ኤፍ ቢ ኣይ፡ ኢራንን ሩሲያን ናይ ኣመሪካውያን መረጽቲ ሓበሬታ ኣለወን ኢሉ

መረጽቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰበ ስልጣን ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ፡ ኢራን ንመረጽቲ ሰልፊ 'ዴሞክራት' ዘፈራርሑ መልእኽታት (ኢሜይል) ልኢኻ ክብሉ ከሲሶም።

እዞም መልእኽታት፡ ካብ ሕሉፍ የማናዊ ደገፍቲ ትራምፕ ዝተልኣኹ ዝመስሉ'ኳ እንተኾኑ፡ 'ነዚ መልእኽቲታት ዝሰደደቶ ግን ኢራን እያ' ኢሎም ሰብ መዚ ኣመሪካ።

እዚ ድማ “ናዕቢ ንምልዕዓል” ዝዓለመ እዩ ክብል ዳይሬክተር ሃገራዊ ትካል ስለያ ጆን ራትክሊፍ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ፡ ኢራንን ሩሲያን ገለ “ሓበሬታ ምዝገባ መረጽቲ” ከም ዝረኸቡ፡ 'በጺሕናሉ ኢና' ኢሎም ሰበ ስልጣን ኣመሪካ።

መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ድሮ 13 መዓልታት ከም ዝተረፎ ይፍለጥ።

መዓልቲ መረጻ ኣብ ዝቐረበሉ ዝተዋህበ እዚ ዘይተለመደ መግለጺ ትካል ስለያ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ድምጺ ኣብ ምውሃብ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት ከምዘሻቐሎ ዘርእይ እዩ።

ዳይሬክተር ሃገራዊ ትካል ስለያ ጆን ራትክሊፍ፡ እዞም ካብ ኢራን ዝተላእኹ “መደናገርቲ ኢሜይላት” ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዝፈጥሩ ኢላ ካብ እትኸሶም ‘ፕራውድ ቦይስ’ ተባሂሎም ካብ ዝጽውዑ ሕሉፍ የማናዊ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝርከብሉ ጉጅለ ከም ዝተላእኸ ብምምሳል፡ “ንመረጽቲ ንምህዳድ፣ ንምንዓብን ጉድኣት ንምብጻሕን’ዩ” ኢሉ።

እዚ ናይ መረጽቲ መረዳእታ፡ “ናብ መረጽቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምልኣኽ፡ ምድንጋርን ናዕብን ፈጢርካ ኣብ ዴሞክራሲ ኣመሪካ ዘሎ ምትእምማን ንክጎድል” ክጥቀምሉ ይኽእሉ’ዮም ብምባል ተዛሪቡ።

ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያ ራትክሊፍ፡ ሰበ ስልጣን እቲ ትካል “ካብ ወገን ሩሲያ ተመሳሳሊ ተግባር ኣይርኣዩን” ክብል እንከሎ፡ ናይ ገለ መረጽቲ ሓበሬታ ግን ኣለዋ እዩ ኢሉ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ግዝኣታት ኣመሪካ ናይ መረጽቲ ሓበሬታ ሓቲትካ ምርካብ ዝከኣል ኮይኑ፡ መን’ዩ ክሓትት ዝኽእል፣ እንታይ ዓይነት መረዳእታ’ዩ ዘሎ፣ ንምንታይከ ክውዕል ይኽእል ግን ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ይፈላለ እዩ።

ኣብ መረጻ ኣመሪካ 2016 እውን፡ ሩሲያ ብኢድ ኣእታውነት ትኽሰስ ምንባራ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን ዝኾነ ዓይነት ጸገም ከጋጥም ኣይኽእልን ብምባል መረጽቲ ዓርሰ እምነቶም ከይጎድል ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ ክሪስቶፈር ረይ ሓቲቱ።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ኢድ ኢራንን ሩሲያን ኣሎ ዝብሃል ሓበሬታ መረጽቲ ከመይ ኢሉ ወጺኡ ንዝብል፡ እዞም ሰበ ስልጣን ዝሃቡዎ መብርሂ የለን።