ኣብ መንጫዕጫዕታ ታይ፡ ሽዱሽተ ሓራምዝ ሓድሕዶም ንምድሓን ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Thailand DNP
ኣብ ታይላንድ፡ ሓድሕዶም ንምድሓን ካብ መንጫዕጫዕታ ዝጸደፉ ሓራምዝ ኩሎም ሞይቶም።
እዚ ሓደጋ፡ ክሆ ይ ኣብ ዝተብሃለ ሃገራዊ መናፈሻ ካብ ዘሎ መንጫዕጫዕታ ሓደ ዕሸል ሓርማዝ ምስ ጸደፈ ከም ዘጋጠመ ሰበስልጣን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ጸድፊ ህይወቶም ንመድሓን እናተቓለሱ ዝተረኸቡ ካልኦት ክልተ ሓራምዝ ድማ፡ ረድኤት ናብ ዝረኽብሉ ቦታ ተወሲዶም።
እዚ 'መንጫዕጫዕታ ሸይጣን' ብዝብል ዝጽዋዕ ቦታ፡ ተመሳሳሊ ታሪክ ኣሕሊፉ'ዩ። ኣብ 1992፡ ሸሞንተ ሓራምዝ ጸዲፎም ሞይቶም'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Khao Yai National Park
ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት፡ እታ ናይ ሰለስተ ዓመት ዕድመ ዝነበራ ሓርማዝ እንትትርከብ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ኣብ ጥቕኣ ተረኺቦም።
መስራቲ ማሕበር መሓዙት እንስሳ በረኻ ታይላንድ ኤድዊን ዌክ፡ ህይወት፣ ደሕንነትን ኣለሻ መግብን ሓራምዝ ኣብ ዓብዪ መጓሰ ዝተሞርኮዘ ስለ ዝኾነ፡ ናይቶም ብህይወት ዝተረኸቡ ክልተ ሓራምዝ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድል ቀሊል ክኸውን ኣይኽእልን ይብል።
ኣብታ ሃገር፡ ሓርማዝ ምልክት ጓሂ ወይ ሓዘን ተገይሩ ስለ ዝውሰድ ድማ፡ እዚ ተጓንፎ ዓብዪ ጓሂ ክፈጥር ከም ዝኽእል ይግመት።
ነዚ ነገር፡ "ፍርቂ ኣባል ስድራኻ ዳርጋ ምስኣን'ዩ" ክብል ዝገልጾ ዌክ'ዩ።
ኣብ ታይላንድ፤ ኣስታት ሸውዓተ ሽሕ ሓራምዝ ኤዥያ ከም ዝርከቡ ይእመን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







