስደተኛታት ድኹሙን ምስ ግዚኡ ዘይኸይድን ከምዝኾነ'ውን ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ኣሜሪካ፡ ናይጀርያ ንቦኮሓራም ንምውጋእ ዘኽእልኣ ኣስታት 5 ምኢቲ ምልዮን ዶላር ዝዋግአን 12 ነፈርቲ ውግእ ከምዝሸጠትላ ዝፍለጥ'ዩ።

ዕጡቓት ቦኮሓራም

ምንጪ ስእሊ, Boko Haram

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ቦኮሓራም

ኣሜሪካ ቅድሚ ሕዚ ንናይጀርያ ነፈርቲ ውግእ ክትሸይጥ ድሌት ከምዘይብላ ብወግዒ ኣፍሊጣ ምንባራ ዝዝከር'ዩ። ቀንዲ ምኽንያታ ድማ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ሓቢራ ነይራ።

ሰበ ስልጣን ናይጀርያ እምነቶም ብዘየገድስ ህይወት ንጹሃት ዜጋታት ከምዘውሕሱ ተስፋ ከምዘለዎ ትራምፕ ገሊጹ።

"ብዛዕባ ዝተቐተሉ ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ሕቶ ነይሩና'ዩ" ዝበለ ፕሬዚደንት ትራምፕ " ኣብዚ ጉዳይ ጠንኪርና ብቐረባ ክንሰርሕ ኢና" ብምባል ኣብታ ሃገር ተደጋጋሚ ዘጋጥሙ ቅትለታት ሃገሩ ከምዘተሓሳስባ ኣፍሊጡ።

ቃልሲ ግብረ ራዕዲ ቀንዲ ዋኒን ሃገራት ኣሜሪካን ናይጀርያን ከምዝኾነ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

ፕሬዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ ኣብ ሃገሩ ብሰንኪ ዕጡቕ ቦኮሓራም ቅሳነትን ራህዋን ከምዘይብሉ ዝፍለጥ'ዩ።