ደራሲት ሮዛ ትሹማ፡ 'ሞት ሙጋበ ሓዘንን ሩፍታን እዩ!'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 2008 ምስ ስድራ ቤታ ካብ ሃገራ ዝሃደመት ዚምባብውያዊት ተዓዋቲት ሽልማት፡ ደራሲት ኖቩዮ ሮሳ ትሹማ፡ ሞት ሮበርት ሙጋበ ሩፍታ እዩ ክትብል ገሊጻ።
"ስድራ-ቤተይ ብሓጎስ ከምዝተፈጭሑ ክሕሱ ኣይክእልን እየ። ብዙሓት አዕሩኽተይ፡ ብዙሓት ሰባት ብሞት ሮቦርት ሙጋበ ኣፍ ልቦም ዝጥብጥቡ ከምዝህልዉ ኣይጠራጠርን እየ። ብዙሓት እውን ኣይክዓግቡን እዮም" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።
ንሳ ነቲ ብህልቂት ጉኩራሃንዲ ዝፍለጥ፡ ኣብ 1980ታት ንሙጋበ ብምቅዋሞም ኣሻሓት ሰባት ዝተቐትሉሉ እዋን ብምጥቃስ፡ ንሓንቲ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾነት ጓለንስተይቲ ከም ቀንዲ ገጸ ባህሪ ወሲዳ ዝጸሓፈታ 'ከውሓዊት ቤት' እትብል ስምይቲ ድረሰታ እያ ትፍለጥ።
ቱሽማ፡ "ድሕሪ'ቲ ኩሉ ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ብዙሓት ነዚ ክንርኢ ምብቃዕና ካልእ ጉዳይ እዩ፤ ሞት ዘሕዝን እዩ ግን ከኣ ንዓይን ንብዙሓት ከምዚ ከማይን እፎይታ እዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







