ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳትን ዝተልዓለ ጎንፂ ምኽንያት ሞት 86 ሰባት ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ፖሊስ እቲ ኸባቢ ከምዝበሎ፡ ኣብ ናይጄርያ ግዝኣት ማእኸላይ ከበሳ ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳት ዝኾኑ ዓሌት ፉላኒን ብዝተልዓለ ጎንፂ ብውሕዱ 86 ሰባት ተቐቲሎም።
ገለ ሓበሬታት ከምዘብልዎ፡ ሓረስቶት ዓሌት ቤሮም ኣብ ልዕሊ ኣርባሕቲ እንስሳት ዝኾኑ ዓሌት ፉላኒ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ሓሙሽተ ድሕሪ ምቕታሎም እዩ እቲ ጎንፂ ዝሓለፈ ሓሙስ ተላዒሉ።
ሰንበት ሕነ ንምፍዳይ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድማ ምኽንያት ሞት ተወሰኽቲ ሰባት ኮእኑ።
ኣብቲ ኸባቢ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ብመሬት ዝተልዓለ ንነዊሕ ዓመታት ጎንፅታት ከጋጥሙ ፀኒሖም'ዮም።
ነዚ ጎንፂ ስዒቡ ኣብ ሰለስተ ክፋላት እቲ ግዝኣት ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ።
ኮሚሽነር ፖሊስ እቲ ግዝኣት ኡንዲ አዴ ከምዝብሎ ድሕሪ እቲ ደም ምፍሳስ ኣብ መንደራት ብዝተገበረ ኣለሻ 86 ሰባት ከምዝሞቱን ሽድሽተ ድማ ከምዝቖሰሉን ተፈሊጡ።
50 ገዛውቲ፣ 15 ሞተር ብሽክለታን ክልተ መካይንን'ውን ከምዝተቓፀላ እቲ ኮሚሽነር ተዛሪቡ።
ኣብ ማእኸላይ ግዝኣት ናይጄርያ ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ብምርባሕ እንስሳት ዝናበሩ ሰበኽ ሳግማዊ ማሕበረሰብን ብመሬትን መግሃጫን ዝለዓል ጎንፂ ልሙድ እዩ።
እንተኾነ ግን፤ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጎንፅታት ናብ ዓብዪ ማሕበረሰባዊ ኩናት ዝቕየርሉ እዋን ኣሎ፤ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ኣሸሓት ሰባት ዝሞትሉ ጎንፂ ናይዚ ውፅኢት'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ኣብዚ ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እስልምናን ዝኾኑ ማሕበረሰባት ዝጎራበትሉ ዞባ ሃይማኖታዊ ምትፍናናት ይረኣዩ - እቶም ኣርባሕቲ እንስሳ ካብ ኣሌት ፉላኒን ተኸተልቲ እስልምናን እንትኾኑ፤ እቶም ሓረስቶት ድማ ብኣብዝሓ ተኸተልቲ ክርስትና'ዮም።
እቲ ጎንፂ ንምንታይ እዩ ሕዚ ኣጋጢሙ ዝብል ግን ግልፂ ኣይኮነን። ፕረዚደንት ናይጄርያ ሙሃመዱ ቡሃሪ፡ ካብ ሊቢያ ዝኣቱ ዘይሕጋዊ ዝውውር ጠበንጃ ነቲ ጎንፂ ኣጋዲድዎ እዩ ክብል ይወቅስ።
ካልኦት ድማ፤ ሓይልታት ፀጥታ እታ ሃገር ብሓደ ወገን ምስ ቦኮ ሓራም ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ምስዝርከቡ ዓመፅቲ ኣብ ምውጋእ ስለዝተፀመዱ ፀጥታ ከውሕሱ ኣይከኣሉን ብምባል ይወቕሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







