ኣብ ዕለተ ምረቓኣ ምስ ሓርገፅ ዝተስኣለት ኣሜሪካዊት

ምንጪ ስእሊ, Makenzie Noland
እዛ ኣመሪካዊት ዕለተ ምረቓኣ ዘይርሳዕ ክኸውን ደልያ። ነዚ ድማ እያ፡ ናይ ምረቓ ክዳና ተኸዲና ናብ ሩባ ወሪዳ ምስ ሓርገፅ ፎቶ ዝተስኣለት።
እቲ ሓርገፅ'ውን እንተኾነ ፅቡቕ ስእሊ ወፂእሉ።
ማኬንዚ ኖላንድ እያ ትበሃል፤ ካብ ቴክሳስ ኤ ኤንድ ኤም ዩኒቨርስቲ፡ ብሳይንስ እንስሳ ዘገዳምን ሃብቲ ዓሳን፡ ዕለተ ዓርቢ ዲግሪኣ ረኺባ።
እዛ ተመራቂት ንልምምድ ስራሕ ናብዚ ቤይሞንት ዝበሃል መዕቆቢ እንስሳ ኣብዝኸደትሉ እዋን ምስ 450 ዓሌት ሓርገፅን ለመምታን ተላልያ።
ካብ ኩሎም ግን፡ ነዚ ቢግ ቴክስ ዝበሃል ሓርገፅ ፈትያቶ። እዚ ሓርገፅ ኣብ 2016 እዩ ናብዚ መዕቆቢ መፅዩ። ተምሃሪት ማኬንዚን፡ ሓርገፅ ቴክስን ፍሉይ ቅርርብ ዘማዕበሉ ኣብዚ እዋን ነይሩ።
ንሳ ከምእትብሎ፡ ኩልግዜ መግቢ ክትህቦ ናብ ሩባኡ ከይዳ ስሙ ክትፅውዖ እንከላ ይሰምዓ፤ ብኢዳ ንእተርእዮ ምንቅስቓስ ድማ ምላሽ ይህባ።

ምንጪ ስእሊ, Makenzie Noland
"በብመዓልቱ ናብቲ ንሱ ዘለሉ ሩባ ይኣቱ፡ ካብ ፅቡቓት መሓዙተይ እቲ ሓደ እዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እዛ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ኣብ ዝዓበየትሉ ኸባቢ፡ ሓርገፅ ዝርከበሉ ኣይነበረን። ሕዚ ግን በብመዓልቱ ምስዚ ሓርገፅ እያ ትውዕል።
"ካብ ቁልዕነተይ ጀሚሩ፡ ተመን ምሓዝን እንስሳት ምሑቋፍን እፎቱ ነይረ" ክትብል ንእስሳት ዘገዳም ዘለዋ ፍቕሪ ትገልፅ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







