“ወፃእተኛታትን ኣውፈርትን ናብ ትግራይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም” መንግስቲ ክልል ትግራይ

መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንስራሕቲ ኢንቨስትመንት (ወፍሪ) ናብ ትግራይ ክኣትዉ ዝመደቡ ቻይናውያን፣ ግብፃውያን ሰብ ሞያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኸልከሉን፡ ካልኦት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተገደዱ ኢጣልያውያን እውን ከምዘለዉን ቢሮ ኢንቨስትመንት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ 25 መስከረም፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 'መንግስቲ ፌደራል ዘበን ስልጣኑ ስለዘብቀዐ፡ ኣፍልጦ ኣይህቦን' ክብል ብወግዒ ኣዊጁ እዩ። ገዛኢ ውድብ ናይ'ቲ ክልል፡ ኣብ ፌደራል ስልጣን ዝነበሮም ኣባላቱ መዝነቶም ክገድፉ'ውን ፀዊዑ እዩ።

ድሕሪ'ዚ፡ መንግስቲ ፌደራል ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከይህልዎ ወሲኑ።

ክልቲኦም መንግስታት፡ ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ እዩ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱን፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምስሕሓብ ክዓርግን ተራእዩ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ናብ ትግራይ ዝኸዱ ወፃእተኛታት ኣውፈርቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብመንግስቲ ፌደራል ይኽልከሉ ምህላዎም ይግለጽ።

ኣካያዲ ስራሕ ዓኹ ትሬዲንግ ፒኤልሲ ኣይተ መዓርግ ሃይለ ኪሮስ፡ ኣብ ትግራይ ንዘለዎም ፋብሪካ ካርቶን፡ 'ማሽነሪ' ዝተኽሉ ኣርባዕተ ግብፃውያን ሰብ ሞያ ኣምፂኦም፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ትግራይ ከይከዱ ከምዝተኸልከሉን ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዝተገደዱን ይገልፅ።

"ክልተ ዓይነት ሞያ ዘለዎም እዮም፤ ሓዲኦም 'ሜይን (ቀንዲ) ፕሮዳክሽን ላይን' ዝተኽሉ እንትኾኑ፡ ሓሙሽተ ግብፃውያን መጺኦም ክተኽሉ ጸኒሖም። ነገር ግን፡ ነዚ መሽን እዚ ዝምግብ 'ስቲም ቦይለር' ዝበሃል ኣለና፤ ነዚ ክተኽሉ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣርባዕተ ግብፃውያን መጺኦም ነይሮም፡ ግና ካብ ኣዲስ ኣበባ መሊሰምዎም" ይብል።

እቶም ወፃእተኛታት ዝሓዝዎ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ምሉእ ከምዝነበረ ዝሕብር ኣይተ መዓርግ "ካብ ኣርባዕቲኦም ነቲ ሓደ ሓቲቶምዎ፡ ንመቐለ እየ መሽን ተኸላ ኣለኒ ምስ በሎም፡ ኣይትኸዱን ኢሎም ንዓዶም ሰዲደሞም" ይብል።

እዚ ከምዚ ዓይነት ተጓንፎ በዚ ከም ዘይብቀዐ ዝዛረብ ኣይተ መዓርግ፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዙር ንዝመፅኡ ካልኦት ግብፃውያን ሰብ ሞያ እውን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝተኸልከሉ ገሊፁ።

"ኣብ ሳልሳይ ዙር ድማ ፕሮዳክሽን ዝፍትኑ ሰብሞያ የድልዩና ነይሮም። ስለ'ዚ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰምበት ካልኦት ኣርባዕተ ግብፃውያን ንመቐለ ኢና ስለዝበልዎም፡ ኣይትኸዱን ኢሎሞም" ብምባል፡ ዘምፅእዎም ሰብ ሞያ ብተደጋጋሚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመልሱ ሓቢሩ።

