እንስሳ፡ ጉዳይ ድሕነት ሓራምዝ ኣብ ዋዕላ ምዕቃብ ኣከባቢ ዓብላሊ ክኸውን`ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣፍሪቃ 19 ሃገራት ኣንጻር ዘይሕጋዊ ሃደን ሓራምዝ ክምክታ ከለዋ፡ ሓሙሽተ ድማ ሕጋዊ ሃደን ሓርምዝን መሸጣ ስኒ ሓርማዝ ክፍቀድን ይጠልባ።
እቲ ሎሚ ኣብ ጄኔቫ ዝጅምር ዋዕላ ኣከባቢ፡ ብዛዕባ ምዕቃብ ኣካባቢ ክዝቲ'ዩ'ኳ እንተተብሃለ፡ ጉዳይ ድሕነት ሓራምዝ ግን ዓብላሊ ኣርእስቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ተፈሊጡ።
ካብ 180 ሃገራት ዝመጽኡ ወከልቲ፡ ኣብቲ ኣህጉራዊ ንግዲ ኣንጻር ንጽንታ ዝተቓልዑ እንስሳታት ዝዝቲ ዋዕላ ክካፈሉ ኢዮም።
ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ተኣጊዱ ዝነበረ ንግዲ ስኒ ሓርማዝ ዳግም ክፍቀድ ጸቕጢ ክገብራ ኣየን ይብሃል።
በንጻሩ፡ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሓራምዝ ዝግበር ምክልኻል ብዝለዓለ ደረጃ ክቕጽል ይጠልቡ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሲሪላንካ ክካየድ ተመዲቡ ነይሩ።
እንተኾነ ድሕሪ`ቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሲሪላንካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ናብ ስዊዘርላንድ ከም ዝቕየር ተገይሩ።
ካብቶም ዝተታሕዙ ዛዕባታት ድማ ብዛዕባ`ቶም ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ሃደን [ፖቺንግ] ቁጽሮም ኣዝዩ ዘንቆልቁል ዘሎ ሓራምዝ ኣፍሪቃ፡ ብኸመይ ክግታእ ከም ዝኽእል ክኸውን ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ።
ኣብ 2016 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዓመት ካብ 30 ስጋብ 40 ሽሕ ሓራምዝ በቶም ዘይሕጋዊ ሃደን ዘካይዱ ሰባት ብምቕታሎም፡ ብገምጋም ቁጽሪ ሓራምዝ ኣብዚ እዋን ኣስታት 40,000 ይበጽሑ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ሓራምዝ እቲ ዝድለ ምክልኻል ስለ ዝግበረሎም፡ መሸጣ ስኒ ሓርማዝ ፍቓድ ድሕሪ ምሕታት ኢዩ ዝካየድ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ፡ ዛምቢያ ዋላ`ኳ ውሑዳት ሓራምዝ ይሃልዋ፡ ከም ብዓል ቦትስዋና፣ ናሚብያን ዚምባብወን ስኒ ሓርማዝ ብሕጋዊ መንገዲ ክሸጣ ክፍቀደለን ክሓታ እየን።
ኬንያ፣ ናይጀርያን ጋቦንን ዝርከብወን ሃገራት ድማ እቲ ንግዲ ስኒ ሓርማ ክኽልከል ይጠልባ።
ካብዚ ብምብጋስ፤ ሰራሕተኛ ሓደጋ ጽንታ ንዘንጸላልዎም እንስሳታት ዝጣበቕ ውድብ ቬራ ዌበር፡ "ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ ጉዳይ ሓርምዝ እቲ ቀንዲ መዛተዪ ዛዕባ ኢዩ ክኸውን'ዩ ኢላ።
"እቲ ቅድሚ 30 ዓመታት፡ ኣብ 1989 ዝሓለፈ ወሳነ ሓራምዝ ካብ ጽንታ ኣድሒንዎም። ሓሙሽተ ሃገራት ጥራይ እየን ንግዲ ስኒ ሓርማዝ ክፍቀድ ዝጠልባ ዘለዋ። ካልኦት 32 ሃገራት ግና ድሕነት ሓራምዝ ክረጋገጽን እገዳ መሸጣ ስኒ ሓርማዝ ድማ ክጸንዕን እየን ዝጠልባ" ኢላ ቬራ ዌበር።
"ድምጺ-ኣልቦ ጽንታ"
ዋል`ኳ ጉዳይ ሓርማዝ ኣብቲ ዋዕላ ዓብላሊ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ እንተኾነ፡ ጉዳይ ዘራፍ [ጂራፍ] ሻርክን ሓርሽን ከምኡ`ውን ገለ ጽንታ ዘንጸላልዎም ዓይነት ተኽልታትን ኣግራባትን`ውን ኣብቲ ዋዕላ ክልዓሉ ትጽቢት ይግበረሎም።
ገለ ሰብ ሞያ ኣከባቢ ብዛዕባ እተን ብዘይድምጺ ዝጸንታ ዘለዋ ዘራፍ ብዙሕ ይግደሱ።
ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ብሰንኪ ምብራስ ዱርን ዘይሕጋዊ ሃደንን ኲናትን መሸጣ ገለ ኣካላት እተን ዘራፋትን፡ ቅጽረን ብ40 ሚኢታዊት ከንቆልቁል ጸኒሑ።
ንፈልማ ኣዋን እዚ ብጉዳይ ጽንታ ዘንጸላለዎም እንስሳታት ዝጣበቕ ዋዕላ ድሕነት ዘራፋት ኣመልኪቱ እማመታት ከቕርብ ኢዩ ይብሃል።
ዋላ`ኳ ብጭቡጥ እቲ ቁጽሪ ናተን ዝጸነታ ዘራፋት ኣይፈለጥ ድኣ`ምበር፡ ኣሜሪካ ካብ 2006-2015 ኣስታት 40,000 ኣካላት ዘራፋት ናብ ዕዳጋ ከም ዝቐረበ ገሊጻ።
ብዝኾነ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ፡ ጉዳይ ሻርክ`ውን ኣዛራቢ ኣርእስቲ ክኸውን ኢዩ ይብሃል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሓት ዓጋዘን ብሕማምን ዘይሕጋዊ ሃደንን ስለ ዝተሃስዩ፡ ብዛዕባ መሸጣ እቶም ኣብ ሩስያ፣ ሞንጎልያን ካዛኪስታንን ዝርከቡ ብሳይጋ ዝፍለጡ ዓጋዘን`ውን ጥቡቕ ምቁጽጻር ክግበር`ውን ጠለብ ክቐርብ ኢዩ ይብሃል።
እቲ ካልእ ኣቓልቦ ዝስሕብ ዘሎ ጉዳይ ድማ ኣቲ ብእስራኤል ዝቐረበ፡ ንግዲ ስኒ ናይቶም ንሓራምዝ ዝመስሉ 'ብማሞዝ' ዝፍለጡ እንስሳታት ምእጋድ ኢዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







