ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣብ መኸተ ኣንበጣ ወፊሮም

ኣብ ሓለዋ ግራውተን ዝርከባ ኣዴታት ትግራይ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሓለዋ ግራውተን ዝርከባ ኣዴታት ትግራይ

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብኣንፈት ወጀራት ናብ እንደርታን ከባቢ መቐለን ንዝመፅአ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ሓይልታት ፍሉይ ሓይሊ ክልልን ሰራዊት ፈደራልን ኣብ ኣሸጎዳ ብሓባር ክሰርሑ ተራእዮም።

እቶም ኣብቲ ወፍሪ ዝተሳተፉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ኢትዮጵያ ዓሪዱ ዝርከብ 'ሰሜን እዝ' እዮም።

ኣብ ኵሓ ዝነበሩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ትግራይ ብወገኖም፡ ብኣይስዙን ሲኖትራክን ተሳፊሮም ናብ ጣብያ ዳንዴራ ቁሸት ኣሸጎዳ ብምኻድ ነቲ ወራር ንምምካት ኣብ ጎኒ ሓረስቶት ከምዝተሰለፉ፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሪፖርተር ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ፡ ዝበዝሕ ዘራእቲ ስርናይ ስገ: ብርስንን ነቒፁ ምዕፃድ ዝተጀመረ እንትኾን፡ ብፍላይ ጣፍ ግን ገና ኣብ ብርኪ ምፍራይ ይርከብ።

ኣብ ሰማይ ዝተዘርገሐ ጣቓ መሲሉ ዝመፅአ ዕስለ፡ ኣብ ግራት ከይዓርፍ እቶም ሓይልታት ምስ ሓረስቶት ኮይኖም ጠያይቲ ብምትኳስ: ድምፂ ጥሩምባ መካይን ብምስማዕን ኣብ ናይ ማይ ጎማ ፀፀር መሊኦም ድምፂ ብምፍጣርን ተኸላኺሎም።

ኣደታት ነበርቲ ጣብያ ዳንዴራ፡ ወላ'ኳ ብሓገዝ እቶም ሰራዊት እንተተሓበና ዘራእቲ ኣብ ኣጋ ምዕፃዱ ኣደዳ ኣንበጣ ክኸውን ግን ወደቓ ኮይንወን ኣብ ግራተን ኮይነን ከቋምታ ተገዲደን ኣለዋ።

ሓይልታት ጸጥን ህዝብን ኣብ ምክልኻል ወራር ኣንበጣ
መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ጸጥታን ህዝብን ኣብ ምክልኻል ወራር ኣንበጣ

ኣብ ትግራይ ብዘይካ ዞባታት ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ዝኣተወ ኣንበጣ ከቢድ ዕንወት የውርድ ከምዘሎ መንግስቲ እቲ ክልል ይገልፅ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ዞባ ደቡብ ሎሚ ንቢቢሲ ርእይቶኦም ዝሃቡ ሰባት፡ ኣብ መኾኒ: ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ገነቴ፡ ኣብ ልዕሊ ገርሁ መሸላ ሓደጋ ከምዝወረደ ይገልፁ።

መሬት ራያ ብፍላይ ብሕርሻ መሸላ ከምዝልለ: ኣብ ግራውቲ ጎጕሙ ዝነበረ ግንቦ ማሸላ ምርዳእ ይከኣል::

ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ብሓይሊ ሰብን ኣብ ዝባን መኪና ተፃዒኑ 360 ዲግሪ እናዘወረ ዝነፅግ ማሽን ብምጥቃምን ኬሚካል ይነፅግ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ወራር ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ብብዝሓዞ ክከላኸል ተገዲዱ'ሎ።

ብዙሓት መናእሰይ ናብቲ ብኣምበጣ ዝህሰ ዘሎ ከባቢታት ብምኻድ: ቀትሪ ቀትሪ ኣንበጣ ኣብ ግራት ከይዓርፍ ኣብ ምክልኻል ይሕግዙ ኣለዉ።

ምስ'ዚ ብምትእስሳር ካብ ሃገሮም ወፂኦም ዝነብሩ ተጋሩ ባንክ ሒሳብ ብምኽፋት ብስም ወፍሪ "ትግራይ ትዳመፅ ኣላ" ገንዘብ ይእክቡ ኣለዉ።

ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ድማ ልዕሊ 603,000 ዶላር ከምዝተኣከበ ኣብቲ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ዘሎ ሒሳብ ባንክ (ጎ-ፈንድ-ሚ') ምርኣይ ይከኣል።

ብተመሳሳሊ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ገለ ኤርትራውያን እውን በቲ ዕስለ ዘራእቶም ንዝዓነዎም ሓረስቶት ትግራይ ዝውዕል ሓገዝ ገንዘብ የዋጽኡ ኣለዉ። ዛጊድ ልዕሊ 26,000 ዶላር ከምዝኣከቡ ንምርኣይ ይከኣል።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ካብ መንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ መፂኤን ኬሚካል ዝነፀጋ ነፈርቲ ከምዘየለዋ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይን ኣይተ ምክኤለ ምሩፅ ይገልፅ።

ብወገን ሚኒስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ ድማ: ነፈርቲ ንምልኣኽ ከምዝኽእሉን ክልል ትግራይ ዝነፅጋሉ ከባቢ ኣነፂሩ ክነግሮም ከምዝሓተቱን ከምዘይተነገሮምን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበራ ለማ ንቢቢሲ ምግላፁ ይዝከር።