መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ትራምፕን ባይደንን ኣብቲ ናይ ትማሊ ክትዕ እንታይ ኢሎም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ተነሓናሒኡ ጆ ባይደን ናይ መወዳእታ ክትዕ ኣካይዶም።
እቲ ክትዕ ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፣ ክሊሚን ዓሌታውነትን ዘተኮረ እዩ ነይሩ።
እዚ ናይ ትማሊ ክትዕ ካብ ሕሉፍ ዝሓሸ ህድኣት ዝተመልኦ ምንባሩ ክግለጽ እንከሎ፡ ሕጂ'ውን ግን ክልቲኦም መራሕቲ ንሓድሕዶም ውልቃዊ ጉዳያት ብምልዓል ካብ ምክሳስ ዓዲ ኣይውዓሉን።
ኣለይቲ እቲ መድረኽ ካብቲ ዝሓለፈ መድረኽ ክትዕ ተሞክሮ ወሲዶም ኣብቲ ናይ ትማሊ ሓሙስ መድረኽ ዘይምድምማጽ ንምንካይ ብዝብል ተቐናቐንቲ ኣብ ሕድሕድ ዛዕባ መኽፈቲ ዘረባ እንተስምዑ መጉልሒ ድምጺ ዓጺዮምዎ።
ክልቲኦም ተወዳደርቲ ኣብ መዕጸዊ መደርኦም ንኣሜሪካ ይጠቕም እዩ ዝበልዎ ንመረጽቶም ኣካፊሎም'ዮም።
ጆ ባይደን ኣብ ጉዳይ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ፡ ህይወት ዜጋታት ንምሕላው ዕጽዋ ክቕጽል ነይርዎ ዝብል መርገጺ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ትራምፕ ብግድኡ ኣመሪካ ካብ ዕጽዋ ወጺኣ ማዕጹኣ ክፉት ምግባራ ግዚኡ እዩ ነይሩ ክብል ተኻቲዑ።
ወሲኹ ካብ ረኽሲ እሞ ድማ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝሓውየሉ ኩነታት ዕጽዋ ምንዋሕ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ዕንወት ምዕዳም ከም ዝኾነ ተሟጊቱ።
ወዲ 74 ዓመት ትራምፕ፡ ኮሮናቫይረስ 'ይጠፍእ' ከም ዘሎን ክሳብ መወዳእታ ዓመት 2020 ክታበት ክርከቦ ዝኽእል ሕማም ከም ዝኾነን ክገልጽ እንከሎ ወዲ 77 ዓመት ባይደን ከኣ ኣመሪካ ናብ ዝኸፍአ ዓዘቕቲ ተምርሕ ኣላ ኢሉ።
ፕረዚደንት ረራምፕ "ምስ ኮሮናቫይረስ ከመይ ምንባር ከም ዝከኣል ንመሃር ኣለና" እንትብል ባይደን "ግዲ የብልካን ምስኡ ኢና እንመውት ዘለና" ክብል ተሰሚዑ።
ባይደን ኣስዒቡ እቶም ልዕሊ 220 ሽሕ ኣመሪካውያን ብሰንክኻ'ዮም ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ክብል ተሓታቲ ገይሩዎ።
"ቀንዲ ተሓታቲ ናይ እዚ ኩሉ ሞት ዝኾነ ሰብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ክቕጽል የብሉን" ድማ ኢልዎ።
ብዛዕባ ዓሌታውነት
ትራምፕ "ኣብዚ ኣዳራሽ ካብ ዘለና ሰባት ኣነ እቲ ዝወሓደ ዓሌታዊ እየ" ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ፡ እቲ ብ1994 ዝወጽአ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ንዘይተደለየ ማእሰርቲ ዳጕኑ እዩ ዝበሃል መምርሒ መመርመሪ ገበን ብምዝኽኻር፡ ባይደን እዚ መምርሒ ኣብ ምጽዳቕ ተሳታፊ ከም ዝነበረ ኣልዒሉ።
እዚ መምርሒ፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ንመሰልና ዝዳፋእ እዩ ክብሉ ይኹንኑዎ።
ጆ ባይደን ብግድኡ ንትራምፕ "ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ኣመሪካ ከም ትራምፕ ዝመሰለ ዝኸሓነ ዓሌታዊ መራሒ ሃልዩና ኣይፈልጥን" ብምባል ትራምፕ ኣብ ሕድሕድ ዓሌታዊ ጓህሪ ላምባ ዝንስንስ መራሒ እዩ ክብል ነቒፍዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዛዕባ ስደተኛታት
