እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታይዋናዊ በፃሒ ብጉማረ ተነኺሱ ህይወቱ ሓሊፉ
ኣብ ኬንያ ናይቫሻ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ንርእሱ ኣብ ምዝንናይ ዝነበረ ታይዋናዊ በፃሒ ብጉማረ ተነኺሱ ብዝበፅሖ ሓደጋ ህይወቱ ክሓልፍ ክኢሉ።
ወዲ 66 ዕድመ ቻንግ ሚንግ ቹዋንግ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኬንያ 90 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መዘናግዒ እንስሳ በረኻ ዝርከብ ናይቫሻ ቃላይ እዩ እዚ ንሞት ዘቃለዖ ሓደጋ ዝበፅሖ።
ካሊእ ታይዋናዊ በፃሒ ድማ ተመሳሳሊ ሓደጋ በፂሑዎ ካብ ሞት ድሒኑ።
ኣብዚ መዘናግዒ ቦታ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ሽድሽተ ሰባት ብጉማረ ተነኺሶም ከምዝተቐትሉ መረዳእታት ይሕብሩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዓለም ብበዝሒ ካብ ዝርከቡ መጥበውቲ እንስሳት ሓደ ዝኾኑ ጉማሬ ፀፍሒ ባሕሪ ሓፍ እንትብል ካብ ማይ ወፂኦም ኣብ ሪዞርታት ሳዕሪ ክምገቡ ይሰተውዓሉ።
ኣገልግሎት እንስሳት በረኻ ኬንያ መጀመርታ እቶም በፃሕቲ ቻይናውያን ከምዝኾኑ ገይሮም ዝገለጹ እንትኾን፡ ፀኒሑ ግና መንግስቲ ታይዋን ዜጋታቱ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝብሉዎ፡ እቶም ሓደጋ ዝበፅሖም በፃሕቲ ኣብ ጥቓ ሶፓ ዝተብሃለ ሆቴል ናብቲ ጉማሬ ኣዝዮም ተፀጊዖም ነይሮም።
እቲ ኣብ ኣፍልቡ ዝተነኽሰ እናደመየ ናብ ቀረባ ሆስፒታል እንተተወሰደ'ኳ ብህይወቱ ምትራፍ ኣይተኽኣለን።
እቲ ካልኣይ ሓደጋ ዝበፅሖ ግና ቀሊል ሓደጋ ስለዝኾነ ረዲኤት ሕክምና ተገይሩሉ ክድሕን ክኢሉ'ሎ።