ኣብ ቦትስዋና ብዘይተፈልጠ ሕማም ኣማኢት ሓራምዝ ሞይቶም ተረኺቦም

ኣብ ቦትዋና ብዘይተፈልጠ ሕማም ኣማኢት ዝቑጸሩ ሓራምዝ ሞይቶም ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED

ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣማኢት ሓራምዝ ክሳብ ሕጂ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ነገር ሞይቶም ብምርካቦም ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ዶክተር ኒያል ማክናን፡ ምስ መሳርሕቱ ኣብ ሰማያት ቦትስዋና ኣብ ኦካቫናዶ ደልታ ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ልዕሊ 350 ዝሞቱ ሓራምዝ ምርኣዮም ይገልጽ።

እቶም ዝሞቱ ሓራምዝ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝሞቱ ንምጽራይ መንግስቲ ቅምሶ እኳ እንተወሰደ እቲ ውጽኢት ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተነገረን ዘሎ።

በዚ መሰረት ቦትስዋና ካብተን ሓራምዘን ብቅልጡፍ ዝጸንቱ ዘለዉ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሳልሳይ ተርታ ተሰሪዓ ኣላ።

ዶክተር ኒያል ማክናን ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝመደበሩ ኣብ ምዕቃብ ሃገራውያን ሕዛእቲ ዝነጥፍ ትካል ግበረሰሰናይ እዩ ዝሰርሕ።

ሞይቱ ዘሎ ሓርማዝ

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሓበሮ፡ እቶም ሓለውቲ ሕዛእቲ፡ ኣብ ኦካቫናዶ ደልታ ሞት ሓራምዝ ብብዝሒ የጋጥም ከምዘሎ ኣብ ወርሒ ግንቦት ንመንግስቲ ከምዝሓበሩ እዩ ዝሕብር።

“ኣብ ናይ ሰለስተ ሰዓታት በረራ 169 ዝሞቱ ሓራምዝ ክቆጽሩ ክኢሎም፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት ክንድዚ ብዝሖም ዝሞቱ ሓራምዝ ክትርኢ ዘገርምን ዘሕዝንን ነገር እዩ” ድማ ይብል።

ዶክተር ኒያል ማክናን ብምስዓብ “ድሕሪ ሓደ ወርሒ’ውን ካልእ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቂሶ ቁጽሪ ዝሞቱ ሓራምዝ ልዕሊ 350 ምኳኑ ብዓይና መስኪራ መጺኣ” ይብል።

ብምስዓብ “ምስ ድርቂ ምትሕሓዝ ብዘይብሉ ምኽንያት ኣብ ውሱን እዋን ክንድዚ ዝኣኽሉ ሓራምዝ ክሞቱ ዳርጋ ናይ ፈለማ ተርእዮ እዩ” ይብል።

መንግስቲ ቦትስዋና እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተረኣየ ሞት ሓራምዝ ምስ ዘይሕጋዊ ሃድን ብምዝማድ’ዩ መግለጺ ሂብሉ፡ እንተኾነ እቶም ዝሞቱ ሓራምስ ኣቅርንቶም’ውን ስለዘይተወሰደ ብሃድን ከምዘይተቐተሉ ከም መረጋገጺ ክውሰድ ይከኣል እዩ።

“ኣብቲ ከባቢ ካብቶም ኩሎም እንስሳ ዘገዳም ሓራምዝ ጥራይ እዮም ዝሞቱ ዘለዉ፡ ኣብቲ ቦታ ሃደንቲ ስሚ ነስኖሶም ኣለዉ ከይትብል ከኣ ካልእ ዝሞቱ እንስሳ የለዉን” ይብል ዶክተር ኒያል ማክናን።

ዶክተር ኒያል ማክናን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ልዕሊ 100 ሓራምዝ ሞይቶም ምንባሮም ብምዝካር፡ ጠንቂ ሞቶም ምስማም ድዩ ሕማም ዝኾነ ምጽራይ ከምዘይተገበረሉ ይሕብር።

እዞም ሞይቶም ዝተረከቡ ሓራምዝ መብዛሕትኦም ቁልቁል ኣፎም ናብ መሬት ዝተደፍኡ እዮም፡ እቶም ብህይወት ዘለዉ ኣካይደኦም ብምዕዛብ ጥንቂ ሞቶም ምስ ስነ-መትኒ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዶክተር ኒያል ማክናን ዝሕብር።

ሞይቱ ዘሎ ሓርማዝ

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED

ዶክተር ኒያል ማክናን ጠንቂ ሞት እዞም ሓራምዝ ብንጹር ምፍላጥ ንብዙሕ ነገር ከምዝሕግዝ እዩ ዝሕብር “ብሕማም ይሞቱ ስለዘለዉ እቲ ሕማሞም እንታይ እዩ ምፍላጥ ንደቂ ሰባት ሓጋዚ እዩ፡ ሕማሞም ናብ ሰብ ክምሓላለፍ ዝኽእል እንተኮይኑ ንምግትኡ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡ እዚ ሕጂ ንዓለም ዘሸግራ ዘሎ ኮቪድ 19 እውን ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ተመሓላሊፉ እዩ ዝብሃል” ብምባል ስግኣቱ ይገልጽ።

“ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡ ንዓለም እውን ዘስግእ ሕማም ክኸውን ድማ ተኽእሎ ኣለዎ” ይውስኽ ዶክተር ኒያል ማክናን።

ዶክተር ሲሪል ራኣሎ ምክትል ዳይረክተር ናይ ቦትስዋና ምክትታል እንስሳ ዘገዳምን ምዕቃብ ሃገራዊ ሕዛእትን እዩ። ንሱ ምስ ጋርድያን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ክሳብ ሕጂ ሞት 280 ሓራምዝ ከምዘረጋገጹ ብምሕባር ናይቶም ዝተረፉ የጻርይዎ ምህላዎም ሓቢሩ።

እንተኾነ ጠንቂ ሞት እዞም ሓራምዝ እንታይ ምዃኑ እንዶ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ዶክተር ሲሪል ራኣሎ “ካብቶም ዝሞቱ ቅምሶ ወሲድና ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሰዲድና ኣለና ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት መልሲ ክመጽኣና ከኣ ንጽበ ኣለና” ኢሉ።