ጆርጅ ፍሎይድ፡ ምዕባለታት ኣብ ከተማታት ኣሜሪካ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ

ስእሊ ብፖሊስ ዝተቐትለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ሚኒያፖሊስ ምስ ተቐትለ ኣብ ኣሜሪካ ሓያል ጠቃውሞ ተላዒሉ

ኣመሪካውያን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ'ዮም ኣሕሊፎምዎ።

ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት መዓልታዊ ይውስኽ ስለ ዝነበረ'ውን፡ ንብርክት ዝበሉ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዓብዪ ፈተና ኮይኑ ምስ መንግስቲ ፌደራል ከጨቓጭቖም ጀሚሩ ነይሩ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ልዕሊ 36 ሚሊዮን ዜጋታት እታ ሃገር ሸቕሊ ኣልቦ ኮይኖም።

ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣስራሕቲ ትካላት ልዕሊ 20 ሚሊዮን ሰባት ካብ ስራሕ ብምንካዮም መጠን ሸቕሊ ኣልቦነት እታ ሃገር ናብ 14.7 ሚኢታዊት ሓፍ ክብል ክኢሉ።

እዚ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝመጽአ ጸገም፡ ንቑጠባ እታ ሃገር'ውን ስለ ዝተንከፎ፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ቑጠባዊ ምንቕቓሕ ንክፍጠር ካብ ዕጽዋን ካልእ እገዳታትን ክትወጽእ ኣለዋ ክብል ጀሚሩ።

ቅድሚ ሸሞንተ መዓልቲ ግን፡ ኩነታት እታ ሃገር ካልእ መልክዕ ሒዙ።

ብ25 ግንቦት 2020፡ ኣብ ግዝኣት ሚኒሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብፖሊስ ከም ዝተቐትለ ምስ ተሰምዐ፡ እቲ ገዝኡ ዓጺዩ ዝነበረ ኩሉ ናብ ኣደባባያት ብምውጻእ ተቓውሞ ከስምዕ ጀሚሩ።

ብዙሓት ከተማታት ኣሜሪካ፡ ድሕሪ ሞት ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተልዓለ ናዕቢ ካብ ቁጽጽረን ወጻእ ክኸውን ስለ ዝጀመረ ኣዋጅ እቶ እቶ'ኳ እንተኣወጃ፡ ክመልስኦ ኣይክኣላን።

እቲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝበጽሕ በደል ንምቁዋም ዝወጽአ ህዝቢ'ውን፡ ብቲ ስግኣት ዓለም ዝኾነ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮነ መንግስታት ዝወስዱዎ ስጉምቲ፡ ክግታእ ኣይክኣለን።

ኣብ ኣደባባያት ኣሜሪካ ወጺኦም ዘለው ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ድማ፡ ተሓታትነት እዮም ዝጠልቡ ዘለው ክትብል ኣባል መስረትቲ ምንቅስቓስ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ፓትሪስ ኩሎርስ ተዛሪባ።

ኩሉ ሰብ ይቕሬታ ክሕተት፣ ዝፈጸሞ ስሕተት ክንገሮ፣ ድሕሪ ሕዚ ኣይንደግሞን ክብሃል እዩ ዝጽበ ዘሎ ኢላ።

ተቓወምቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብርክት ዝበሉ ተቓውምኦም ንምግላጽ ዝወጽኡ ኣሜሪካውያን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ይጥቀሙ ብዘይምህላዎም ሓድሽ መልከፍቲ ከይውስኽ ተሰጊኡ

ብምኽንያት እዚ፡ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ጉድኣት ይበጽሖም ከም ዘሎ ይግለጽ።

ትማሊ፡ ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ መኮንን ፖሊስ ኣብ ሴንት ሉዊስ ከተማ ሚዙሪ ብጥይት ተቐቲሉ።

ወዲ 77 ዓመት ዴቪድ ዶርን፡ ትማሊ ኣብ እግሪ ዝተዘምተ ድኳን እዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ብ2007 ካብ ፖሊስ ሴንት ሉዊስ ነበር ዴቪድ፡ ኣብ ንኡሽቶ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ከተማ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ፖሊስ ከም ዝበሎ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ ጥርጡራት ኣይተትሓዙን።

ወዲ 77 ዓመት ዴቪድ ዶርን ኣብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ተቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Donald Trump/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ወዲ 77 ዓመት ዴቪድ ዶርን፡ ትማሊ ኣብ እግሪ ዝተዘምተ ድኳን እዩ ሞይቱ ተረኺቡ

ትማሊ፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ከተማታት ኣሜሪካ ነቲ ዝተልዓለ ተቓውሞ ከህድእኦ እንተዘይክኢለን፡ 'ወተሃደራት ልኢኸ ሕግን ስርዓትን ክኽበር ክገብር'የ' ኢሉ ነይሩ።