ትራምፕ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻዉንቲ ካብ ወለዶም ተፈልዮም ክነብሩ ብዛዕባ ዝገበረ ፖሊሲኡ ተሓቲቱ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ኣብ ግዜ ምሕደራ ኦባማ እውን ስደተኛታት ቆልዑ ይዳጎኑ ነይሮም ብዝብል መሊሱዎ።
ነቲ ስደተኛታት ቆልዑ ዝጸንሕሉ ሓጹር እናመላኸተ ድማ "ጆ እቶም ቱርኳላታ መን ድዩ ሃኒጽዎም? ናትካን ናይ ኦባማን ምሕደራ'ዶ ኣይኮነን'ዩ?" እንትብል ተኻቲዑ።
ባይደን ድማ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ኩነታት ኣብ ክንዲ ምዕራይ ናብ ዝኸፍአ ወሲዱ ደቂ ሓደ ስድራ ብምብትታን ገበን ይፍጽም ኣሎ ኢሉ።
ህጻናት ካብ ወለዶም ምፍላይ ድማ "ናይ ገበን ተግባር'ዩ" ብምባል ነቒፉዎ።
ብዛዕባ ብልሽውና
ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ኢመይል ኣድራሻ ወዲ ባይደን ዝኾነ ሃንተር ሊሒኾም ወጺኦም ዝበሎም ሓበሬታ ብምልዓል፡ ባይደን ኣብ ቻይና ንግዳዊ ንጥፈታት የካይድ ከምዘሎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ባይደን ግን ብዛዕባ እቲ ትራምፕ ዝበሎ ኣሉ ቀጣን ኢሉ።
ትራምፕ ኣስዕብ ኣቢሉ "ንህዝቢ ኣመሪካ ግልጺ ክትገብር ሓላፍነት ዘለካ ይመስለኒ" ኢልዎ።
ባይደን ከኣ "ኣነ ፍጹም ካብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ተዓሪፋ ዕውርቲ ወሲደ ኣይፈልጥን" እንትብል መሊሱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ባይደን ኒዎርክ ታይምስ ኣብ ቀረባ እዋን ዘቃልሖ ጸብጻብ ብምጥቃስ "እኳ ድኣስ ትራምፕ ኣብ ቻይና ናይ ባንኪ ሒሳብ ከም ዘለዎን ንመንግስቲ ቻይና 188,561 ፍረ ግብሪ ከም ዝኸፈለን ተዛሪቡ።
እዚ ድማ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ኣብ ዝተመረጸሉ ንሃገሩ ኣመሪካ ካብ ዝኸፈሎ 750 ዶላር ግብሪ ዚያዳ እዩ ኢሉ።
ትራምፕ ብወገኑ ነጋዳይ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ "ኣነ ብዙሕ ናይ ባንኪ ሒሳብ ኣለኒ፤ እንተኾነ ኩለን ብግልጺ ዝፍለጣ እየን" ክብል መሊሲሉ።
ጉዳይ ክሊማ
ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ካልእ ክሳድ ንኽሳድ ዝተሓናነቕሉ ዛዕባ፡ ጉዳይ ለውጢ ኩነታት ኣየር እዩ።
ትራምፕ ንተቐናቓኒኡ ባይደን "እቶም ናይ ነዳዲ ፋብሪካታት ክትዓጽዎም ዲኻ?" ዝብል ሕቶ ሓቲትዎ።
"እወ ካብ ኢንዳስትሪ ነዳዲ ክንወጽእ ኣለና" ዝበለ ባይደን ከኣ ከም ምኽንያት ኢሉ ዘቕረቦ እተን ናይ ነዳዲ ፋብሪካታት ብኽለት የስዕባ ስለ ዘለዋ ዝብል እዩ።
ኣስዒቡ፡ ኣመሪካ ሒዛቶ ዘላ መጠን ብኽለት ከባቢ ኣየር ናብ ባዶ ናይ ምንካይ ራእይ ዝዕወት ፍልፍል ጽዓትት ካብ ነዳዲ ናብ ተሓደስቲ ሓይልታት ንምቕያር ከም ዝሰርሕ ገሊጹ።
"ብሓጺሩ 'ፋብሪካታት ነዳዲ ናይታ ሃገር ከዕንዎ እየ' እዩ ዝብለና ዘሎ" ዝበለ ትራምፕ "ደቂ ቴክሳስ፣ ፔኒስላቫናን ኦክላሃማን እዚ ክትዝክርዎ ዲኹም?" ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







