ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተሰጎጉ ፖሊስ ሓድሽ ክሲ ተመስሪቱ

ብምኽንያት ቕትለት ጆትጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ኣሜሪካ ሓድሽ ተቓውሞ ተላዒሉ ቐንዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሚኒያፖሊስ ምስ ተቐተለ ካብ ስርሖም ዝተሰጎጉ ፖሊስ ሓድሽ ክሲ ተመስሪቱዎም።

ፖሊስ ደሪክ ሹቭን፡ ብካልኣይ ዲግሪ ገበን ቕትለት ክኽሰስ እንከሎ፡ እቶም ቅድም ኢሎም ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ክሲ ካብ ስርሖም ተኣልዮም ዝጸንሑ ሰለስተ ፖሊስ ድማ፡ ቕትለት ክፍጸም ብምሕጋዝን ብምትሕብባርን ብዝብል ተኸሲሶም ኣለው።

ድሕሪ ሞት ፍሎይድ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣንጻር ዓሌታውነትን፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝፍጽሞ ቕትለትን ዘቕንዐ ሓያል ተቓውሞ ክካየድ ቐንዩ።

መብዛሕትኦም ንዝሓለፉ ሸሞንተ መዓልታት ዝተኻየዱ ተቓውሞታት፡ ሰላማዊ ነይሮም።

ገሊኦም ግን፡ ነቲ ብዙሓት ከተማታት ኣሜሪካ ዝኣወጅኦ ኣዋጅ እቶ እቶ ብምጥሓስ ናብ ዕግርግር ዝተቐየሩ እዮም።

ሴናተር ሚኒሶታ ኤሚ ክሎቡቻር፡ እዞም ሓደሽቲ ክሲታት "ናብ ፍትሒ ዝወስዱ ኣገደስቲ መገዲታት" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

ጠበቓ ስድራ ፍሎይድ ቤንጃሚን ክራምፕ ብወገኑ፡ "እዚ ናብ መገዲ ፍትሒ ዝወስደና ኮይኑ፡ ስጋ ፍሎይድ ሓመድ ቅድሚ ምልባሱ ዝመጽአ ብምዃኑ ድማ ዕጉባት ኢና" ኢሉ።

ብተወሳኺ ግን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዳማይ ተኸሳሲ ፖሊስ ዝቐረበ ክሲ ቐዳማይ ዲግሪ ቕትለት ክኸውን ከም ዘለዎን ምጽራይ ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ዳሕራይ ክቕየር ዝኽእል እዩ ክብል ንሲኤንኤን ተዛሪቡ።

ዓቃቢ ሕጊ ኪዝ ኤሊሰን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖሊስ ውጽኢታዊ ክሲ ምምስራት ክኸብድ ከም ዝኽእል እዩ ዝዛረብ።

"ነዚ ምስዓር ከቢድ እዩ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ክተሸንፍ ከቢድ ምዃኑ ብታሪኽ እናርኣና መጺእና ኢና" ኢሉ።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ሚኒሶታ ሓደ ፖሊስ ጥራሕ'ዩ ብተመሳሳሊ ጥፍኣት ገበነኛ ተባሂሉ።

"ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብስድርኡ ዝፍቶን በዓልቲ ቤቱ ዘኽብርን ሰብ'ዩ ነይሩ" ዝበለ ኤሊሰን፡ "ስለዝኾነ ድማ ፍትሒ ክመጽእ ክንገብር ኢና" ኢሉ።

ትርጉም እዞም ክስታት እንታይ'ዩ?

ብመሰረት ሕጊ ሚኒሶታ፡ ቐዳማይን - ካልኣይን ገበን ቕትለት፡ እቲ ተኸሳሲ ክቐትል ፈቲኑ'ዶ ነይሩ ዝብል መረዳእታ ክቐርብ ይጠልብ።

ቐዳማይ ዲግሪ እንተኾይኑ ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ቕትለት ኣቐዲሙ ዝተወጠነ ጉዳይ ምዃኑ ዘረጋግጽ መረዳእታ ክቐርብ ይሕተት።

ኣብ ሳልሳይ ዲግሪ ክሲ ገበን፡ እቲ ተኸሳሲ ነቲ ግዳይ ክመውት ደልዩዎ ድዩ ዝብል መረጋገጺ ከቕርብ ትጽቢት ኣይግበሮን።

እኳ ድኣ፡ እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሓደገኛን ንህይወት ሰብ ክብሪ ዘይህብን እዩ ብዝብል ጥራሕ ይኽሰስ።

ክሲ ካልኣይ ዲግሪ ገበን ቕትለት፡ ክሳብ 40 ዓመት ማእሰርቲ የፍርድ።