ፔንታጎን ከም ዝሓበሮ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣስታት 1600 ወተሃደራት ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ክዋፈሩ ተገይሩ።

ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ከተማ ሚኒያፖሊስ ብኢድ ፖሊስ ምስ ሞተ ዝተላዕለ ናዕብን ተቓውሞ፡ ንሻምናይ መዓልቱ ቐጺሉ ኣሎ።

ኣስታት 40 ከተማታት ኣሜሪካ፡ ተሪር ኣዋጅ እቶ እቶ እኳ እንተኣወጃ፡ ነዚ ኣቓልቦ ገይሩ ዘኽበሮ ግን የለን።

ምምሕዳር ከተማ ሚኒያፖሊስ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕትለት ዝፈጸመ ፖሊስ ክሲ ሲቪላዊ መሰላት ኣዳልዩ ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ቲም ዋልዝ፡ "እዚ ንወለዶታት ዝሰረጸ ዓᎁቕ ስልታዊ ዘርኣውነት" ንምውጋድ ዝዓለመ እዩ ክብል ገሊጹዎ።

ቦርድ ኣብያተ ትምህርቲ ሚኒያፖሊስ'ውን፡ ምስ ምምሕዳር ፖሊስ ሚኒያፖሊስ ዝነበሮ ኮንትራት ወይ ውዕሊ ክስረስ ወሲኑ።

ኣብ ዘመነ ትምህርቲ እቲ ዝመጽእ ዓመት፡ ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ናይ ፖሊስ ድማ ትልሚ የውጽእ ከም ዘሎ ገሊጹ።

"ስልጣንና ተጠቒምና እዚ ናይ ጭቆና ስርዓት ጠጠው ከነብሎ ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና" ዝበለ ኣቦ መንበር እቲ ቦርድ ኪም ኤሊሰን እዩ።

ጆርጅ ፍሎይድ፡ ፖሊስ ብእግሩ ኽሳዱ ሓኒቑ ምስ ረገጾ "ክትንፍስ ኣይክኣልኩን" ኢሉ እናተማሕጸነ ከሎ'ዩ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጆርጅ ፍሎይድ፡ ፖሊስ ብእግሩ ኽሳዱ ሓኒቑ ምስ ረገጾ "ክትንፍስ ኣይክኣልኩን" ኢሉ እናተማሕጸነ ከሎ'ዩ ሞይቱ

ኣብ ጥቓ መንበሪ ከንቲባ ሎስ ኣንጅለስ ኤሪክ ግሬስቲ ዝተኣከቡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዓመጽቲ'ውን ነይሮም።

"ንፖሊስ ዝወሃብ በጀት ደው" ክብልን ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ሚካኤል ሞር ካብ ስርሑ ክሶጎን ድማ ይጭርሑ ነይሮም።

ፖሊስ ሞር፡ ብሰኑይ እቶም ድኳናትን ትካላትን ዝሰርቁን ዘዕንውን ዘለው ብሞት ጆርጅ ፍሎይድ ማዕረ ተሓተትቲ እዮም ብምባሉ፡ ሓያል ተቓውሞ ገጢሙዎ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ነቲ ብምኽንያት ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝሰዓበ ተቓውሞ ዝምልከት ዝሃብኩዎ ርኢይቶ ጌጋ ስለ ዝኾነ ይቕሬታ ይሓትት ኢሉ።

ኣብ ኒውዮርክ ድማ፡ ትማሊ ምሸት ናብ እኩባት ፖሊስ መኪና መሪሓ ጉድኣት ዘብጽሐት ሰበይቲ ድማ ተኸሲሳ።

ጓል 31 ዓመት ዲያና ዴቪስ ንሰለስተ ፖሊስ ብመኪና ገጭያ ክተቑስል ከላ፡ ፖሊስ ኒውዮርክ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ፈተነ ቕትለት ብምፍጻምን ካልኣይ ዲግሪ ገበን ኣጽዋርን ዝብል ክሲ ከም ዝቐረበላ ሓቢሩ።

ኮሮናቫይረስን ተቓውሞታት ኣሜሪካውያንን

ማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢ ዝርግሐ ኣብታ ሃገር ዝተኸሰተ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይወስዶ ከም ዝስጋእ ይጠቅስ።

ኣብ ጎደናታት ከተማታት ኣሜሪካ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበሩ ዝወጽኡ ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፡ እዚ ሓድሽ ቑጽሪ መልከፍቲ ከይውስኽ ስግኣት ኮይኑ ኣሎ።

ኣሜሪካዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣሜን ኦግቦንግቢምጋ ኣብ ቱልሳ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ድሕሪ ምስታፉ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ እዩ።

ዋላ'ውን ጥንቃቐ ገይሩ ኣብቲ ተቓውሞ እንተተሳተፈ በቲ ቫይረስ ክልከፍ ከም ዝኸኣለ ዝገለጸ እቲ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ "ናብዚ ቦታ ትኸዱ እንተሃሊኹም፡ በጃኹም ጥንቃቐ ግበሩ" ክብል ብትዊተር ጽሒፉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ኣሜሪካ 1.8 ሚሊዮን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክህልው እንከለው፡ ልዕሊ 106 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም።

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ እንታይ ይብል?

