እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቦቆል ዓዲ ኦባማ፡ ንፕረዚደንት ነበር ኣመሪካ ብውዕውዕ ስምዒት ተቐቢላቶ
ኣብ ምዕራብ ኬንያ እትርከብ ኮጎሎ እንትባህል ዓዲ፡ ድሕሪ 12 ዓመታት ነቲ ህቡብ ዝኾነ ውላዳ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ እንትትቅበል ኣብ ውዕዉዕ ስምዒት ነይራ።
ባራክ ኦባማ ነዛ መቦቆል ዓዱ ዝኾነት ኮጎሎ ሰናተር ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2006 ምስ ርኣያ'ዩ።
ባራክ ኦባማ፡ ብሓፍቱ ንዝካይድ ፕሮጀክት መንእሰያት ኣብ መመረቕትኡ ንምርካብ'ዩ ብሰንበት ኬንያ ኣትዩ።
እዚ ብሓፍቲ ኦባማ ዝካየድ ፕሮጀክት 'ሳዉቲ ኩ ፋውንደሽን' ዝብሃል ኮይኑ፡ ሰፖርትን ሞያውን ስልጠናታታት ዝህብ ማእከል'ዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ናብ ኬንያ ድሕሪ እቲ ኣብ ፕረዚደንትንት እንከሎ ኣብ 2015 ዝገበሮ ዑደት እዚ ናይ ፋልማዩ እዩ።
ኦባማ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ እሁሩ ኬንያታ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ከምዘተራኸበ ተሓቢሩ።
ካልእ ንኬንያውያን ኣዛራራቢ ዝኾነ ነገር፡ ኣብ ጋዜጣ ታንዛንያ ዝተሓተመ፡ ባራክ ኦባማን ስድራቤቱን ኣብ ሰረንጌቲ ሃገራዊ ፓርክ ኣብ ኬንያ ቅድሚ ምብጽሑ ሸሞንተ ምዓልታት የሕሊፉ ዝብል'ዩ።
ባራክ ኦባማ ድሕሪ ናይ ኬንያ ጻንሖት ዝመጽእ ሮቡዕ ናብ ዓመታዊ መዓልቲ ማንዴላ መደረ ንኸስምዕ ናብ ደቡብ ኣፍሪቓ ከምዝኸይድ ተፈሊጡ'ሎ።