ንመጀመርታ ግዜ ሕጂ ኮሮናቫይረስ ዝኣተዋ ሃገረ ማርሻል ኣይላንድ

ደሴታት ማርሻል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ማርሻል ኣይላንድ ዝተባህለት ናይ ደሴት ሃገር ንመጀመርታ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ክልተ ሰባት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።

እቶም ክልተ ዜጋታታ ኣብ ኣሜሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኮይኖም ናብ ሃገራ ብሰሉስ ምስ ኣተዉ ብዝተገበረሎም መርመራ እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኸቦም ገሊጻ።

እቶም መጻምድቲ ካብ ኣሜሪካ ብወተሃደራዊት ነፋሪት ናብ ደሴታዊት ሃገር ማርሻል ምስ ኣተዉ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይተራኸቡ ንበይኖም ተወሺቦም ከም ዘለዉ እዩ እቲ መግለጺ ዝሕበር።

ማርሻል ኣይላንድ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚራ፡ ኮሮናቫይረስ ናብ ሃገራ ንከይኣቱ ኩሉ ዶባታ ዓጽያቶ ከም ዘላ እዩ ዝግለጽ።

ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ እቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ወዲ 46 ዓመትን ጓል 35 ዓመት ኮይኖም ምስ ዝኾነ ሰብ ስለ ዘይተራኸቡ ሰብ ከይሰናበድ ሓቢሮም ኣለዉ።

ዝበዝሓ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ሃገራት እቲ ዘለወን ትሑት ትሕተ ቅርጺ ጥዕና ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዘይጻወሮ ብምርዳእ ካብ ምጅማር እዚ ለበዳ ኣትሒዘን ንኣየራውን ባሕራውን ዶባትን ከም ዝዓጸዋ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ደሴታዊት ሃገር ማርሻል ነቲ ኣንቢራቶ ዝነበረት ጽኑዕ እገዳታት ብምፍኳስ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣሜሪካ ዝሰርሑ ዜጋታት ናብ ሃገራ ክኣተዉን ቅድሚ ምስ ሕብረተሰብ ምሕዋሶም ንሰለስተ ሰሙን ክውሸቡን ዝብል ሕጊ ኣተኣታትያ።

መግለጺ መንግስቲ ማርሻል ኣይላንድ፡ ህዝቢ ሸለልትነት ከየርኢ ብምምሕጻን ትካላት ንግድን መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈትን ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝውሃብ ንቡር ስርሓን ክቅጽላ ምዃነን ሓቢሩ ኣሎ።

ሃገረ ማርሻል ኣይላንድ 55 ሽሕ ህዝቢ ዘለዋ ኮይና፡ ብክልተ ሰንሰለታዊ ኣኽራናት ዝራኸቡ ብልዕሊ 1000 ደሴታት ዝቆመት ሃገር እያ።

እዛ ሃገር ርእሰ ምምሕዳር ዘለዋ፣ ጸጥታዊ ጉዳያታ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝምእከል ኮይኑ ካብ ኣሜሪካ ዓመታዊ ሚልዮን ዶላርት ገንዘባዊ ሓገዝ ይግበረላ።

ኣሜሪካ ሓንቲ ካብ ደሴታት ማርሻል ኣይላንድ ዝኾነት ደሰት ክዋጃላን ተኻርያ ንፈተነ ሚሳኤል ትጥቀመሉ እያ።

ሃገራት ኪባቲ፣ ሚክሮኒዝያ፣ ናውሩ፣ ፓላኦ፣ ሳሞኣ፣ ቶንጋ፣ ቱቫሉን ቫንዋቱን እተን ክሳብ ሕጂ ኮሮናቫይረስ ኣይኣተወንን ተባሂለን ዝእመነለን ሃገራት እየን።

ኮሮና