እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ኡሁሩ ኬንያታን ራይላ ኦዲንጋን ዕርቂ ክገብሩ ይመባጽዑ
ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ተቐናቓኒ መራሒ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋን መስርሕ ዕርቂ ክጅምሩ ከምዝኾኑ ቃል ኣትዮም።
ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንመጀመርታ ግዜኦም'ዮም ብሓባር ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብተሌቪዥን ቀሪቦም ኣኼባ ዘካይዱ ዘለዉ።
ብሰንኪ'ቲ ኣከራኻሪ ዝኾነ ዉጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተላዕለ ናዕቢታት ሞት ኣስታት 150 ሰባት ከምዘስዓበ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ራይላ ኦዲንጋ ንዓወት ኡሁሩ ኬንያታ ብምንጻግ ንገዛእ ርእሱ "ብህዝቢ ዝተመረጸ ፕረዚደንት" ኢሉ ብምሻም ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ክልቲኦም ወገናት ክራኸቡ ድልውነት ከየርኣዩ'ዮም ጸኒሖም።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ሎሚ ዓርቢ ንናይሮቢ ክኣቱ ትጽበት ይግበረሉ።
ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ መግለጺኡ፡ "መስርሕ ዘተ ብምጅማር፡ እቲ ክመቓቕለና ዝፍትን ከነለልዮ ክንፍትን ኢና" ኢሉ። ራይላ ኦዲንጋ ብወገኑ፡ "ፍልልያትና ንፈትሓሉ ግዜ ኣዂሉ'ሎ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ኬንያታ ንኻልኣይ ግዜ መራሒ ኮይኑ ንኸገልግል'ዩ ዝሓለፈ ሕዳር ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ። እንተኾነ ግን፡ ራይላ ኦዲንጋ ነቲ ንካልኣይ ግዚኡ ኣብ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ምርጫ ብምኹናን ከምዘይተሳተፈ ይፍለጥ።
ቤት ፍርዲ'ታ ሃገር፡ ኣብቲ ብነሓሰ ዝተኻየደ፡ ብዓወት ኬንያታ ዝተፈጸመ ፈላሚ ምርጫ፡ ዘይስሩዕ ተርኢዮታት ድምጺ ነይሩ ብምባል፡ ዳግማይ ምርጫ ንኽካየድ ከምዝኣዘዘ ይዝከር።
ይኹን እምበር፡ ኦዲንጋ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዳግማይ ምርጫ'ውን እንተኾነ ካብቲ ቀዳማይ፡ ዝኾነ ለውጢ ከምዘይነበሮ'ዩ ዘማርር።