ዚምባብወ፡ ሓንቲ በጻሒት ብሓርማዝ ተረጊጻ ሞይታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዚምባብወ ሓንቲ በጻሒት ብሓራምዝ ድሕሪ ምርጋጻ ከም ዝሞተት ኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሩ።
እቲ ጓል 49 ዓመት ዝኾነት ጀርመናዊት በጻሒት ኣብ ሓደ ፍሉጥ ተፈጥሮኣዊ ሕዛእቲ ናይታ ሃገር ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን'ዩ ካብቶም ሓራምዝ መጥቃዕቲ በጺሕዋ ክብል እቲ ኣገልግሎት ዜና፡ ንሰብመዚ እንስሳ ዘገዳም ብምጥቃስ፡ ገሊጹ።
እቲ ሓደጋ ኣብቲ ማና ፑልስ ፓርክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ኣብ ሰሜን ዚምባብወ ዝርከብ መካነ እንስሳታት'ዩ ኣጋጢሙ።
እታ ስማ ዘይተጠቕሰ ግዳይ፡ ንሓደ ዕስለ ሓራምጽ ድሕሪ ምስኣላ'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዋ ክብል ኣፈኛ በዓልመዚ ሕዛእትታትን ምምሕዳር እንስሳ ዘጋዳምን ዚምባብወ፡ ቲናሸ ፋራዎ ንኤ ኤፍ ፒ ተዛሪቡ።
"እቲ ዘሎና ሓበሬታ፡ እቶም በጻሕቲ ሓደ ዕስለ ሓራምዝ ናብቲ ፓርክ ክኣትዉ ከም ዘጋጠምዎን ስእልታት ይወስዱ ከም ዝነበሩን'ዩ"
"ነታ ጓል-ኣንስተይቲ በጻሒት ንምጥቃዕ እንታይ ከም ዝደፋፍኦምን ኣይፈለጥናን" ድሕሪ ምባል፡ "ካብቲ ዝወረዳ ጉድኣት ትማሊ [ረቡዕ] ዓሪፋ" ክብል ገሊጹ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







