ኣብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኬንያ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ሃዲኡ

ባርዕ ሓዊ

ምንጪ ስእሊ, KENYA WILDLFE SERVICE

ኣገልግሎት ምክልኻል እንስሳ ዘገዳም ኬንያ፡ ኣብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ሳቮ ብቀዳም ዝጀመረ ባርዕ ጫካ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣብ ቁጽጽር ከምዝውዓለ ገሊጹ።

ፖሊስ ኬንያ፡ ነዚ ባርዕ ዘጀመርዎ ጥርጡራት ይደልዮም ምህላዉ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ መጥፋእ እቲ ባርዕ ጫካ ኣማኢት ወለንተኛታትን ሰራዊት ኬንያን ከምዝተሳተፉ ኣገልግሎት ምክልኻል እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኬንያ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ሳቮ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ሃገራዊ ሕዛእቲ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ኣማኢት ኣናብስ፡ ሓራምዝን ብዕራይ በረኻን ዝርከብዎ መስሕብ በጻሕረቲ እዩ።

እዚ ሕዛእቲ እዚ፡ ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ካብ ውሽጢ ኬንያን ወጻእን ዝመጽኡ በጻሕቲ ይነግድዎ።

እዚ ባርዕ ጫካ፡ ኬንያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ቱሪዝም ክትረኽቦ ዝነበራ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣብ ዝኸሰረትሉ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ሕዛእቲ ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣገልግሎት ምክልኻል እንስሳ ዘገዳም ኬንያ፡ ነቶም ኣብ ምጥፋእ እቲ ባርዕ ጫካ ዝተሳተፉ ብምምስጋን “እቲ ባርዕ ዘስካሕክሕ’ዩ ነይሩ” ኢሉ።

ሓይሊ ኣየር ኬንያ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ማይ ዝንስንሳ ሄሊኮፕተራት ከምዘዋፈረ ኣገልግሎት ምክልኻል እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እቲ ሃገራዊ ሕዛእቲ ብዙሕ ግዜ እዩ ባርዕ ጫካ ዘጋጥም።

ሸልድሬክ ዋይልድላይፍ ትረስት ዝተብሃለ ኣብ ምዕቃብ ሕዛእትታት ዝሰርሕ ጉጅለ ነዚ ዘጋጠመ ተደጋጋሚ ባርዕ ጫካታት ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝሃቦ መግልጺ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብርቱዕ ዝናብ ስለዝነበረ ኣብቲ ጫካ ዝርከብ ሳዕሪ ልዕሊ ዓቐን’ዩ ነዊሑ፡ ብድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ዝተራኣየ ብርቱዕ ንፋስ ድማ ነቲ ባርዕ ኣጋዲድዎ” ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣፍሪቃ ንምንታይ ግዙፍ ሓምለዋይ ሕዛእቲ ትግርብ?