ኣብ ኣውሮጳ መጠን ብኮቪድ ዝስዕብ ሞት ብ40 ሚኢታዊት ወሲኹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣውሮጳ ምስ ዝሓለፈ ሰሙን ብምንጽጻር መጠን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ሞት ብ40 ሚኢታዊት ወሲኹ ኢሉ።
ወሃቢት ቃል እቲ ትካል ዶክትር ማርጋሬት ሃሪስ፡ ፈረንሳ፣ ስጳኛ፣ ዓባይ ብርጣንያ፣ ሆላንድን ሩስያን እተን ዝለዓለ ሓድሽ መልከፍቲ ኣመዝጊበን ዘለዋ ሃገራት ኣውሮጳ ምዃነን ሓቢራ።
ብምስዓብ “እቲ ዘሰክፍ፡ ኣብ ሆስቲታላት እቶም ጽዑቕ ክንክን ዘድልዮም ዝእለይሉ ዓራውቲ ይመልእ ምህላው’ዩ” ትብል።
ሩስያ ኣብ መዓልቲ 320 ሞት ብምምዝጋባ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ናብ 26,589 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።
ኣብ ዓዲ ጣልያን’ውን መጠን ሞት ብናህሪ’ዩ ዝውስኽ ዘሎ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራሕ 221 ሞት ተመዝጊቡ።
እታ ካብ ዓለም ብብዝሒ መጠን መልከፍቲ ንኣሜሪካ፣ ህንድን ብራዚልን ስዒባ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሩስያ፡ ብሰሉስ 16,550 ሓዲሽ መልከፍቲ ኣመዝጊባ።
ሰብ መዚ ሩስያ ነቲ ናህሪ መልከፍቲ ንምቁጽጻር ዜጋታት ሰብ ኣብ ዝበዝሖ ቦታታት፡ ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ዘገድድ ሕጊ ኣጽዲቖም ኣለዉ።
ኣብ ዓዲ ጣልያን’ውን ብሰሉስ ጥራይ ኣስታት 22,000 ሓዲሽ መልከፍቲ ክምዝገብ ከሎ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሰብ ብብዝሒ ይምርመር ስለ ዘሎ እቲ ቁጽሪ ይዛይድ ምህላው ይገልጹ።
መንግስቲ ዓዲ ጣልያን ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ብምባል ዘውጽኦ ሓዲሽ ሕጊ ንምቁዋም ብሰኑይ ኣብ ሓያለ ከተማታት እታ ሃገር ህዝባዊ ተቓውሞ ምንባሩ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ቤልጂም’ውን ሰብ ሞያ ጥዕና ዋላ ብኮሮናቫይረስ ይለኸፉ ስርሖም ክቕጽሉ ተሓቢርዎም እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም እንታይ እዩ ኢሉ?
ወሃቢት ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ማርጋሬት ሃሪስ ብሰሉስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት “ኣብ መላእ ኣውሮጳ መጠን ሞት ብናህሪ እዩ ዝውስኽ ዘሎ” ኢላ።
ብምስዓብ ምስ ዝሓለፈ ሰሙን ብምንጽጻር መጠን ሓድሽ መልከፍቲ ብሓደ መሰለስ መጠን ሞት ድማ ብ40 ሚኢታዊት ምውሳኹ ኣብሪሃ።
“ዋላ እኳ ኣብ ሆስፒታላት ጽቡቕ ምሕደራ እንተሃለወ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ግን ሆስቲታላት ይመልኣ ኣለዋ” ብምባል ዘለዋ ሻቕሎት ትገልጽ ዶክተር ማርጋሬት ሃሪስ።
ዶክተር ማርጋሬት ሃሪስ፡ እቲ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝተኣታቶ ዘሎ ሓድሽ እገዳታት ምንቅስቃስ ውጽኢቱ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰሙን ክረአ ትጽቢት ከምእትገብር’ውን ሓቢራ።
“መጠን መልከፍቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክጎድል ትጽቢት የብልናን። ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሳምንታት ግን ምጉዳል ሓድሽ መልከፍቲ ክንርኢ ኢና” ኢላ።
ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣጋጢሙ ምህላዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ፡ እዚ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብቲ ቀዳማይ ዝኸፍአ ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ’ውን ንዶክተር ማርጋሬት ሃሪስ ቀሪቡላ።
“ዝተፈለየ ዓይነት መጠነ ብራኸ ለበዳ እዩ ክኸውን፤ እቲ ጽቡቕ ነገሩ ግን ሰብ ሞያ ጥዕናን ሆስፒታላትን ካብ ቀዳማይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትምህርቲ ብምቅሳም እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ይፈልጡ’ዮም። ብኣንጻሩ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ምስዚ ኮሮናቫይረስ ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ ቃልሲ ጸኒሖም ሕጂ ድማ ትንፋስ ከይረኸቡ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ምግጣሙ እዩ” ኢላ።
ዶክተር ማርጋሬት ሃሪስ ብምስዓብ “ እቲ ካልእ ጽቡቕ ክብሃል ዝኽእል ካብዞም ሕጂ ዝልከፉ ዘለዉ መብዛሕትኦም መንእሰያት ኮይኖም ዝተሓላለኸ ኩነታት ጥዕና ዘይብሎም እዮም፤ ዘዛኒ ግን ኣይኮነን። እዚ ክልቲኡ ተደሚሩ ከምቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝርኣናዮ መጠን ሞት ኣይከጋጥምን እዩ ዝብል ተስፋ እዩ ዘለና” ኢላ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







