ዝምባብወ ፡ ብሰንኪ ደርቂ 55 ሓራምዝ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝምባብወ ብዝተኸሰተ ደርቂ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ጥራይ፡ ህዋንግ ኣብ ዝተባህለ ሃገራዊ ሕዛእቲ ብውሕዱ 55 ሓራምዝ ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ሕዛእትታት ዝምባብወ ቲናሸ ፋራዎ "እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ፡ እዞም ሓራምዝ ብሰንኪ ዓጸቦ'ዮም ዝሞቱ ዘለዉ" ኢሉ።
እዚ ኣብ ዝምባብወ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ፡ ናይታ ሃገር መጠን እትዋት ዘራእቲ ብሰፊሕ'ዩ ሃስይዎ።
ጎና ጎኒ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ዝሕታለ፡ እዚ ደርቂ ተወሲኽዎ፡ ሓደ መሰለስ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ተጸባዩ ረዲኤት ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ክልተ ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዝምባብወ ኣብ ሓደጋ ደርቂ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ገለ ካብዞም ሓራምዝ፡ ኣብ ውሽጢ 50 ሜትሮ ብዕስለ ሞይቶም ከም ዝተረኸቡን፡ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ዕቋር ማይ ንኽበጽሑ ነዊሕ ተጓዒዞም ሓይሎም ጸንቂቖም ከም ዝሞቱ'ዩ ዝግመት።
ወሃቢ ቃል ሕዛእታት ዙምባብወ ቲናሸ ፋራዎ፡ እቲ ሕዛእቲ 15000 ሓራምዝ ክሕዝ ዝግበኦ ልዕሊ 50000 ሓራምዝ ከም ዘለዉዎ ብምሕባር፡ እዞም ሓራምዝ ኣብ ከባቢ ሕዛእቲ ህዋንግ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታታት ከቢድ ዕንወት ከም ዘውረድሉ ገሊጹ።
ቲናሸ ፋራዎ ብምስዓብ እቲ ሕዛእቲ ነቶም ኣብቲ ሕዛእቲ ዝርከቡ እንስሳታት ዝውዕል ዒላታት ክኹዕት እኳ ጀሚሩ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ፋይናንስያዊ ሕጽረታት ክቅጽል ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ።
ጸገም ናይዚ ካብ ዙምባብወ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ሕዛእቲ ህዋንግ፡ ሕጽረት ዝናብ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሕዛእቲ ልዕሊ እቲ ክሕዞ ዝግበኦ እንስሳታት ስለ ዝሓዘ፡ ከም ውጽኢቱ ሓራምዝ መግቢ ንምምእራር ካብ ቀጽሪ እቲ ሕዛእቲ ኣብ ዝወጽእሉ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶትን ዘራእቶምን ጉድኣት የውርዱ ከም ዘለዉ ይንገር።
ኣብዚ ዓመት ጥራይ፡ 22 ሓረስቶት ብሓራምዝ ከም ዝተቀተሉ ሰብ መዚ ዙምባብወ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ እቲ ኣብ ዝምባብወ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ጸገም እዚ ሕዛእቲ ንከይፍታሕ ሓደ ካብ ቀንዲ ማሕለኻታት ኮይኑ ሒዝዎ ከም ዘሎ ይጥቀስ።
ብሰንኪ እዚ፡ ዙምባብወ ኣብቲ ሕዛእቲ ካብ ዘለዉ ገለ ሓራምስ ንወጸኢ ሃገራት ክትሸይጥ ክትግደድ ከም እትኽእል ይሕበር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







