ኬንያ ብደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይርስ ትጥቃዕ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ሆስፒታላት ብሓደሽቲ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክመልኣ ብምጅማረን ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ኬንያ ድሕሪ እቲ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳታት ኣብ ወርሒ መስከረም ምፍኳሳ ትማሊ ሰኑይ 27 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ሓደ መዓልቲ 18 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ብምማቶም፡ ዝለዓለ ሞት ዝተመዝገበላ መዓልቲ ኮይና ኣላ።
ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ወርሒ ጥቅምቲ ጥራይ ከኣ ልዕሊ 200 ሞት ተመዝጊቡ'ሎ።
መጠን መልከፍቲ'ውን ብናህሪ ይውስኽ ሰለ ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል እታ ሃገር ዝርከባ ሆስፒታላት ብሕሙማን ክመልኣ ጀሚረን ኣለዋ።
ካብተን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ስሩዕ ትምህርቲ ክህባ ጀሚረን ዝነበራ ኣብያት ትምህርቲ'ውን፡ መምሃራንን ተመሃሮን ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ ስለ ዝጀመሩ ዳግማይ ተዓጽየን ኣለዋ።
ካብዞም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝሞቱ ከኣ፡ ተመሃሮ፣ መምሃራንን ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕናን ይርከብዎም።
ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብውሕዱ 100 ተመሃሮን መምሃራንን ኮሮናቫይረስ ምስ ተረኸቦም ሓያሎ ካብተን ካብ ዝኽፈታ ሒደት ሳምንቲ ዝገበራ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግማይ ተዓጽየን ኣለዋ።
ከተማ ሞምባሳ ኣብ ሓደ እዋን ቀንዲ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሃገረ ኬንያ ኮይና እኳ እንተነበረት ድሒራ ግን ነቲ ለበዳ ክትቆጻጸሮ ክኢላ ነይራ'ያ።
ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ሪፍት ቫሊ፣ ናኩሩን ኢልዶረትን ዝብሃላ ምምሕዳራት እታ ሃገር እቲ ለበዳ ብቅልጡፍ ይላባዕ ምህላው ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ብዙሓት ሆስፒታላት ኬንያ እቲ ክሕዘኦ ዝኽእላ ዓቕመን ስለ ዝመልአ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ግን ድማ ዝተሓላለኸ ሕዱር ሕማማ ዘይብሎም ኣብ ገገዝኦም ኮይኖም ባዕላቶም ዝሕከሙን ምክትታል ዝግበረሎምን ሕሙማን ከምዘለው ይሕበር።
ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ሆስፒታላት፡ መመርመሪ ክፍሊት ክቡር ስለ ዝኾነ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ተራእይዎም ክንሱ ዘይተመርመሩ ሰባት ብዙሓት ብምህላዎም ዝሻቐልሉ ጉዳይ እዩ።
ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ጠንቂ እቲ ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ መንግስቲ ኬንያ ነቲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳታት ብሰንኪ ቁጠባዊ ኩነታት ምስ ኣፍኮሶ፡ ሰብ ሽለልትነት ስለ ዘብዝሐ ዝሰዓበ’ዩ ኢሎም እዮም ዝገልጽዎ።
ምስ ምልዓል እቲ እገዳ ኣብያተ መስተ ስለዝተኸፈታን ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ብዙሕ ፖለቲካዊ ምትእኻብ ስለ ዝነበረን እውን ከም ጠንቂ ይጥቀስ'ዩ።
ኣብ ኬንያ ክሳብ ሎሚ 50 ሽሕን 833 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም 35 ሽሕን 822 ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም፤ ካልኦት 934 ሰባት ድማ ከም ዝሞቱ ተመዝጊቡ'ሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







