ታይዋናዊ በፃሒ ብጉማረ ተነኺሱ ህይወቱ ሓሊፉ

ኣብ ኮሎምብያ ዝርከብ ጉማር

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እዚ ኣብ ኮሎምብያ ማእኸል እንስሳት ዝርከብ ጉማር እንትኸውን፡ ቁጡዕ ኾይኑ ኣስናኑ ድማ በላሕቲ እዩ።

ኣብ ኬንያ ናይቫሻ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ንርእሱ ኣብ ምዝንናይ ዝነበረ ታይዋናዊ በፃሒ ብጉማረ ተነኺሱ ብዝበፅሖ ሓደጋ ህይወቱ ክሓልፍ ክኢሉ።

ወዲ 66 ዕድመ ቻንግ ሚንግ ቹዋንግ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኬንያ 90 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መዘናግዒ እንስሳ በረኻ ዝርከብ ናይቫሻ ቃላይ እዩ እዚ ንሞት ዘቃለዖ ሓደጋ ዝበፅሖ።

ካሊእ ታይዋናዊ በፃሒ ድማ ተመሳሳሊ ሓደጋ በፂሑዎ ካብ ሞት ድሒኑ።

ኣብዚ መዘናግዒ ቦታ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ሽድሽተ ሰባት ብጉማረ ተነኺሶም ከምዝተቐትሉ መረዳእታት ይሕብሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዓለም ብበዝሒ ካብ ዝርከቡ መጥበውቲ እንስሳት ሓደ ዝኾኑ ጉማሬ ፀፍሒ ባሕሪ ሓፍ እንትብል ካብ ማይ ወፂኦም ኣብ ሪዞርታት ሳዕሪ ክምገቡ ይሰተውዓሉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣገልግሎት እንስሳት በረኻ ኬንያ መጀመርታ እቶም በፃሕቲ ቻይናውያን ከምዝኾኑ ገይሮም ዝገለጹ እንትኾን፡ ፀኒሑ ግና መንግስቲ ታይዋን ዜጋታቱ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝብሉዎ፡ እቶም ሓደጋ ዝበፅሖም በፃሕቲ ኣብ ጥቓ ሶፓ ዝተብሃለ ሆቴል ናብቲ ጉማሬ ኣዝዮም ተፀጊዖም ነይሮም።

እቲ ኣብ ኣፍልቡ ዝተነኽሰ እናደመየ ናብ ቀረባ ሆስፒታል እንተተወሰደ'ኳ ብህይወቱ ምትራፍ ኣይተኽኣለን።

እቲ ካልኣይ ሓደጋ ዝበፅሖ ግና ቀሊል ሓደጋ ስለዝኾነ ረዲኤት ሕክምና ተገይሩሉ ክድሕን ክኢሉ'ሎ።