"ጆርጅ ፍሎይድ፡ እታ እንኮ ገበኑ ጸሊም ምዃኑ ጥራይ እያ"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ መላእ ዓለም ዓሌታዊ ኣድልዎታት ደው ክብል ዓውዒት ቀሪቡ።
ኣብቲ ኣብ ሆስቶን ቴክሳስ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ቀባሮ ኣብ ሓደ መስምር ብምስራዕ 'ጆርጅ ፍሎይድ ጸሊም ኮይኑ ስለዝተወደ ጥራይ'ዩ ገበነኛ ተባሂሉን ተቐቲሉን' ኢሎም።
ጆርጅ ፍሎይድ ሓደ ዓዕዳ ፖሊስ ብብርኩ ኣብ ክሳዱ ንነዊሕ ደቃይቕ ምስረገጾ እዩ ሞይቱ።
ኣብ ቅትለት ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ኢድ ኣለዎም ዝተባሃሉ ኣርባዕተ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ፍርዶም ይጽበዩ ኣለዉ።
ኣስክሬን ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሆስቶን ጋርድን ኣብ ጎኒ ኣዲኡ እዩ ሓመድ ለቢሱ።

ምንጪ ስእሊ, @jmilleresq
ሓንቲ ካብ ደቂ ሓፍቱ ንጆርጅ ፍሎይድ ዝኾነት ብሩክ ዊልያምስ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ ሕጊ ኣሜሪካ ንጸለምቲ ረብሓ ዘንፍግ እዩ ኢላቶ።ንሳ ብምስዓብ "እቲ ሕጊ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ደው ከይንብል ዝጉዕጽጽ እዩ፡ እዚ ከኣ ክቕየር ኣለዎ፡ በጃኹም ኣብ ዓሌት ዝተሞርኮሰ መጥቃዕቲ ደው ይበል፡ ሓደ 'ንኣሜሪካ ዳግማይ ናብቲ ዓቢ ስማ ንምለሳ" ኢሉ ነይሩ መዓስ'ዩ ኣሜሪካ ዓቢ ስም ነይርዎ?" ኢላ።
ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ናይ ኣሜሪካ ንሰልፊ ዲሞክራትስ ወኪሉ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዝወዳደር ጆ ባይደን ብቪድዮ ኣብ ዝልኣኾ መልእክቲ ነቶም ኣብ ቀብሪ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተሳተፉ ተሰሚዑ ነይሩ።
ጆ ባይደን "ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ፍትሒ እንተረኺቡ፡ ኣብ ኣሜሪካ ፍልልይ ናብ ዘይብሉ ፍትሒ ነምርሕ ከምዘለና ከርኢ ክኽእል እዩ" ኢሉ።
ጆ ባይደን ንዶናልድ ትራምፕ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተዛረቦ'ውን ነቂፍዎ።
እንተኾነ ጆ ባይደን'ውን ኣፍሪካውያን ኣሜሪካውያን ንዶናልድ ትራምፕ እንተመሪጽክሞ 'ጸለምቲ' ኣይኮንኩሙን ምባሉ፡ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ንክምረጽ ከም መጎስጎሲ ይጥቀመሉ ኣሎ ዝብል ነቀፌታ ይወርዶ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ እንታይ እዩ ተባሂሉ?
እተ ስነ ስርዓተ ቀብረ ኣብ ቤተ ክርስትያን ፕረይዝ ኣስታት 500 ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ተፈጺሙ። ኣባል ባይቶ ዲሞክራትስ ዝኾነ ኣል ግሪን "እታ እንኮ ገበን ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ጸሊም ምዃኑ ጥራይ እያ ነይራ" ኢሉ።
ወተሃደር ነበርን ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላትን ሪቨርሰንድ ኣልሳርቶን ብወገኑ "ኣብ መላእ ዓለም ደቂ ደቂ ደቆም ነቶም ባራዩ እናተባሉ ዝሽየጡ ዝነበሩ ሓወልቶ ናይቲ እዋን ጎይቶት ዝነበሩ ከፍረስዎ ንርኢ ኣለና" ድሕሪ ምባል "ኣምላኽነ ነቲ ኩሉ ዝደርበዮ እምኒ፡ እምኒ ኩርናዕ ገበሮ ከምዝብሃል ጆርጅ ፍሎይድ'ውን እምኒ ኩርናዕ ብምኳን ኣብ መላእ ዓለም ለውጢ ከምዝጥለብ ገይሩ እዩ" ኢሉ።
ገዛኢ ሚኒያፖሊስ ቲም ዋልዘ ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ቀባሮ ንሸሞንተ ደቂቕን 46 ካልኢትን ብስቅታ ክሓልፍዎ ብምጽዋዕ ነቲ ጆርጅ ፍሎይድ ብፖሊስ ተጸቒጡ ንዝተሳቐይን ደቃይቕ ዘኪሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







