ኣብ ኢትዮጵያ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዛጊድ እንታይ ጉድኣት ኣብጺሑ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሰኑይ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መብርሂ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ 240 ወረዳታት እታ ሃገር ከም ዝተራእየ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቶም እቲ ዕስለ ዝወረሮም ከባቢታት ድማ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮምያ፣ ዓፋርን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ከም ዝኾኑ ብምግላጽ፡ ካብቶም 240 ወረዳታት ድማ ኣብ 705 ጣብያታት ጥራሕ ጉድኣት ከም ዘብጸሐ ተዛሪቡ።
ኣብቶም ዝተጠቐሱ ከባቢታት ብድምር 4 ሚልዮን ሄክታር መሬት ከም ዝተሓረሰን፡ ካብዚ ኣስታት 420 ሽሕ ሄክታር ጉድኣት ከም ዝበጽሖ'ዩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ካብ ወጻኢ ኬሚካል ዝነጽጋ ነፈርትን ድሮናትን (ሰብ ኣልባ ነፈርትን) ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎን እንተኾነ እቲ መስርሕ ቀሊል ከም ዘይኮነ እውን ተዛሪቡ።
እቲ ወራር ዕስለ ኣንበጣ መዓዝ ተኸሲቱ?
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ዝተባህለ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ።
መበገሲ እቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ጉድኣት ዘብጽሕ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ 2018ን 2019ን ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዘጋጠመ ከቢድ ንፋስን ዝናብን ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ከም ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ደቡባዊ ዓረብ ዝነበረ ጠሊ ዝሓዘ ምቹእ ኩነታት ኣየር፡ እቲ ኣንበጣ ከይተፈለጠ ንሰለስተ ትውልዲ ክፋረ ዕድል ስለ ዝፈጠረሉ እዩ እቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ወራር ተኸሲቱ።
ወራር ዕስለ ኣንበጣ ካብ ዝተኸሰተሉ ወርሒ ሰነ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ጀሚሩ ናይ ምቁጽጻር ስራሕቲ እናሰርሐ ከም ዝጸንሐ ዝገልጽ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዕስለ ኣብ ወርሒ መስከረም 2013 ብየመንን ሶማሊያን ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገሊጹ።
ነቲ ዕስለ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ይስራሕ ከም ዘሎን ሰብ ሞያ'ውን ይረባረቡ ከምዘለዉን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ሕርሻ ይገልጹ።
ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ ተሓባበርቲ ኣካላት ብምዃን ዳህሰስቲ ሄሌኮፕተራት፣ ኬሚካል ዝነጽጋ ነፈርቲ፣ ኣብ መካይን ዝግጠምን ብሰብ ዝንቀሳቐስን መንጸግን ከምኡ'ውን ኬሚካላት መከላኸሊ ክዳውንትን መካይንን ከም ዘቕረበን ይገልጽ።
እንተኾነ ሕጸረት ነፈርቲ ስለዘ ዘሎ ተወሰኽቲ ንምርካብ ኣብ ጻዕሪ ከም ዘሎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ እዩ።
እቲ ዕስለ ንዝተወሰነ ግዜ ከም ዝቕጽል ዝሕብር ሚኒስትሪ ሕርሻ ብወገኑ፡ ነዚ ንምክልኻል ክሳብ 10 ነፈርቲን 150 ናይ ስራሕ ተሽከርከርትን ከምዘድልያ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, MOLA AMARE
ኦሮምያ
ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ክልተ ዞባታት ሃረርጌን ዞባ ሰሜን ሽዋን ከም ዝተራእየ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮምያ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ሰሜን ሽዋ ዝተርኣየ ዕስለ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝኣተወ'ዩ ዝብል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ኣቶ ዳባ ደበሌ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ ጀሚሩ ምስ ክልል ዓፋር ኣብ ዘዋስን ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ ፋንታሌ ከም ዝኸሰተ ይዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ 850 ሽሕ ሄክታር መሬት ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ፡ 288 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን ብኣንበጣ ከምዝተጠቕዐ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
