ኣብ ባንግላዴሽ 'ፍርያት ፈረንሳ ኣይትዓድጉ' ዝብል ውዕውዕ ሰልፊ ተኻይዱ

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ባንግላድሻውያን፡ ፍርያታት ፈረንሳይ ንዘይምዕዳግን ንዘይምጥቃምን ዝጽውዕ ገዚፍ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይ'ታ ሃገር ኣካይዶም፡ 27 ጥቅምቲ 2020

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ባንግላድሻውያን፡ ፍርያታት ፈረንሳይ ንዘይምዕዳግን ንዘይምጥቃምን ዝጽውዕ ገዚፍ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይ'ታ ሃገር ኣካይዶም።

እዚ ኣብ ከተማ ዳካ ዝተገብረ ገዚፍ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ንጥሩፋት ሙስሊም ከምዝቃለስ ድሕሪ ምግላፁ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ፕረዝደንት ማክሮን፡ ነቲ ንነብዩ መሓመድ ዝገልጽ ስእልታት ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ዘርኣየን፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ብሰይፊ ዝተቐተለን መምህር ደጊፉ ካብ ሙምጓት ሓሊፉ፡ ኣብዚ ጉዳይ ተሪር ቅዋሙ የንፀባርቕ እዩ ዘሎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ እቶም ናብ ጎደናታት ከተማ ዳካ ዝወፅኡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰልፈኛታት፡ ንምስሊ ፕረዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብምቅፃል ተቓውሞኦም ገሊጾም።

ፖሊስ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ከይኣትዉ ዓጊትዎም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ኣስታት 40 ሽሕ ሰልፈኛታት ዝተሳተፍሉ እንትኾን፡ ኣብታ ሃገር ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ እስላማዊ ውድባት ‘ኢስላሚ ኣንዶላን ባንግላዲሽ’ ዝወደቦ እዩ።

እቶም ሰልፈኛታት “ንፍርያታት ፈረንሳይ ከይትጥቀሙ” ብምባል ዝጨርሑ እንትኾኑ፡ ፕረዝደንት ማክሮን ንክቕፃዕ ድማ ፀዊዖም።

ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ውድብ ‘ኢስላሚ ኣንዶላን’ ኣቱር ራሕማን ነቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ማክሮን ካብቶም ንሰይጣን ዘምልኹ ውሑዳት መራሕቲ ሓደ እዩ” ኢሉ።

መንግስቲ ባንግላዲሽ፡ ንኣምባሳዳር ፈረንሳይ ካብታ ሃገር ከባርሮ ድማ ፀዊዑ።

ናይ ካልእ ጉጅለ መራሒ ነሳር አዲን ድማ “ፈረንሳይ ፀላኢት ሙስሊም እያ፤ እቶም ዝወከልዎም እውን ፀላእትና እዮም” ኢሉ።

ፖሊስ እታ ሃገር ድማ፡ እቶም ሰልፈኛታት ካብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ንምርሓቕ ኣስታት ሓሙሽተ ኪሎሜትር ፅርግያ ብዓሿኽ ስልኪ ሓፂሮምዎ።

ፕረዝደንት ማክሮን ኣብ ሃይማኖት እስልምና ንዝረአ ጥሩፍነት ከምዝምክት ድሕሪ ምግላፁ፡ ብዙሓት ሰዓብቲ እስልምና ኣብ ዘለወን ሃገራት ዒላማ ኮይኑ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ ዝተኻየደለን ሃገራት ኢንዶኔዥያ፣ ባንግላዲሽ፣ ዒራቕን ሞሪታንያን ዝርከቡ ዜጋታቱ ብጥንቃቐ ክንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን እውን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ፍርያታት ፈረንሳይ ኣድማ ክግበር ፀዊዑ እዩ።

ንሱ ብተሌቬዥን እታ ሃገር ኣብ ዘሕለፎ መደረ፡ “ከምቲ ቅድሚ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ይቕተሉ ዝነበሩ፡ ሕዚ ድማ እስላም ክቕተሉ ጎስጓስ ይግበር ኣሎ” ብምባል፡ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ፕረዝደንት ፈረንሳይ እቲ ይገብሮ ዘሎ ናይ ፅልኢ ጎሰንጓስ ደው ንከብል ክነግርዎ ይግባእ ኢሉ።

እንተኾነ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ንማክሮን ብምድጋፍ ንዘረባ ፕረዝደንት ኤርዶጋን ኮኒኖምዎ።

ፕረዝደንት ኤርዶጋን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም እውን ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኣብ ልዕሊ እስላም ብዘርኣዮ ቅዋም “ሕክምና ኣእምሮ የድልዮ እዩ” ኢሉ ነይሩ።