ደቡብ አፍሪቃ፡ ሃደንቲ ሓርሽ ብኣናብስ ተበሊዖም

ምንጪ ስእሊ, SIBUYA GAME RESERVE
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ናብ ዝርከብ መካነ እንስሳት ሾሊኾም ዝኣተዉ ሃደንቲ-ሓርሽ ብኣናብስ ተበሊዖም።
እዞም ሃደንቲ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝኾኑ ተገሚቱ'ሎ።
ተረፍ ኣካል ናይቶም ሃደንቲ ዝተረኸበ እንትኾን ንሃደን ሒዞምዎ ዝወፁ ብረትን ምሳርን እውን ተረኺቡ።
ካብ ቀረባ ግዜታት ንደሓር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃደን ሓርሽ እናተጋደደ ዝመፀ እንትኾን፤ ምኽንያቱ ድማ ብኽቡር ዋጋ ዝሽየጥ ቀርኒ ሓርሽ ምዃኑ ይግለፅ ኣሎ።
ሓርሽ ብበዝሒ ካብ ዝርከበለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብተወሳኺ፡ ቻይናን ቬትናምን'ውን በዚ ጉዳይ ተፀጊመን ኣለዋ።
ናይቲ መካነ እንስሳት ወናኒ ዝኾነ ግለሰብ ኣብ ፌስቡኩ ከምዝፀሓፎ፡ እቶም ሃደንቲ ፀልማት ጉልባብ ገይሮም እዮም ናብቲ ኸባቢ ኣትዮም።
"ነዞም ሃደንቲ ክንደይ ኣናብስ ከምዝበልዕዎም እኳ እንተዘይፈለጥና፡ ብዙሓት ከምዝኾኑ ግን ንግምት" ኢሉ።
ተረፍ ኣካል ናይቶም ሰባት ምስተረኸበ፡ ምፅራይ ንምግባር እቶም ኣናብስ ብመደንዘዚ ክድቅሱ ተገይሩ።
ካልእ ብኣናብስ ዝተበልዐ ሃዳናይ እንተሃልዩ ንምፅራይ ፖሊስ ነቲ ኸባቢ እኳ እንተፈተሸ፡ ገለ ኣፋፍኖት ግን ኣይረኸበን።
ሎሚ ዓመት ጥራሕ፡ ኣብዚ መካነ እንስሳት ዝነበሩ ትሸዓተ ሓርሻት ተቐቲሎም'ዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ድማ ከባቢ 7 ሽሕ ሓርሻት ኣደዳ ሃደንቲ ምዃኖም ይግለፅ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