እቶም ካብ ግብፂ መጺኦም ብኣካላት ድሕንነት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተኸልከሉ ሰብ ሞያ፡ "ምእንተ ውሕስነቶም" ንቃለ-መሕተት ፍቓደኛታት ክኾኑ ኣይከኣሉን።

ምክትል ኮምሽነር ኢንቨስትመንት ትግራይ ኣይተ ዳንኤል መኮነን፡ ካብ ዝሓለፉ ክልተ ወርሒ ጀሚሩ፡ ናብ ትግራይ ኣብ ዝመፅኡ ወፃእተኛታት ፍሉይ መርመራን ፀቕጥታትን ከምዝግበርን፡ 'እዚ ድማ ኮነ ተባሂሉ ንናይ ትግራይ ቁጠባ ንምህሳይ ዝግበር ከምዝኾነን' እዩ ዝገልፅ።

"ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ትግራይ ከይመፅኡ ዝኽልክልዎም ዘለዉ፡ ኣብ መገዲ ኣየር ቦሌ ዘለዉ ኣካላት ድሕንነት እዮም። እዚ ኸኣ ኮነ ተባሂሉ ነቲ ናይ ትግራይ ቁጠባን ኢንቨስትመንትን ንምዕንቃፍ፣ እቲ መንእሰይ ዕድል ስራሕ ከይረክብን እቲ ህዝቢ ዘልኣለም ኣብ ድኽነት ክነብርን ዝግበር ዘሎ ሽርሒ እዩ" ክብል፡ ንመንግስቲ ፌደራል ይኸስስ።

ካብ ዜጋታት ወፃኢ ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ እውን ናብ ትግራይ ንምንታይ ከይድኩም ዝብሉ ፀቕጥታትን ሕቶታትን ብምልዓል ፀቕጢ ከምዝግበረሎም እቲ ምክትል ኮምሽነር ይዛረብ።

"ብዙሕ ማሕለኻታትን ቢሮክራሲታትን ኣሎ። ካብ ወፃኢ መፂኦም ኣብ ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ፍቓድ ኣብ ዝሓትሉ እዋን፡ ንትግራይ ኢና ደሊና እንትብልዎም፡ ኣብ'ዚ እዋን ትግራይ እኮ ኩናት ኣሎ እዩ፣ ትግራይ ሰላም የለን፣ ትግራይ ክግንፀል እዩ፡ ስለዚ ሃፍትኹም ኣይተፍስሱ ይብሉዎም" ክብል'ውን ወሲኹ ከሲሱ።

ዋላ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ሰብ ሃፍቲ'ውን "መንግስቲ ትግራይ ዝፀሓፎ ደብዳበ ኣይንቕበልን፡ ካብ ወረዳ እንድሕር ዘይኮይኑ ብዝብል ዝመላለሱ" ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣይተ መኮነን ሃይሉ ግን፡ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ኣይቕበሎን።

"ኣብ ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ኣይወሃብን። ኣብ ክልል ትግራይ፡ ከም ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ፡ ሰብ ሃፍቲ ከይዶም ከውፍሩ እንተደልዮም፡ ኣብ ዝደልይዎ ዓውዲ ንከውፍሩ ዘድልይ ድጋፍ ንህቦም ኢና። እምበር ብፍሉይ ኣብ ትግራይ ሰላም የለን፡ ካልእ ፀገም ኣሎ ኣይንብልን። እዚ ብፍፁም ጌጋ እዩ። ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ወፃእተኛታት ሰብ ሃፍቲ ናብ ኢትዮጵያ መፅዮም እንከውፍሩ፡ ኣብ ዝደለይዎ ከባቢ ንከውፍሩ ኢና ንነግሮም። ከም ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለና ቅዋም እዚ እዩ፤ ንመጻኢ'ውን ዝልወጥ ኣይኮነን" ኢሉ።

