ፈረንሳ፡ ሰለስተ ሰባት ብመጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ከተማ ስትራስበርግ ፈረንሳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብረት፡ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ካልኦት 12 ድማ ቆሲሎም።
ኣኽበርቲ ጸጥታ መንነት ናይ`ቲ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ዝፈልጡ`ኳ እንተኾኑ፡ ዛጊት ግን ኣይተታሕዘን ዘሎ።
`ምስ ኣባላት ኣኽበርቲ ጸጥታና ክልተ ጊዜ ተታዂሱ`ሎ` ኢሉ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክሪስቶፍ ካስታነር።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ሓደ ፕለይስ ክለበር ዝተባህለ፡ ማእከል ዕዳጋ በዓል ልደት`ዩ ተፈጺሙ።
ኣኽባሪ ሕጊ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ፈረንሳይ ናይ መርመራ መዝገብ ከፊቱ`ሎ።
ሽዱሽተ ካብቶም ዝቖሰሉ ሰባት ብጽኑዕ ከም ዝተሃስዩ ፖሊስ ገሊጹ።
ሚኒስተር ካስታነር፡ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ሓለዋ ዶባት ጸኒዑ ከም ዘሎን 350 ኣኽበርቲ ጸጥታ ኣብ ሃድን ናይ`ቲ ዕጡቕ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ኣብ ኩሉ ዕዳጋታት በዓል ልደት ሓለዋ ጸጥታ ክብ ከም ዝብል`ውን ሓቢሩ።
እቲ ወዲ 29 ዓመት ጥርጡር ኣብ ከተማ ስትራስበርግ ከም ዝተወልደን ኣኽበርቲ ጸጥታ፡ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ተኽእሎ ከም ዝነበሮን ይፈልጡ ከም ዝነበሩ ፖሊስ ሓቢሩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ቴለቪዥን ቢ ኤፍ ኤም ናይ ፈረንሳይ፡ እቲ ሰብ ብሰሉስ ንግሆ፡ ፖሊስ ምስ ስርቂ ብዝተተሓሓዘ ጉዳይ ንገዝኡ ክፍትሹ ምስ ከዱ ሃዲሙ ከይዱ። ኣብ እዋን`ቲ ተፍቲሽ ድማ ቦምባታት ኢድ ኣብ ገዝኡ ተረኺቡ።
ንሱ ናብቲ ቦታ ተመሊሱ መጺኡ`ሎ ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ኣብ ዝናፈሰሉ ዘሎ እዋን፡ ፖሊስ ነቲ ኸባቢ ኣብ ክርደና የእትዮሞ ኣለዉ፡ ንነበር`ቲ ከባቢ ድማ ካብ ኣባይቶም ከይወጹ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ`ቲ ከባቢ ዝርከብ ፓርላማ ኤውሮጳ ድማ ተዓጽዩ`ሎ። ፕረዚደንት`ቲ ፓርልማ ኣንቶኒዮ ታጃኒ፡ እቲ ፓርላማ `ብግብረ-ሽበራዊ ወይ ገበናዊ መጥቃዕትታት ኣይድሃልን`ዩ ኢሉ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ፕረዚደንት ፈረሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ካቢኔኡ ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ፡ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ `ድጋፍ ናይ ምልእቲ ሃገር` ምስ ከተማ ስትራስበርግ፣ እቶም ግዳያትን ስድራኦምን ምዃኑ ሓቢሩ።
ራዕዲ ኣብ`ታ ከተማ
እቲ መጥቃዕቲ በቆጻጽራ ናይቲ ከባቢ፡ ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት`ዩ፤ ኣብ`ቲ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኣሽሓት ሰባት ዘዘውትርዎ ውሩይ ዕዳጋ በዓል ልደት ተፈጺሙ።
ኣብ`ቲ ከባቢ ብሞያ ጋዜጠኝነት ዝሰርሕ ብሩኖ ፖሳርድ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ`ቲ ንሱ ዝነበሮ ጎደና ኣብ ፈለማ በብሓደ ዝትኮስ ተኹስታት፡ ጸኒሑ ግን በድራጋ ዝቱኮስ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ቶኽስታት ከም ዝነበር ሓቢሩ።
መኮንን ሓበሬታ ኣብ ፓርላማ ኤውሮጳ ኢማኑኤል ፎሎን ድማ ቶኽሲ ምስ ተሰምዐ ኣብ`ቲ ቦታ `ራዕዲ` ከም ዝተፈጥረን ዕጡቃት ፖሊስ ድማ ኣብ`ቲ ጎደናታት ክጎዩ ከም ዝረኣየ ሓቢሩ።
`ንዓሰርተ ደቓይቕ ዝኣክል ቶኽሲ ነይሩ ሰባት ድማ ፈቖድኡ ይሃድሙ ነይሮም` ኢሉ ሓደ ወናኒ ንግዲ ንቴለቪዥን ቢ ኤፍ ኤም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።
ብሪጣኒያዊ ኣባል ፓርላማ ኤውሮጳ ሪቻርድ ኮርቤት ድማ ቶኽሲ ምስ ተሰምዐ፡ እቲ ንሱ ዝነበረሉ ሬስቶራንት ብኡ ንብኡ ከምዝተዓጽወ ብመንገዲ ትዊተር ሓቢሩ።
እቲ ማእከል ዕዳጋ፡ ረቡዕ ተዓጽዩ ከምዝውዕል ከንቲባ ከተማ ስታርስበርግ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ`ቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ኣድራሽ ከተማ፡ ባንዴራታት ለጠቕ ኢለን ከምዝስቀላን፡ መጽሓፍ መግለጺ ሓዘን ንህዝቢ ተዳልዩ ከምዘሎን ድማ ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







