ሮበርት ሙጋቤ፡ ተባዕ ተቃላሳይ ድዩ ነይሩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ስም ሮበርት ሙጋቤ፡ ን 37 ዓመት፡ ዳርጋ ካልእ ስም ናይ ዚምባብዌ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ሙጋበ ኢልካ ዙምባብዌ፡ ዙምባብዌ ኢልካ ከኣ፡ ሙጋበ።
ሮበርት ሙጋቤ ወዲ 93 ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ምርጫ ዳግም ክወዳደር እየ እኳ እንተበለ ኩነታት ጥዕንኡ ግን ብፍላይ ብርኡይ የንቆልቈል ነይሩ።
ቅድሚ እቲ ብ 2008 ዓ.ም ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ኣብ ምርጫ ተሳዒርካ ህዝቢ እንተነጺጉካ፡ ፖለቲካ ክትገድፎ እዩ ዝግአካ" ኢሉ ነይሩ።
ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ እቲ ምርጫ፡ ግልብጥ ኢሉ "ፈጣሪ ጥራሕ" ካብ ስልጣን ከምዝኣልዮ እዩ ተዛሪቡ።
ሽዑ፡ ብመወዳድርቱ ሞርጋን ቻንግራይ ተበሊጹ፡ ካልኣይ ኮነ።
ድሕሪ'ዚ፡ ኣብ ስልጣን ከጽንሖ ዝኽእል ጐንጽን ዕግርግርን ተባሪዑ።
መወዳድርቱ ካብቲ ምርጫ ከምዝንሳሕብ ብምግባር፡ ሙጋቤ፡ ነቲ ካብ 1980 ዓ.ም ጀሚሩ ዝበሓቶ መንበረ ስልጣን ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት'ውን ቀጺልሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣርሓ ናጽነት
'ሙጋቤ' ብ 1970 ኣብ ዝተኻየደ ደባይ ውግእ ዝረኸቦ ስም እዩ። ሽዑ 'ምእንቲ ናጽነት ህዝቡ፡ ኣንጻር ጸዓዱ ዝተቓለሰ ተባዕ ተቃላሳይ' ይበሃል ነበረ።
ስለ'ዚ ድማ እዩ፡ ዝበዝሑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዕኡ ካብ ምንቃፍ ዝቑጠቡ ዝነበሩ።
ዝምባብዌ ካብ መግዛእቲ ካብ ትናገፍ ንደሓር፡ ኩነታት ዓለም እናተለዋወጠ ኣረኣእያ ሙጋቤ ግና ኣይተቐየረን።
ኣንጻር 'ክልተ ማናቱ ግብረ-እከይ' ማለት'ውን ኣብጻር ርእሰ ማልነትን መግዛእትን፡ ክሳብ ሎሚ ይቃለስ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ ነይሩ።
ምስ እዚ ብዝዛመድ፡ ዝዀነ ይኹን ነቐፌታ ኣብ ቅድሚ ሙጋበ ተቐባልነት የብሉን። ከም "ምድሕርሓርን ምሻጥ ሃገርን" እዩ ዝቖጽሮ፤ ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ እውን የብጽሕ።
ሙጋቤ ብምዕራባውያን ብፍላይ ከኣ ብተወለድቲ ብሪጣንያ፡ ንዝውነን ንዝነበረ ሕርሻ ስለዘሕደጎም፡ 'ስልጡን ቁጠባዊ ዓለም ዘይተረደኦ' እናበሉ ይነቕፍዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብ 2000 ንፈለማ እዋን ሓያል ተቓውሞ ኣጓኒፉዎ፡ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝጠቅም ኣንፈት ቁጠባዊ ለውጢ ኣተኣታቲዉ ነይሩ።
ክንዲ ዝተኸፈለ ይከፈል
ሙጋበን ደገፍቱን ዝጥቀምሉ ሜላ፡ ብቐጥታ ካብ በረኻ ዝተወረሰ እዩ። ብ2000 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንደም፡ ንፈለማ እዋን ምስተስዓረ ብፍሉይ ዝተዓጠቑን ተቓለስቲ ዝነበሩን ምልሻ ኣዋፊሩ።
ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ምስ ተስዓረ እውን፡ ልክዕ ከምታ ናይ ቀደም እዩ ገይሩ።
ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ኩሉ መሓውር መንግስቲ፡ ሓይሊ ጸጥታ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ መንግስታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ንገዛኢ ውድብ ከምዘገልግሉ ይግበር።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይካሓድ ለውጢ፡ በቶም 33 ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝጸንሑ መምህራን፡ ኣብ ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ዝተራእየ ምዃኑ ይዝረብ።
ዝምባብዌ ኣብዚ እዋን፡ 90 ሚኢታዊ ህዝባ ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእል ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ ሃገር ኰይና'ላ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ስእልታት ካርቱን
ሙጋቤ ኣጸቢቑ ዝተማህረ ህዝቢ ካብ ዘለዋ ሃገር፡ ዝያዳ ሓረስቶት ዝዓብለሉዋ ሃገር ምምራሕ ይቐልል ኢሉ ዝኣምን ይመስል።
እቲ ዝሃገሮ ናይ ጸዓዱ ሕርሻታት፡ ንረብሓ ድኻታት ሓረስቶት ዝውዕል እዩ ዋላ እንተበለ፡ ዝበዝሕ መሬት ኣብ ኢድ ኣዝማዱን መሊሻን እዩ ኣትዩ።
ኣብ ጐስጓስ ምርጫ 2002፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ስእሊ ዝተሓተሞ ድሙቕ ሕብራዊ ካምቻ ተኸዲኑ፡ ንኣብዘሓ ኣፍሪቃውያን መለኽቲ ምምሳል ጀሚሩ ነይሩ።
ብድሕሪኡ ግን፡ ሱፍን ክራባታን ተኸዲኑ እዩ ዝወጽእ ዝነበረ።
ብዙሓት ደቂ ዚምባብዌ፡ እዚ ሰብኣይ ካብ ስልጣን ወሪዱ ዝተረፈት ዕድመኡ ምስ ስድርኡ ግዳ ዘየሕልፎ እናበሉ ይሓቱ ምንባሮም ይዝከር።
ብ23 ሓምለ 1965 ዝተወልደት ካልአይቲ ሰበይቱ ወይዘሮ ግሬስ፡ በዓል ቤታ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክሰርሕ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ይበራበር ከም ዝነበረ ትዛረብ።
ሙጋቤ፡ ወዲ 73 ዓመት እንከሎ እዩ ሳልሳይ ቈልዓ ወሊዱ።
ወትሩ ሰንበት ድማ፡ ኣብ ከተማ ሃራሬ፡ ካቶሊካዊት ካቴድራል እናተረኸበ ቅዳሴ ይሰምዐዕ ነይሩ።
ሙጋቤ ካብ ወይዘሮ ግሬስ ክልተ ቈልዑ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