እቲ ካብ መንግስቲ ትግራይ ዝመፅአ ደብዳበ ኣይንቕበልን ዝብል'ውን፡ ትኽክል ኣይኮነን እዩ ዝብል።

"ናባና ዝመፅኡ ነተኣናግድ ኢና። እቶም ኣብ ቦሌ ይዕገቱ ኣለዉ ዝብል፡ ንዝምልከቶ ኣካል ምሕታት ይሓይሽ። ሕዚ እውን ደጊመ ዘረጋግጾ፡ ዝኾነ ይኹን ወፃእተኛ በዓል ሃፍቲ እንክመፅእ፡ ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ንክሰርሕ ነተባብዕን ንድግፍን ኢና" ኢሉ።

ኣብ ጉዳይ እዞም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተዓገቱ ወፃእተኛታት፡ ንዳይሬክተር ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ጨንፈር መገዲ ኣየር ቦሌ ኣይተ ተስፋየ መኮነን ብተሌፎን ምስ ሓተትናዮ፡ "እዚ ጉዳይ ንዓይ ዝምልከተኒ ኣይኮነን፤ ዝፈልጦ ሓበሬታ እውን ኣይኮነን። ዳይሬክተር ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ጨንፈር መገዲ ኣየር ቦሌ ኣይኮንኩን" ዝብል መሊሱ።

መንግስቲ ትግራይ ንምንታይ ቀዲሙ ፍታሕ ዘየናደየ?

መንግስቲ ክልል ትግራይን ገዛኢ ውድብ እቲ ክልልን ፀኒሑ'ውን ባይቶ ክልል ትግራይ፡ መንግስቲ ፌደራል ሕጋዊ ስለዘይኮነ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ክህልወና ኣይኽእልን፡ ዝብል ብወግዒ ኣፍሊጡ እዩ።

ነዚ ስዒቡ'ውን መንግስቲ ፌደራል ርክብ ክህልወና ኣይኽእልን ዝብል ብቤት-ምኽሪ እታ ሃገር ኣቢሉ ኣፍሊጡ እዩ እሞ፡ "ከም ክልል መንግስቲ ንምንታይ ኢኹም ኣብ መንግስቲ ፌደራል ትፅቢታት ዘለኩም? ፍታሑ'ኸ እንታይ እዩ" ዝብል ሕቶ ንምክትል ኮምሽነር ኢንቨስትመንት ትግራይ ኣይተ ዳንኤል ኣቕሪብናሉ።

"እቲ ፈፃሚ ስራሕ ዝውስኖም ውሳነታት፣ ቤት-ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዘመሓላልፎም ውሳነታት፣ ቤት-ምኽሪ ፌደሬሽን ዘመሓላልፍዎም ውሳነታት እዮም ተፈፀምቲ ዘይኾኑ። በቶም ዝፀንሑ ሕግታት ግን፡ ንሕና'ውን ክንሰርሕ፣ ክንዳነ፣ ክንመሓደርን ክነመሓድርን ግቡእና እዩ" ይብል።

ኣካያዲ ስራሕ ዓኹ ትሬዲንግ ፒኤልሲ ኣይተ መዓርግ ሃይለኪሮስ፡ እቶም ብፌደራል መንግስቲ ናብ ትግራይ ከይከዱ ተኸልኪሎም ዝብሎም ወፃእተኛታት ሰብሞያ እንተዘይድኣ ዘይተፈቒዱሎም፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ወርሒ ዝደኸምሉ ስራሕ "ማይ ንማይ ከይተርፍ" ስግኣት ኣለዎ።

"እዚኦም እንተድኣ መጺኦም ነቲ ማሽን ኣንቀሳቒሶም፡ ፈቲኖም እንተደኣ ዘይኣረኪቦምና፡ እቲ ኩሉ ዝደምኸምናዮ እዩ ጠጠው ዝብል ዘሎ፤ ልዕሊ 100 ሚልዮን ድማ ናይ ንግዲ ባንኪ ልቓሕ ኣለና፡ እዚ እውን ብእዋኑ ክንከፍል ኣይንኽእልን። ቅልውላዉ ብዙሕ እዩ። ኣብ ሽግር ኢና ዘለና" ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።