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ ንኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩሞ ነቒፉ።

ፕሬዝደንት ትራምፕ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ኒውዮርክ ዕግርግር፣ ስርዓት ኣልቦነትን ዕንወትን ይፍጸም ኣሎ" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "መዓዝ እዩ ኣመሓዳሪ ኩሞ ካብ መንግስቲ ፌደራል ሓገዝ ክሓትት? ኒውዮርክ ካብ ቑጽጽር ወጻኢ እያ ኾይና ዘላ" ብምባል፡ እቲ ኣመሓዳሪ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ክረጋጋእ ክገብሮ ኣተሓሳሲቡ።

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩሞን፡ ብፍላይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ምስ ኣተወ ክሰማምዑ ዘይክኣሉ ሰባት ኮይኖም'ዮም።

ኒውዮርክ፡ እታ ኣብ ኣሜሪካ ልዑል ቑጽሪ መልከፍትን ሞትን ዘጋጠማ ኮይና፡ ኣብቲ እዋን ብዘጋጠማ ሕጽረት መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ መንግስቲ ፌደራል እኹል ቐረብ ኣየቕረበን ብዝብል፡ ኣንድሪው ኩሞ ንትራምፕ ይነቅፍ ነይሩ።

ሕጂ'ውን፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ ንተቓውሞ ኣሜሪካውያን ዝምልከት ብዝህቦም ዘለው ርኢይቶታት ሕጉስ ኣይኮነን።

ተቓወምቲ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ "ቤተክርስቲያን ፕሬዝደንታት ኣሜሪካ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤተክርስቲያን ሰላማዊ ተቓውሞ ኣስሚዖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ተቓወምቲ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ "ቤተክርስቲያን ፕሬዝደንታት ኣሜሪካ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤተክርስቲያን ሰላማዊ ተቓውሞ ኣስሚዖም፤ ዶናልድ ትራምፕ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ተራእዩ

ብሰኑይ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣሜሪካ እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝካየድ ዘሎ ተቓውሞን ናዕብን ንምብታን፡ ሄሊኮፕተር ከም ዝተጠቐሙ ይግለጽ።

ኣብታ ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ዝኾላ ሄሊኮፕተራት ክርኣያ ከለዋ፡ ነዚ ምጽራይ ከም ዝጀመረ ፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ማዕኸን ዜና ኣሜሪካ ከም ዝጸብጸቦ ድማ፡ ኣብ እዋን ዓበይቲ ተቓውሞታት ሄሊኮፕተር ምጥቃም እቶም ተቓወምቲ ክፈርሑን ዕግርግር ጠጠው ከብሉን ዝውሰድ ልሙድ ወተሃደራዊ ሜላ እዩ ኢሉ።

ብሰሉስ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኮሎምቢያ ኣብ ትዊተር ከም ዝሓበሮ ድማ፡ እዚ ጉዳይ ክጻረ ጀሚሩ ኣሎ።

"ናይ ዜጋታት ድሕነትን ናይ ምቅዋም መሰሎምን ንምሕላው ውፉያት ኢና። ነዚ ንዝሕግዙ ኣባላትና ድማ ድሕነቶም ምሕላው ቐዳምነት እንህቦ ጉዳይ'ዩ" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ገለ ተቓውሞ ዝካየደለን ዘሎ ከተማታት ኣሜሪካ ኣባላት ፖሊስ ንሕቶ እቶም ዓመጽቲ ደጊፎም ተንበርኪኸም ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም።

ኣብ ሎስ ኣንጅለስ፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ከምዚ ብምግባሮም፡ እቶም ተቓወምቲ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ጎኖም ክኾኑ ይሓቱ ነይሮም።

ኣብ ኣዮዋን ጆርጂያን'ውን ብተመሳሳሊ ፖሊስ ተንበርኪኾም ሓድነቶም ገሊጾም።

ወተሃደራት ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ኣሜሪካ ምስ ተቓወምቲ ሓቢሮም ተቓውምኦም ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Reuters