ነቲ ወራር ንምክልኻል ስራሕቲ ምንጻግ ኬሚካል ይካየድ ከም ዘሎ ኣብ ሚኒስተር ሕርሻ፡ ዋና ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ልምዓት ኣዝርእቲ ኣቶ ኢሳይያስ ለማ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ክልተ ዞባታት ሃረርጌ ጉድኣት ካብ ዝበጸሖም ኣዝርእቲ፡ ምሸላ ሓደ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኣቶ ዳባ ማሕበረሰብ ዝሓቖፈ ኣገባብ ምክልኻል እቲ ወራር ሓዊሱ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለው ኢሉ።
ብመሽን፣ መኪና፣ ኣውሮፕላንን ድሮንን ዝተሓገዘ ነጸጋ ኬሚካል ይካየድ ከምዘሎ 'ውን ገሊጹ።
ሕጽረት ቀረብ ኣውሮፕላን ከም ዝነበረ ብምግላጽ ድማ " ሄሊኮፕተር ኣለና፣ ኬሚካል ንምንጻግ ዝሕግዛ ናእሽቱ ነፈርቲ ኣለዋና፤ ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ንምጥቃም እውን ንፍትን ኣለና" ኢሉ።
ብተወሳኺ ካብ ሚኒስትሪ ሕርሻን ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮምያን ዝተዋጽኡ ሰብ ሞያ ድማ ናብቲ ወራር ኣንበጣ ዝተርኣየሉ ከባቢ ይዋፈሩ ከምዘለዉ ኣቶ ዳባ ገሊጹ።
ኣምሓራ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ሰሜን ሽዋ ክሳብ ሰሜን ወሎ፡ ብዕስለ ኣንበጣ ከቢድ ጉድኣት ካብ ዝበጸሖም ወረዳታት ሓደ፡ ወረዳ ሃብሩ እዩ።
ኣብቲ ወረዳ ኣብ ሸውዓተ ጣብያታት ዝነበረ ኣዝርእቲ በቲ ዕስለ ባዲሙ እዩ።
ሓረስታይ ዓሊ ስዒድ፡ ነባሪ ጣብያ ጥልፌ እዩ።
ካብ ኣርባዕተ ናይ ሕርሻ መሬት ኣስታት 13 ጽምዲ ዘውዕል ( ልዕሊ 3 ሄክታር) ኣዝርእቱ ጠፊኡ።
ሓንቲ መሬት ከም ዝተረፈቶ ዝገልጽ ኣቶ ዓሊ "እቲ ዝተረፈ ንቀለብ ወርሒ እኳ ኣይኸውንን፤ ዓመት ምሉእ ዝደኸምናሉ ይትረፍ ንዓና ንከፍትና እኳ ከም ዘይተርፍ ገይሩ ኣጥፊእዎ" ብምባል ዝወረዶ ዕንወት ይገልጽ።
እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ 4 ዞባታት፣ 18 ወረዳታትን 136 ጣብያታትን ከም ዝተራእየ ዝገልጽ ምክትል ቢሮ ሕርሻ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ፋንታሁን መንግስቴ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 328 ሽሕ ሄክታር መሬት በቲ ዕስለ ከም ዝተወረረን ፍርቁ ዝኸውን ኬሚካል ብዝነጽጋ ነፈርቲ ሓዊሱ ብዝተፈላለየ መገዲ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ከም ዝተሰረሐሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ዕስለ ኣብ ልዕሊ 87 ሽሕ ሄክታር እኽእልን ቀለብ እንስሳን ጉድኣት ከም ዘብጸሐ ዝሕብር ኣቶ ፋንታሁን፡ እቲ ኣስታት 30,500 ሄክታር ኣዝርእቲ ከም ዝኾነ ጠቒሱ።
ብተወሳኺ ናይቲ ክልል ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት ምግብን፡ ኣዝርእቶም ንዝጠፈኦም ሓረስቶት ንምሕጋዝ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, MOLA AMARE
ትግራይ
ሓረስታይ ንጉስ ሲሳይ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ነባሪ ወረዳ ጨርጨር እዩ።
እዚ ወዲ 50 ዓመት ሓረስታይ፡ ብማሕረስ እዩ ሸውዓተ ኣባላት ቤተሰቡ ዘመሓድር።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ክልቲኦም ዓበይቲ ደቁ ሒዙ መሬቱ እናተኸናኸነን እናዳለወን ከምዝጸንሐን፡ ምስ በቖለ ድማ በዓልቲ ገዝኡ እውን እግሪ እግሩ እናሰዓበት በብእዋኑ ክትጽህይ ምጽናሓ ይገልጽ።
ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት ኣብ 250 ሄክታር መሬት ጣፍ፣ዕፉንን ዓተርን ዘሪኡ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣቶ ንጉስ "ጽቡቕ ተስፋ ዝህብ ዝናብ ስለዝነበረ፡ ካብ ሓደ ሄክታር ክሳብ 80 ኩንታል ዕፉን፣ 40 ኩንታል ጣፍ ክረክብ እየ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ። እዚ ኹሉ ብዕስለ ኣንበጣ ተበሊዑ ጠፊኡ" ይብል።
ነዚ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ዝሰረሐሉን ዓብዪ ተስፋ ዝገበረሉን ዝራእቲ፤ ሃንደበት ብዕስለ ኣንበጣ እንትውረር፡ ካብ ጉድኣት ንምድሓን ብባህላዊ መንገዲ ምስ መናእሰይን ማሕበረሰብን ብምትሕብባር ንምክልኻል 'ኳ እንተፈተኑ ውጽኢት ከምዘይተረኸቦ ገሊጹ።
"ኣብ ቀረባ ግዜ ንሳልሳይ እዋን ዝመጽአ ወራር ኣንበጣ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለዝኾነ ክንከላኸሎ ኣይከኣልናን። ኣብዚ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ኣዐርየን ተጨኒቐን። ደሓን ሰብነት ዝነበረን ኣንስትና ተስፋ ቖሪጸን ጸሊመን። እንታይ ክንበልዕ ኢና? ናበይ ኢና ኽንከይድ? እየን ዝብላ ዘለዋ" ክብል ምረቱ ገሊጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







