ብዙሓት እጽዋት ካብ ምድረ-ገጽ ይጠፍኡ ምህላዎም ንሃለዋት ሰባት የስግእ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, REBECCA CAIRN WICKS
ኣብ ዝሓለፉ 250 ዓመታት 600 ዝጽግዑ እጽዋት፡ ካብ ምድረ-ገጽ ከም ዝጠፍኡ፡ ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
እቲ መጽናዕቲ፡ 600 ዝጽግዑ እጽዋት ካብዛ መሬት ምጥፍኦም፡ ንፍጥረታት ዘስግእ'ዩ ዝብል ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ'ውን ኣመሓላሊፉ።
እዚ ቑጽሪ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ምድረ-ገጽ ካብ ዝጠፍኡ፡ መጥበውቲ እንስሳትን ኣብ ማያዊ ኣካለት ዝርከቡ እንስሳትን ብክልተ ዕጽፊ ዝዛይድ ምኻኑ እዩ ዝሕበር።
እቶም ተመራመርቲ ከም ዝበሉዎ፡ እቶም ዝጠፍኡ ዘለው እጽዋት ብተፈጥሮአዊ ኸይዲ ክጠፍእሉ ካብ ዝግባእ 500 ዕጽፊ ዝቐልጠፈ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, RICHARD WILFORD
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ሚሊዮን ኣትክልቲ እንስሳትን ካብ ምድረ-ገጽ ከም ዝጠፍኡ ኣተሓሳሲኑ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።
ዶክተር ኣሊስ ሃምፍሬይስ "ናይ እንስሳት ምጥፋእ ብዙሕ ዘየገርም ክኸውን ይኽእል፤ ጉዳይ እጽዋት ግን ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ከሕስበና ይግባእ" ኢላ።
ካብቶም ዝጠፍኡ ኣትክልቲ፡ ንምህርቲ ዘይቲ ኣውሊዕ ዝውዕሉ እጽዋት ከም ዝርከቡዎም እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።
ደቂ ሰባትን ካልኦት ፍጥረታትን ዘተንፍሱዎ ኦክስጅን ካብ ኣትክልቲ ዝርከብ ምኻኑ፡ እዚ ጉዳይ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ክኸውን ገይሩዎ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







